Pages

Monday, May 30, 2016

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ኮንፈረንስ ጀነቫ ተኾኒኑ።

ኣባል ፓርላም ስዊዘርላንድ፡ ኣብቲ ኩነታት ኤርትራ ዝተገምገመሉ ንክልተ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ኣብ ኤርትራ  ዝተፈላለየ ገበናት ይፍጽሙ ንዘለዉ ኣካላት ብትሪ ኮኒኖም። እቶም ኣባል ፓርላማ ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ገስገስቲ ምስቶም ኣብ ከም ኤርትራ፡ ዝንባቡዌን ኣብ ካለኦት ከባብታትን  ምስ ዘለዉ ዲክታቶራት ክደጋገፉ ምጽነሖም ተቓዊሞም።
ኣብ መኽፈቲ እዚ ናይ 19 ጉንበት 2016 ሰሚናር ክቡር፡ ማኑአል ቶርናረ፡ ናይ ቅድም ከንቲባ ጀነቫን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያትን፡ ኣብዚ እዋንዚ 30% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጨንቂ ይነብር ብምህላዉ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበን በቲ ብሕቡራት ሃገራት ብዝቖመ ኮሚተ ብዝቐረበ 483 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ምቅልዑ ከም ዘሕጐሶም ጠቒሶም፡ ድሕሪ እዚ ተሓታቲ ናይቲ ገበን ክንጸር ትስፉው ምዃኖም ሓቢሮም። ንሶም ኣተሓሒዞም ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጀነቫ ዝተዘርበ ቅድሚ 80 ዓመታት፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣንጻር ናይ ሽዑ ፋሺሽታዊ ግፍዒ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ኣብ ዘቕረብሉ እዩ ነይሩ ኢሎም።

Thursday, May 19, 2016

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኦስሎ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።



Norway_demoህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ን25 ዓመታት እዚ ዘይበሃል በድላትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ወሪዱዎ ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ህሞት፡ ህግደፍን መሓውራቶም ዝኾና ማሕበራትን ኣብ ኦስሎ፡ ሃገረ-ኖርወይ፡ ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ዳንኬራን ሳዕስዒትን ንምግባርን ብስዉር ንነዊሕ ጊዜ ተዳልዮም ሸበድበድ ክብሉ ቀንዮም።
ከተማ ኦስሎ፡ ከም ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ይቕመጥዋ። ኣብዛ ኸተማ’ዚኣ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ ብቑጽሮም ይኹን ብህግደፋውነቶም ዝተኣማመኑ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ህግደፍ ስለ ዝጸንሑ፡ ኣፍልቦም ገቲሮም ደስ ኣብ ዝበሎም ኣዳራሻት በዓላትን ሰሚናራትን የካይዱ ኔሮም ኢዮም። ካብ 2012 ንነጀው ግን ቁጽሪ ደለይቲ ፍትሒ እናሰሰነ ሓይሊ-ሚዛን’ውን እናተቐየረ ስለ ዝመጽአ፡ ኣባላት ህግደፍ እዚ ዘይበሃል ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም፡ ኩሉ ዝገብርዎ ንጥፈታት ብስቱር ጥራይ ኮይኑ።

Tuesday, May 3, 2016

ናጽነትና ትኳቦ ዘይኮነስ፡ ውጽኢት መሪር ቃልሲ’ዩ

ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብዘይካ ብቓልሱ ብኻልእ መንገዲ ከም ዘይረጋገጽ ምስ ዓገበ፡ ቃልሲ ከካይድ ወሲኑ። ነዚ ቃልሱ ንምዕዋት መሳርሒ ዝኾኖ ውዳበ ክህልዎ ድማ ናይ ግድን ነይሩ። ውዳበ ናይ ሓባር ረብሓን ዕላማን ዘለዎም ኣካላት ብናይ ሓባር ጻዕሪ ንከዕውትዎ ዝጥቀምሉ ሓባራዊ ኣገባብ እዩ። እዚ ናይ ሓባር ናይ ቃልሲ መሳርሒ ውደባ ብሃታሃታ ጠፋጢፍካ ዝስራሕ ዘይኮነስ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀጥዕን ኣገባብን ሒዙ ብመስርሕ ዝሓልፍ እዩ። ናይዚ ዝምስረተሉ ቀጥዒ ጽፈትን ድልዳለን ከኣ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ብኣኡ ኣቢልካ ዝብጻሕ ዓወት ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ኣለዎ።
ኤርትራውያን ተቓሊሶም ናጽነት ዘውሓሱለን ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ሕድሕደን ዝነበረ ፍልልይ፡ ምስሕሓብን ብሰንኪ እዚ ምስሕሓብ ዝፈሰሰ ደምን ዝባኸነ ንብረትን ግዜን ንታሪኽ ገዲፍካ፡ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ነናተን ግደ ከም ዝነበረን ፍሉጥ እዩ። ብዓብይኡ ከኣ ናይዘን ውድባት ኩለመዳያዊ መሰረትን መንቀልን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝነበረ ቀዳማይ ዋና ናይቲ ናጽነት ንሱ እቲ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ዋና ናጽነት ዝኾነሉ ምኽንያት ደቁ መሪቑ ኣብ ቃልሲ ስለ ዘሰለፈ ጥራይ ኣይኮነን። ባዕሉ እውን፡ ኣብቲ መስርሕ ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብ፡ ብዛዕባ ጸላኢ መሰረታዊ ሓበሬታታት ብምቕራብ፡