Pages

Sunday, February 22, 2015

ግዝኣተ-ሕግን ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ

ጽማቕ ናይ ዕለት 24-01-015 ብዶር. ኣደነ ገብረመስቀል ዝተካየደ መደረ ኣብ ፓል ሓርነት፡-
ሓው ኣዳነ ኣብቲ ብዛዕብኡ ክምድር ተዳልዩሉ ዝነበረ ኣርእስቲ ማለት ‘’ ግዝኣተ-ሕግን ቅዋማዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ‘’ ዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ ምእታዉ ነቲ ኣቐዲሙ ብሓው ተስፍኣለም ተዋሂቡ ዝነበረ መግለጺ ብዛዕባ እንታይ ማለት ኢዩ ዲሞክራስን? ኣየኖት ኢዮምከ ዓንድታት ዲሞክራሲን? ብሰፊሑ ከምዝተገልጸን ኣብዚ ገዛ ከኣ እኹል ምይይጥ ስለዝተገብረሉ እዚ ዓይነት ልዝባት ክቕጽልን ምሉእ ኣፍልጦ ንኽህልወና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ነዛ እንደልያ ዲሞክራሲያዊት ሃገርን ድልዱል ሓድነት ህዝቢ ክህልዋ ዝግባእን፣ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ክትክውን ብፍላይ ከኣ ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ዝነገሳ ንምግባር ፍልጠትና ክዓብን ቅሩባት ክንከውን ምይይጥና ቀጻሊ ክኸውን ኢዩ።
ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርክዎ ሓው ተስፋኣለም ክገልጽ ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ ዲሞክራሲ፡ ንዝብል ከም ቃል ካብ ግሪኽ ዝመንጨወ ኮይኑ፡ ዲሞክራሲ ማለት ስልጣን ናይ ህዝቢ ኢዩ። ነዚ ናይ ህዝቢ ስልጣን ንምርቃቕን ብግቡእ ክመሓደር ምእንቲ ግዝኣተ ሕጊ ወይ ሕገ መንግስቲ ይሃንጽ።