Pages

Sunday, March 8, 2015

ኣብ ኤርትራ ምፍራስ ገዛውቲ ይቕጽል ኣሎ፣ መንእሰያት ድማ ናብ ዘይውዳእ ናይ ታዕሊም መደባት ይጓረቱ ኣለዉ

ኣብ ኤርትራ ምፍራስ ገዛውቲ ይቕጽል ኣሎ፣ መንእሰያት ድማ ናብ ዘይውዳእ ናይ ታዕሊም መደባት ይጓረቱ ኣለዉ

ስርዓት ህግዲፍ ሎሚ ዕለት 25 ለካቲት 2015 ውን፡ ነቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ምፍራስ ናይ ኣባይቲ ብምቕጻል፡ ኣብ ቀሓውታ (መሬት ናይ ጸሎት) ተሃኒጹ ዝጸንሐ ኣባይቲ ከፍርሶ ውዒሉ ኣሎ። ዋናታት ኣባይቲ ክልተ ግዜ ኢዮም ዝጽፍዑ ዘለዉ። እቲ ሓደ መዓት ገንዘብ ኣውጺኦም ገዛ ክሰርሑ ከለዉ፡ እቲ ስርዓት፡ ስቕ ኢሉ ክኸስሩ ገዲፍዎም። እቲ ካልኣይ ጽፍዒት ከኣ፡ እቲ እቶት ክረኽብሉ ወይ ባዕሎም ክሰፍርዎ ዝሰርሕዎ ገዛውቲ ብቡለደዘራት ገይሩ ድዅዒ ክገብሮ ከሎ ምርኣይ ኢዩ።
ኣብ ርእስ'ዚ፡ ነቶም ኣብ ሳዋ ታዕሊም ዝወሰዱ መንእሰያት፡ እንደገና ኣብ ጋሕተላይ ክትዕለሙ ኢኹም ብዝብል መደብ ሎሚ መዓልቲ ካብ ጐዳይፍ ብዙሓት መንእሰያት ገፊፉ ምህላዉ ምንጪታት ሰዲህኤ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።