Pages

Wednesday, August 2, 2017

ብህላወ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ሓቀኛ ዕርቂ ክረጋገጽ ኣይኽእልን’ዩ?

ክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-
ኣብ ጉዕዞ 26 ናይ ነጻነት ዓመታት ብሰንኪ በሓቲ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ፡ ክበጽሕ ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት፡ ኣሽንኳይ’ዶ ንዓና ነቶም ዋናታቱ ንዓለም ምሉእ’ውን ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለጽ ዝኽእል ጨካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዘይተተንከፈ ባእታ፡ ስድራ ቤት፡ ብሄርን ሃይማኖትን ፍጹም የልቦን። ብሳዕቤኑ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራዊ ዜጋ ዘይነጠባ ክፍለ-ዓለምን ሃገርን ዳርጋ የለን እንተተባህለ ፍጹም ምግናን ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኤርትራ ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነታ ምጭባጣ ካብተን ብምንጪ ስደተኛታት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝተሰርዓ ሃገራት ክትስራዕ ታሪኻዊ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ ነጻነት ዘለዎ ሰላማዊ ሂወትን ርጉእ መነባብሮን ንምምራሕ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንምስግጋር ኣብ ዘካይዶ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ብደላሎ ሰብ ዘጓንፎ ቁጠባዊ ምዝመዛ፡ ጭፍጨፋ፡ መጨውይቲ፡ መሸጣን ኣካላዊ ብዝበዛን ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ክስተት’ዩ።