Pages

Saturday, December 23, 2017

ግደን ሓላፍነትን ኣረካብን ተረካብን

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
“ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍ ምስግጋር መሪሕነታዊ ተራ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ናብ ክዉንነትን ምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ’ዚ እዋን ቀዳምነታቱ ምዃኑ የረጋግጽ።” (ካብ ፖለቲካዊ ውሳነታት 2ይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝተወስደ)
ጉዕዞ ቃልሲ መስርሕ ምቅብባልን ምርኽኻብን ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩልና ርዱእን ተመኩሮና ዘርኣየናን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ቃልሲ ብሓደ ኣካል ተጀሚሩ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ በብምዕራፉ ኣገባቡ እንዳቐያየረ ዝቕጽል መስርሕ እዩ። ኣብዚ ዘየቋርጽ ቃልሲ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ ሓደ ከረክብ እቲ ካልእ ከኣ ክርከብ እቲ መስርሕ ቀጻሊ እዩ። እቲ ቃልሲ ኮነ ግደን ሓላፍነትን ናይቶም ተዋሳእቲ፡ እቲ ቃልሲ ብዝሓልፎ ናይ ርሑቕን ቀረባን ምዕብልናታት፡ ብባህሪ ናይቲ ቃልስን ዓቕምን ሓላፍነትን ናይቶም ተዋሳእትን እንዳተቕያየረ እምበር ከምቲ ዝተጀምረሉ ኩነታት ብዘይክብ ለጠቕ ዝቕጽል ኣይኮነን። መስርሕ ምርኽኻብ በዚ ጀሚሩ ኣብዚ ክውዳእ እዩ ኢልካ ውዱእ ቆጸራ ዝተሓዘሉ ዘይኮነ ብመስርሕ ዝግዛእ እዩ። እቲ ዘረክብ መድረኽ እንዳገደፈ፡ እቲ ዝርከብ ድማ ቦታኡ እንዳስፈሐ ብዘገምታ ዝካየድ እዩ።
ከምቲ ቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ቃልሲ ናይ ወለዶታት ምቅብባልን ቀጻልነትን እዩ። እቲ መስርሕ ነባር ብሓድሽ ናይ ምትካእን ንሓደ ምዕራፍ ቃልሲ ሰጊርካ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ቃልሲ ናይ ምእታው ተግባር’ዩ። እቶም ተቓለስቲ እውን ከምኡ ኣብቲ ነባር ምዕራፍ ዝነበሩ፡ ንናይቲ ሓድሽ ምዕራፍ ተቓለስቲ መንእሰያት እንዳረከቡ እቲ መስርሕ ብዘይምቁራጽ ይቕጽል። እዚ ምስግጋር ንቀጻልነትን ዓወትን ቃልሲ ወሳኒ እዩ። ወሳኒ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ብዘይምስግጋርን ምውርራርስን ውሕስነት ቀጻልነት ስለ ዘየለ እዩ። ቀጻልነት እንተዘየልዩ ድማ እቲ መልክዑን ኣገባቡን ደኣ ይቕይር እምበር ቃልሲ ኣየቋርጽን እዩ።  “ምስግጋር ክሳብ ክንድዚ ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ወሳኒ ግደ እንዳሃለዎ ክሳብ ክንደይ’ሞ ንግደሰሉን ንጥንቀቐሉን? ዝብል ጉዳይ ቆላሕታ ዘድልዮ እዩ።