Pages

Friday, October 27, 2017

ጨንፈር ኖርወይ መበል 7ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣካዪዱ

ጨንፈር ኖርወይ ብዕለት 14 ጥቕምቲ 2017፣ 7ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ኦስሎ ብዓወት ኣካይዱ። ጉባኤ ጨንፈር ኣብ ቲሕቲ ሓቢርና ንስራሕ ክነድምዕ፣ ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ! ዝብል ጭርሖ እዩ ተኻይዱ። ኣብዚ ንመበል 7ይ ግዜ ዝተጋበአ ጨንፈራዊ ጉባኤ ምስ ሓያለይ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ኣባላት ጨንፈር ክልተ ኣባላት ፈጻሚት ሽማገለ ሰልፊ ተጋደላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓላፊ ወደባዊ ጉዳያትን ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያትን ተረኺቦም ነይሮም። 
ጉባኤ ብዝኽረ ሰማዕታት ድሕሪ ምጅማር፣ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ማሕደር ዕቁባዝጊ ኣብ ምኽፋት ናይቲ ጉባኤ ፍሉይ ናይ ዕንቋዕ ብደሓን መጻእካ ሰላምታ ንተጋደላ ተስፋይ ወልደሚካኤል ብምቅዳም፣ ንኹሎም ተጋባእቲ እውን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን እንቋዕ ናብ መበል 7ይ ጉባኤ ኣብቐዓናን ቃል ኣስሚዑ፣ ጉባኤ ብዕሊ ከፊቱ።     
ኣስዒቡ’ውን ኣቦ መንበር ናይ ዕለቱ ኣጀንዳታት ድሕሪ ምሕባር፣ ጨንፈር ኖርወይ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ካሳብ ሎሚ ንቋዋማዊ መደባቱ ብንጥፈት እንዳ ኣሰላሰል፣ ካብ ውሽጢ ሰልፊ ኮነ ካብ ደገ ንሓድነት ሰልፊ ኽበታትን ንዝደናደን ወስታታው እውን ብጽንዓት እንዳ መከተ ዝኸይድ ዘሎ ጨንፈር ምዃኑ ገሊጹ። ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ንሓድነትና ክዘርግ ንዝሃቐነ ተሪእዮታት፣ ጨንፈር ኖርወይ ብትሪ ከምዝኹንኖ ሓቢሩ፣ ንምምካቱ መሪሕነት ሰልፊ ንዝኽተሎ ሕጋውን ልቦና ዝመልኦ ኣገባብን እውን መጎሱ ገሊጹ።

Sunday, October 15, 2017

እቶም ሰብ ዋኒን ናብ ዋኒና

ንሓደ መስርሕ ቃልሲ ንምዕንቃፍ ካብ ዝእለሙ ሓደገኛ ተንኮላት፡ ኣብ ቆይቁን ዘይመሰረታዊ ቶኽታዅ ሓሳባትን ዝተመስረተ ኣጀንዳታት እንዳመሃዝካ፡ እቶም ሰብ ዋኒን ኣንፈቶም ዘንጊዖም ኣብ ቆይቊ ከም ዝጽመዱ ምግባር እዩ። እዚ ንመሰረታዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራረሓታት ንቕድሚት ከይስጉምን ከይምዕብልን ዝዓግት ዕንቅፋት እዩ።
መጻኢ ዋኒን ሰዲህኤ ንድሕሪት ተመሊስካ ሕሩስ ምሕራስን ናይ ጣዕሳ መዝሙር ምኩምሳዕን ዘይኮነ፡ በቲ ዝሓለፈ ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ተመኩሮ እንዳተመሃርካ፡ ንቕድሚት ምምዕዳው እዩ። ከምቲ ከም ውጽኢት ተኸታታሊ መሪሕነታዊ ኣኼባታት ኣካላት መሪሕነት ሰልፊ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብወግዒ ዝተነጸረ፡ መጻኢ ዋኒን ሰልፍና ቆይቊ ዘይኮነ፡ ሰልፋዊ ሃለዋት ምጽፋፍን ሓድነቱ ምሕያልን፡ ምቅልጣፍ መስርሕ ምሕዳስን ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓወምቲ ዝዋሰኣሉ ሓባራዊ ሰፊሕ ጽላል ንክፍጠር እጃምካ ምብርካትን ዝኣመሰለን እዩ። ዕላማ ናይቶም ኣብ ቆቍ ክንሽከል ዝደልዩና ከኣ ብኣንጻሩ ነዚ መሰረታዊ ዋኒንና ገዲፍና ኣብቲ ሓሸውየኦም ክንጽመድ’ሞ መስመርና ክንስሕት እዩ። ከምቲ “ጉድጓድሲ ንኰዓቲኣ” ዝበሃል ኣቲ ዝተኸልዎ ናይ ሸንኮለል ጓይላ ባዕላቶም እምበር ንሕና እቶም ሰብ ዋኒን ከቶ ኣይክስዕሰዓሉን ኢና።