Pages

Saturday, August 10, 2019

ብሓው ባህታ ሃይለማርያም፣ ተጠባባቒ ኣባል ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ ኣብ ፈስቲቫል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ ቃል

ዝኸበርኩም ኣዳላውቲ ሽማግለ ፈስቲቫል።
ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ናይዚ ፈስቲቫል።
ብስመይን ብስም መሪሕነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞራስያዊ ለወጢ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ  ናይ ደገፍመልእክቲ ከቕረብ ክብሪ ይስማዓኒ።
ፈስቲቫልኩም ምስ  ምዕዋት ሳልሳይን ሓድነታውን  ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝብኒ ኤትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን  ምትእስሳሩ፡ ታሪኻዊ  ኣጋጣሚ ኢዩ። እንቛዕ ካኣ ደስ በለኩም።
ኣዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፣ ህዝብና ተወዲቡ፡ ቃልሱ ኣስሚሩ ነዚ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾነ  ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ዝሰፈና ሃገር ንክትከውንን፡ ብሕግን፡ ብልጽግቲን ብፍትሕን እትመሓደርን ሃገርክትከውን፣ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። 
ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ናይ ምሁራት ውዳቤታትን፡ ቃልሶም   ከወሃህዱ  ተግባራዊ ተበጉሶታትተጀሚሩ ምህላዉ ብጣዕሚ ዘሖጉስ ኢዩ።
ንኣብነት፡ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ወከልቲ ማሕበረ ኮማትን ግዱሳት ደቂ ሃገርንዝጠርነፈ፡ ብኤሪትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲምክራስዊ ለውጢ ዝፍለጥ ሰፊሕ ጽላል፡ ቅድሚ  4 ወርሒ ዕዉት ካልኣይጉባኤ ምክያዱ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል።
ዕላማን ጻዕርን ናይ ኤሃብደል ቡዙሑነት ህዝቢ ኤርትራ ማኣከሉ ዝገበረ፡ ውሑስ ሓድነት ዝተፈላለየ ሕብረተሰብናንምፍጣር ኢዩ። ውዳባኡ ካኣ ንዕኡ የንጸባርቕ። ኣብዚ ሓጽር ጊዜ ምስ ዝተፈላለያ ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ምስ ናይህዝቢ ውዳቤታትን ርኽኽባት የካይድ ኣሎ።ንሰልፊ ዲሞክራኢ ህዝቢ ኤሪትራ፡ ንሃገራዊ ግንባር ኤሪትራ ( 4 ውድባትዝሓቖፈ ግንባርሓቢርካ ንምስራሕ ዝዓለመ ዘተ ክካይድ መልእኽቲ ኣቅሪቡ ኣሎ። ንሓበሬታ ዝኣክለ  ብዕለት 22-6-2019  ብመኣዲ ዘተ ሚንሶታ ብምትሕብባር ምስ ቲቪ ተምፖ ኣፍሪክ (tempo afric tv eritrea) ኣብ ዝተዳለወ መኣዲ ዘተ ሚኒሶታ፤ ኤሃባደለ፡ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት ተረኺቡ 9 ነጥብታት  ዝሓዘለ ስምምዕ ሰነድፈርሞም። ቀጻሊ ርኽክባት ከካይዱ ካኣ ተሰማሚዖም ምህላዎም ብጣዕሚ ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ።
እዚ ሎሚ ነጸምብሎ ዘሎና ሓድነት ናይዘን ክልተ መሓዙት ውድባት፡   ናይ ምውህሃድን፡ ናይ ሓቢርካ ምስራሕንዝውሰድ ዘሎ ተበግሶታት ፍረ ውጻኢት ኢዩ ክበኣል ይኽእል። ስለዚ እዚ ብፖሊቲካዊ ውድባት ዝግበር  ዘሎምቅርራባትን፡ እዚ ብህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ውዳቤታት ዝወሃደሉ መስርሕ ክግበር ኣሎዎ። ነንሕድሕዱ ተማላላኢ ብሽርክነት ክቃለስ ህጹጽ መድራኻዊ ዕማም ምዃኑ ንሕና ከም ኤሃባዲለ ጽኑዕ እምነትና ምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ከምኡ እንተገርና ኢዩ፡ ዓወትና ክቃላጠፍ ዝኽእል። ኤሃባደል ደምበ ተቓውሞ ቃልሱ ከወሃህድ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነትተበጊሶ፡ ኣብ ፈጻሚት ቤትጽሕፈቱ ነዚ ዝከታተልን፡ ዘተግብርን ፍሉይ ቤትጽሕፈት እቂሙይርከብ። ሓድነታዊጉባኤኹም ብምዕዋቱ፣ ሰልፍኹም ክሕይልን፡ ክድልድልን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ልሉይ ተራ ክህልዎን፣ ካብ ዘለናምንዮትን ብምብጋስ፡ ደጊመ ብስም መሪሕነት ኤሃባደለ እንቛዕ ናብዚ ኣብቃዓኩም ክብል ደስ ይብለኒ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና።

No comments:

Post a Comment