Pages

Thursday, February 27, 2014

Smerrr TV Dr. Tewelde Tesfamariam in oslo


ዕዉት ሰሚናር ደለይቲ ለውጢ ብክቡር ዶክተር ተወልደ (ወዲቫካሮ) ኣብ ከተማ ኦስሎ (oslo)


Oslo_vacaro_mass
ረምታ
ኣብቲ ብዕለት 24.02.14 ኣብ ኣሰና ዝተዘርግሐ ዜና፡ “ኣብቲ 150 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ ኣኼባ . . . ፡ ንስድራቤት ወዲዓሊ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተገብረ ናይ ውጽኢት ገንዘብ ጐስጓስ ማዕረ ሓደ ሽሕ ዶላር ከም ዝተዋጽአ . . . ኣስማቶም ክገልጹ ካብ ዘይመረጹ ዜጋታት ድማ ንመቐበሊ ክቡር ሓው ዶክተር ተወልደ (ወዲቫካሮ) ሽዱሽተ ሽሕ ክሮነር ከም ዝወፈዩ . . . “ ዝብል “ኣብቲ 350 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ፡ . . . ንስድራቤት ወዲዓሊ ብስም ጽላል ሓደ ሽሕ (1000 ዶላር) ኣመሪካ፡ ብስም መሓመድ ብርሃን ፍትዊ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ (500 ክሮነር) ኖርወይ. . . ፡ ንመቐበሊ ሓው ዶክተር ተወልደ ቫካሮ ስሞም ክጠቕሱ ዘይደለዩ ዜጋታት ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን (7700 ክሮነር) ከም ተዋጺኡ፡” ተባሂሉ ክእረም ምስናይ ይቕሬታ ነተሓሳስብ።
ዓወት ንህዝቢ!!!
ክቡር ሓውናን ኣቦናን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲቫካሮ) ብመሰረት ካብ ነዊሕ እዋን ተታሒዙ ዝጸንሐ ቈጸራ መሰረት ዕለት 22.02.14 ኣብ ከተማ ኦስሎ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ ሰፊሕ ሴሚናር ኣካዪዱ። ኣብቲ 150 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ ኣኼባ፡ ብመጀመርያ ሓው ባህልቢ ክፍለ ንሓው ተወልደ ቫካሮን ኣጋይሽን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓው እስጢፋኖስ ተሞልሶ ድማ ንጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ብምውካል፡ ንኣመዓባብላ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ዝምልከት ሓጺር መግለጺ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ጸረ ህግደፍ ዝኾኑ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ማሕበራት መንእሰይን በብውልቆም ዝተጠርነፉን ዜጋታት ቃልሶም ንምውህሃድ ብምስምማዕ ኣብ ሓደ ጽላል ካብ ዝጥርነፉ ዛጊት ልዕሊ ዓመት ሓሊፉ ከም ዘሎ፡ ኣብዚ ዝጥቀስ ዘሎ ግዜ ዓበይቲ ዕማማት’ኳ እንተ ተፈጸመ፡ ዛጊት ብዙሕ ዝተርፍ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ምምስራት ጽላል ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ነቲ ሓው ተወልደ ቫካሮ ይኹን ብወገንና ነተኵረሉ ዘለና ምምስራት ዝዓበየ ጥርናፈ ደለይቲ ለውጢ ኤውሮጳ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነፍስወከፍ ደላዪ ፍትሒ ነቲ ዝቕጽል መድረኽ ዕዉት ንምግባር ብዝለዓለ ተወፋይነት ክሳተፍን ቃልሱ ከበራትዕን ተላብዩ።

Wednesday, February 19, 2014

It’s 2 Years since EPDP Leadership Member M. Ali Ibrahim Disappeared in Kassala, Sudan

EPDP Information Office
It is again the 14th of February, and a time to sorrowfully remember the second anniversary of the disappearance in Kassala, Sudan, of the life-time freedom fighter Mohammed Ali Ibrahim,
a member of the Central Council of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP). The primary suspect is none other than the criminal regime in Asmara.
His Party colleagues as well as his wife Halima and his two sons, Majid and Nassir, have no news about his whereabouts in the past 730 days since 14 February 2012.
Mohamed-ali-Ibrahim2Mohammed Ali Ibrahim has left his home in the morning hours of that fateful date and was never seen again. However, there were two clues about his being kidnapped by forces of darkness. About the time of his disappearance, a vehicle without a plate number and with opaque windows was apprehended inside Kassala and was seen driving towards the road that leads to the victims residence zone. Another clue was a phone call using Mohammed Ali’s cell-phone and telling his friend that Mohammed Ali is not going to be traced easily.
The Sudanese security office in Kassala was urged to help but nothing came out of it. Also both President .Omar al-Bashir of the Sudan and the then Prime Minister

Thursday, February 6, 2014

ዝሓለፈ ኣይንረስዕ፡ ግና እሱራቱ ኣይንኹን

ኣብ መስርሕ ቃልሲ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ፡ ህልዊ ኩነታትን መጻኢ ዕማምን ኣብ ሕድሕድ ዝተኣሳሰሩን ዝጸላለዉን ምዃኖም ብክለሰ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ ብተግባር ካልእስ ይትረፍ፡ ካብ’ቲ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ተመኩሮ ቃልስና ዘረጋገጽናዮ ሓቂ እዩ። ቀንዲ ቆላሕታና ንቕድሚት ምስጓም ኮይኑ፡ ንምዕዋቱ ዝሓለፈን ዘሎን ኩነታት ኣብ ግምት ምእታው ናይ ግድን እዩ። ኣብ ግምት ምእታው ክበሃል እንከሎ ነቲ ሃናጺ ክፋላቱ ምውሳድ’ሞ ኣሕዲስካ ምጥቃሙ ማለትና እዩ። ኮታ ንሕሉፍን ህልውን ኣብ ግምት ከነእትዎም እንከለና ነቲ መጻኢ ጉዕዞና ብዘይዕንቅፍ ወይ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣገባብ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ንዓና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ቀንዲ ዕማምና ንስርዓት ህግደፍ ብዘየዳግም ደረጃ ምስዓር እዩ።