Pages

Saturday, June 16, 2018

መግለጺ 2ይ ኣርባዕተ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

ክቡራትን ክቡራንን
ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዅሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከብ ኤርትራውን ፈተውቲ ሃገርና ኤርትራን ናይ ዮሃና መልእኽቲ የመሓላልፍ። ህዝብና ካብ’ዚ ዘሕልፎ ዘሎ ኣደራዕ ተጋላጊሉ፡ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዝነግሰሉ፡ ዜጋታት ብሰላም ወፊሮም ብሰላም ናብ ገዝኦም ዝምለስሉ፡ ውግእን ወረ ውግእን ዘኽትመሉ ዓመት ክዀነልና ድማ ይምነ። 
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ17ን 27ን ግንቦት 2018 ዝተኻየደ ካልኣይ ኣርባዕተ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼባኡ ብዝኽሪ ስዉእ ተጋዳላይን ኣባል ማእከላይ ባይቶ ነበርን መሓመድ ኣሰሎ ኢዩ ከፊትዎ። ኣብ’ዚ ካብ ወርሓት ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2018 ዘጠቓለለ ኣኼባ ዝቐረቡ ዛዕባታት ድማ፡ ጸብጻባት 9 ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ፈስቲቫል 2018፡ ንድፊ ትግባረ እማመ ሰዲህኤን ዝብሉ ነበሩ።
ንጥፈታት ሰልፊ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ከምዝመጽእ ዘሎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ መዚኑ። ሰዲህኤ፡ ብመሰረት ናይ እማመ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት፡ ምስ ዝተፈላለያ ውድባትን ምስ ህዝብን ዘካይዶ ዘሎ ርክባት ተስፋ ዝህብን ኣበርቲዑ ክደፍኣሉ ዘለዎ ዕማምን ምዃኑ ርእዩ። ነቲ እማመ ናብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ ንድፊ ትግባረ እውን ተሊሙ ኣሎ።
ኣብ እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን ብኣባላት መሪሕነት ዝተኻየደ ዑደት ዝንኣድ ውጽኢት ከምዝነበሮ ገምጊሙ። ከምኡ’ውን፡ ብቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ’ዚ ርብዒ ዓመት ኣብ ሆላንድ፡ ከተማ ሀግ፡ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባታትን፤ ብእጋጣሚ 8 መጋቢት ኣብ ካናዳን ሽወደንን ዝተኻየዱ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ብምኽንያት መበል 27 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ብምኽትል ኣደመንበር ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ እተገብረ ቃለ-መሓትት...ወዘተ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ዝሕብሩ ምልክታት ምዃኖም ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ።