Pages

Tuesday, November 26, 2013

ስረስ ይተዓጠቕ ደኣ!!!

ስረስ ይተዓጠቕ ደኣ!!!

epdp-from-homelandኣባላት ሰዲህኤ ካብ ውሽጢ ሃገር 
እዚ ዕቡድ ውልቀ መላኺ፡ ሰብ መሲሉ፡ ንዓመታት ህዝቢ ኣገሪሁ ኢዩ። ከም ሳዕቤን ከኣ፡ እኒሀ ህዝቢ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ-ብትን ኣትዩዎ ኣደዳ ዝተፈላለየ ሞትን ስቅያትን ኮይኑ። ሃገርና፡ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ወጺኡዋ፡ ስማ ተደዊኑ፡ መስሓቕ ሸራፋት ኮይና።
መንነትና ከይተሓተትና “ኤርትራዊ ኢየ” ክንብል ንህንጠ ዝነበርና፡ ሎሚ ግን ተሓቲትና ብዘይ መልሲ ክንዘሎ ወይ ደባቢስና “ቀርኒ ኣፍሪቃዊ ኢየ” ክንብል ጀሚርና ኣሎና። ብሰንኪ’ዚ ዕቡድ ስሱዕ ውልቀ-መላኺ!!!
ህዝቢ ብቅኑዕ ልቡ ሃገሩ ክሃንጽ ፋሕተርተር ክብል፡ ንሱ ብመደብ ከዕኑ፡ ተረባሪብና። ብሰንኪ’ዚ ዕቡድ ውልቀመላኺ ንነዊሕ ኣብ ሓንቲ ቦታ ጋም-ማን ክንብል ጸኒሕና፡ ሎሚ ግና ንድሕሪት ንሕምበብ ኣሎና። ስራሕ ዝብሃል ኣብ መላእ ሃገር የለን፡ ብልሽውና ዳርጋ ዘይፍለጥ ዝነበረ ሎሚ ኣዝዩ ሳዕሪሩ መትሓዚ ተሳኢኑዎ። ንገብሮ ጠፊኡና። ዘበን ውራውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ ነገራት።

ምስቲ ኩሉ ጸጋታታ፡ ኤርትራ ብድኽነት (ኣሰካፊ ዓጸቦ) ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ቀዳሞት 3 ጥሙያት ሃገራት ኮይና። ካብ ኣፍሪቃ ብድኽነት መወዳድርቲ ዘይብለን 2 ሃገራት፡ ኤርትራን በኒንን ኮይነን፡ እታ ሳልሰይተን ሰሜን ኮርያ ኢያ። ኤርትራ ልዕሊ 50 % ካብ ህዝባ ኣብ ኣሰካፊ ዓጸቦ ተሸሚሙ ከም ዝርከብ ብASARECA ዝፍለጥ፡ ኤርትራ ንባዕላ ኣባሉ ዝኾነት ኣፍሪቃዊ ሕርሻዊ ናይ ምርምር ማሕበር ይገልጽ ኣሎ:: ብግብሪ’ውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይምሱል መሲሉ ተጨማዲዱን ማሲኑን ንርእዮ ኣሎና።  
ምእንቲ’ዛ ሃገር’ዚኣ እዚ ኩሉ ሂወት ሓሊፉ፡ እዚ ኩሉ ኣዕጽምቲ ተሓማሽሹ፡ እዚ ኩሉ ደም ፈሲሱ፡ እዚ ኩሉ ግዜ ተኸፊሉ፡ ስለምንታይ ከምዚ ኰና ተሪፍና? ሓደ ዕቡድ ውልቀመላኺ ክሸነልና ካን ስረና ፈቲሕና? እዚ ኩሉ ጅግንነት ናበይ ኣቢሉ?
ሃገር ናብ ንቡር ክትምለስን ክትምዕብልን ይጽንሓለይ ዘይብሃል ዋኒን ኣሎና። እቲ ከም ቀዳማይ ዝስራዕ ዋኒንና ከኣ ነዚ ከም ዓለቕቲ ብጋህድን ብሕቡእን ዝመጽየና ዘሎ ጃንዳ ህግደፍ ምጕሓፍ ኢዩ። ‘ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕሚን ጸሊእክን’ ከም ዝብሃል፡ ‘ቀሚሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ’ ከይበልና፡ ሃየ ዓቕሚታትና ነተሓባብር። ነዚ ቦዅቢኹ ዘሎ ስርዓት ብሓባር ደፊእና ነጽድፎ።
ልክዕ’ዩ፡ እቲ ወሳኒ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎና ምስ እንወዳደብ’ዩ። ከምኡ ንክኸውን ግና ብደገ ዘሎኹም ተወዳደቡ። ዓንድሕቖ ኣሎዉና ኢልና ፍናን ጌርና መታን ክንወዳደብን ዝግበር ክንገብርን።
ስለዚ፡ ከምቲ ወዲ ትካቦን ወዲ ቫካሮን ዝብሉዎ ዘለዉ፡ ስረስ ይተዓጠቕ ደኣ!!! ካልእ ኣማራጽ የብልናን!!!

No comments:

Post a Comment