Pages

Sunday, February 12, 2017

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ኣብ ሕድሪ ጀጋኑና

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ) ብኣቋጻራ በርሊን ካብ 11 ናብ 12 ለካቲት 2017 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ መስመር ሕድሪ ጀጋኑና ንልዕሊ 4 ሰዓታት ዝቐጸለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ርክብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ “ ግጉይ ኣጀማምራ ድሕሪ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘለናዮ ሃለዋት ከመይ ይጸልዎ"፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ’ዩ ነይሩ።

ኣቶ ወልደየሱስ ኣብቲ ዘቕረቦ መጽናዕቲ እቲ ኣብ 1991 ንሓይሊ መግዛእቲ ኣወጊዱ ስልጣን ዝጨበጠ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ሓላፍነት ወሲዱን ኣርሒቑ ሚቱን ንኹሉ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ግደን ህዝባዊ ጽልዋን ዝነበሮ ወገናት ዘሳትፍመድረኽ ዘይምፍጣሩ ናይዚ ዘለናዮ ሃለዋት ጠንቂ ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ንሱ ኣተሓሒዙ እቲ ግንባር ድሕሪ ናጻነት ዝተኸተሎ ግጉይ ኣገባብ ሽዑ ዝጀመረ ዘይኮነ ቅድም እውን ዝነበረን ምእንቲ መስርሕ ናጽነት ከይዕንቀፍ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዝጸንሐን ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ብምዕራፋት ከፋፊሉ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ እቶ ወልደየሱስ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ታሪኽ ዘይዝንገዖ ሓርበኝነት ከም ዝፈጸሙ  ጠቒሱ፡