Pages

Tuesday, November 26, 2013

ስረስ ይተዓጠቕ ደኣ!!!

ስረስ ይተዓጠቕ ደኣ!!!

epdp-from-homelandኣባላት ሰዲህኤ ካብ ውሽጢ ሃገር 
እዚ ዕቡድ ውልቀ መላኺ፡ ሰብ መሲሉ፡ ንዓመታት ህዝቢ ኣገሪሁ ኢዩ። ከም ሳዕቤን ከኣ፡ እኒሀ ህዝቢ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ-ብትን ኣትዩዎ ኣደዳ ዝተፈላለየ ሞትን ስቅያትን ኮይኑ። ሃገርና፡ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ወጺኡዋ፡ ስማ ተደዊኑ፡ መስሓቕ ሸራፋት ኮይና።
መንነትና ከይተሓተትና “ኤርትራዊ ኢየ” ክንብል ንህንጠ ዝነበርና፡ ሎሚ ግን ተሓቲትና ብዘይ መልሲ ክንዘሎ ወይ ደባቢስና “ቀርኒ ኣፍሪቃዊ ኢየ” ክንብል ጀሚርና ኣሎና። ብሰንኪ’ዚ ዕቡድ ስሱዕ ውልቀ-መላኺ!!!
ህዝቢ ብቅኑዕ ልቡ ሃገሩ ክሃንጽ ፋሕተርተር ክብል፡ ንሱ ብመደብ ከዕኑ፡ ተረባሪብና። ብሰንኪ’ዚ ዕቡድ ውልቀመላኺ ንነዊሕ ኣብ ሓንቲ ቦታ ጋም-ማን ክንብል ጸኒሕና፡ ሎሚ ግና ንድሕሪት ንሕምበብ ኣሎና። ስራሕ ዝብሃል ኣብ መላእ ሃገር የለን፡ ብልሽውና ዳርጋ ዘይፍለጥ ዝነበረ ሎሚ ኣዝዩ ሳዕሪሩ መትሓዚ ተሳኢኑዎ። ንገብሮ ጠፊኡና። ዘበን ውራውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ ነገራት።