Pages

Wednesday, October 1, 2014

ሓይሊ ብምጥቃምን ፍልልያት ብምጽሕታርን ሰላም ኣይርከብን

ሰላም ዝደሊ ንመገዲ ሰላም ዘጣጥሕ ስራሓት ሒዙ ምስ ዝጐዓዝ እዩ። ሰላም ብሓይሊ ወይ በስገዳድ ወይ ፍልልያት ብምግፋሕ ፈጺሙ ኣይመጽእን ኢዩ።  በመገዲ ሓይሊ ወይ ፍልልያት ኣቢሉ ዝጓዓዝ ካብ ድሑር ስሚዒታትን ኣንነትን ምጉጅጃልን ዝተላዕለ ንጸረ-ሰላም ዘዕምብብ ስራሓት ኢዩ ዝበቁል። ሰላም ኩሉ ግዜ ንሽግራትካ ተላዚብካ ብግልጺ ብምግላጽ ናብ ናይ ሓባራዊ ረብሓ ዝቋመት ኣንፈት ኢዩ  ዘተሕዘካ። ሰላም ብሓደ ኰንካ ሓቢርካ እትለዓለሉን ንነፍስኻ እትእርመሉን ስለዝኾነ ንኹልኻ ብማዕረ ዝሕብሕብ እውን እዩ።
ናይ ኩልና ድሌት ንለውጢ ቅሩባት ምስእንኸውን እቲ  እንደልዮ ብሓባር ኰንና ድማ ምስ እንትልሞ{ ሽዑ እቲ ሓቀኛ ሰላምን ምርግጋእን ዝፍጠረሉ ባይታ ተመድሚዱ ማለት ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ መላእ ህዝቢ ነቲ ንሱ ዝኸዶ ኣቕጣጫ ብስምምዕ እንተደኣ ቀይሱን ኣሚቱን ንዝኾነ ይኹን ዝፍጠር ሽግር ይኹን ዘጋጥም ፍልልያት ክፈትሖ ጸገም ኣይህልዎን።
ናብዚ ንምብጻሕ ግን ኩልና ኣቕጣጫና ዝጠፋኣና ከይከውን ካብ ብሕጂ ብቕኑዕ ፖለቲካዊ ስነ-ምግባር ክንዕጠቕ የድሊ። ካብኡ ብዝተረፈ ነታ ክንሃንጻ ትጽበና ዘላ ሃገር ባሕይልን፡ ብምክፋእን፡ ምንእኣስን፡