Pages

Saturday, February 13, 2016

ናይ ሓጐስ መግለጺ ብኣጋጣሚ ቤት ፍርዲ ኣምስተርዳም ዝሃቦ ብይን

በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን”

ሓደ ቤት ፍርዲ ሆላንድ፥ ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም፡ ሎሚ ዕለት 10 ለካቲት 2016 ኣብ ዝዋዓለ መጋባእያኡ፡ መሰረት ባህልቢ እተባህለ ኣባል መንእሰያት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ሆላንዳዊት ፕሮፈሰር ሚርያም ቫን ራይዘን፥ ዘቕረቦ ክሲ ውዱቕ ኢዩ ክብል ወሲኑ።


ከሳሳይ ዘቕረቦ ኣጸሊማትኒ ዝብል ክሲ ዝወደቐሉ ምኽንያት ድማ፡ መንእሰያት ህግደፍ ዝተባህለ ማሕበር ኣካል ህግደፍ ምዃኑ፡ ንኤርትራውያን ተኸታቲሉ ጸብጻባት ከምዘቕርብን ንምርግጋጽ ብዙሕ ጻዕሪ ዘይድልዮ ሓቂ ስለዝዀነ ኢዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ፥ ኣብ ጭብጥን መጽናዕትን ዝተመርኰሰ ሓሳብ ክዕገት ፈጺሙ ኣይከኣልን ኢዩ ብዝብል ምኽንያት ኢዩ ነቲ ብመንእሰይ መሰረት ባህልቢ ዝቐረበ ክሲ ነጺጉ ነቲ ናይ ፕሮፈሰር ሚርያም ቫን ራይዘን ሓሳባት ዝደገፎ።

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፥ ቤት ፍርዲ ኣምስተርዳም ዝሃቦ ብይን፡ ንፍትሒ ዘንግስ፡ ንሓቂ ረጊጾም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ክዕምጹ ንዝደልዩ ድማ ኣፍደገ ዝዓጹ ስለዝዀነ እንቋዕ ሓጐሰኪን ሓጐሰናን፡ ዝብል ናይ ደገፍ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን እተካይድዮ ቃልሲ ብዙሕ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ምዃኑ ፈሊጥኪ፡ ክምህ ከይበልኪ ንዝጀመርክዮ ቅዱስ ዕላማ ናብ ዓወት ንምብጻሕ ጻዕርታትኪ ቀጽሊ ብምባል ድማ ኣተባቢዕዋ።