Pages

Monday, September 15, 2014

An Exhibition on the devastating Eritrean Condition In the City of Oslo

 
  A group of three Eritrean Peoples’ Democratic Party’s  youth prepared an inclusive and a very reach exhibition in the city of Oslo, Norway with the aim of providing to the Norwegian community and Authorities direct information about the ill condition in Eritrea. The exhibition was expanded for 9 days i.e. from 23 – 29 August 2014 in one of the famous public Norwegian libraries called ‘Deichmans Biblioteket’. In these exhibition visiting days, many library customers have got vast information about the current sad human condition in Eritrea. The project contained around 90 pictures representing devastating humanitarian, economic, political, cultural state in their homeland.  Some of the pictures on the inhumanly treating of Eritrean youth by Bedewing and some Eritreans in their way to exile created an agony in the minds of the visitors.

Monday, September 1, 2014

“ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ”

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝልለየሎም ኢንታታት ሓደ ምኽዋል ወይ ምጭዋይ ሓቂ እዩ። እቲ ጉጅለ ህዝቢ ብገዛእ ዋኒኑ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ሓበሬታ ንከይረክብ ዝዓግቶ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምናልባት እውን እቲ ህዝቢ ብናቱ ጻዕሪ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ክይዛረብን ከይዝትን እሞ ካብቲ ዲክታቶርያዊ መቑሕ ምእንቲ ከይወጽእ ኮነ ኢሉ ይሕልዎ። ክሳብ ኣብ ገዝኡ እውን ስለያዊ መውረርያ ይዝርገሓሉ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ኣብ ነንሕድሕድ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብታ ናይ ህዝብን ሃገርን ኣብነታዊት መሰረት ዝኾነት ቤተሰብ’ውን ዘይምትእምማን ይፈጥር። ብኸምዚ ደረጃ ኣብ ዝፈጠሮ ናይ ምጥርጣር ዓለም ድማ እቲ ጉጅለ ዓገብ ዝብሎ ዘየብሉ ክዕንድር ይውጥን። እዚ መርዛም ጉጅለ ምናልባት ብሰንኪ እዚ ሓደገኛ ምህዞኡ ንዝተወሰነ ግዜ ትንፋስ ይረክብ ይኸውን። እንተኾነ ህዝቢ ናይዚ ሓደገኛ መውረርያ ቀንዲ ተሃሳዪ ንሱ ምዃኑ እንዳ ሓደረ ስለ ዝተረድኦ፡ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ሕማቕ ምህዞ እቲ ጉጅለ ምቅላዑ ኣይተረፎን። እዚ ከም ሓደ ኣብነት ናይቲ “ሓቅስ ብርእሳ ተሓዝካያ ብእግራ ትወጽእ” ወይ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ጌርካ ክውሰድ ዝከኣል እዩ።
እቲ ጉጅለ ነዚ ሓቐኛ ባህሪኡ ንምሕባእ ብዙሕ ብልሓታት እዩ ዝምህዝ። ፈስቲቫላት፡ ኤግዚብሽናትን ዑደታት ዕሸል መንእሰያት ካብ ወጻእን ነዚ ከገልግሉ ዝድኮኑ መናውሒ ዕድመ መደባት እዮም። ናይ ጸጥታ ትካላቱ ስራሕ ቀንዲ መርኣያ ምሕባእ ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ እዩ። ናይ መራኸቢ ብዙሓን ትካላቱ ቀንዲ ዕማም እውን ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ህዝቢ ምስትምሃርን ንናይ መጻኢ ምዕባለ ከማዕዱን ኣካል ናይቲ ምዕባለ ንክኸውን ምጉስጓስን ምጽዋዕን ምስትምሃርን ዘይኮነ፡