Pages

Thursday, February 6, 2014

ዝሓለፈ ኣይንረስዕ፡ ግና እሱራቱ ኣይንኹን

ኣብ መስርሕ ቃልሲ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ፡ ህልዊ ኩነታትን መጻኢ ዕማምን ኣብ ሕድሕድ ዝተኣሳሰሩን ዝጸላለዉን ምዃኖም ብክለሰ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ ብተግባር ካልእስ ይትረፍ፡ ካብ’ቲ ጌና ቀጻሊ ዘሎ ተመኩሮ ቃልስና ዘረጋገጽናዮ ሓቂ እዩ። ቀንዲ ቆላሕታና ንቕድሚት ምስጓም ኮይኑ፡ ንምዕዋቱ ዝሓለፈን ዘሎን ኩነታት ኣብ ግምት ምእታው ናይ ግድን እዩ። ኣብ ግምት ምእታው ክበሃል እንከሎ ነቲ ሃናጺ ክፋላቱ ምውሳድ’ሞ ኣሕዲስካ ምጥቃሙ ማለትና እዩ። ኮታ ንሕሉፍን ህልውን ኣብ ግምት ከነእትዎም እንከለና ነቲ መጻኢ ጉዕዞና ብዘይዕንቅፍ ወይ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣገባብ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ንዓና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ቀንዲ ዕማምና ንስርዓት ህግደፍ ብዘየዳግም ደረጃ ምስዓር እዩ። ነዚ ቀንዲ ዕማም ከነዕውት ክንቃለስ እንከለና ክንርስዖ ዘይግበኣና ምናልባት’ውን መንገዲ እንዳጸረግናሉ እንኸይድ ተግባር፡ ድሕሪ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝተከል ስርዓት ከመይነትን እንታይነትን እዩ። እዚ ማለት ድማ ብድምር ዕላማና ኣብቲ ዝሓለፈ ዘየዕገበና ተመኩሮና ወይ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ህልዊ ናይ ዕንይንይ ኩነታት ክንነብር ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ምዕራፋት ኣውንታታት ኣወሃሂድካ ዝሓሸ ድሌት ህዝብና ዝማእከሉ መጻኢ ምውሓስ እዩ።
እዚ መጻኢ ድሌትና ኣይኮነንዶ ኣብ ኢድና ዘሎ ናትና ዓቕሚ ናይ ካለኦት ደለይቲ ጽቡቕና ሓጋዚ ዓቕሚ’ውን ከነሰልፈሉ ዝግበኣና እዩ። ማለት ክቡር ዋጋ ከፊልና እነመዝግቦ እምበር ብጥራዩ ዝትኮበልና ኣይኮነን። እቲ ዝኽፈል ዋጋ፡ ብኣካላዊ ድኻም፡ ብገንዘብካ ምፍሳስ፡ ብግዜኻ ምውፋይ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ምስ ካለኦት ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮ ቃልሲ ዝነበረካ ዝምድና ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ዝሓለፈ ቅርሕንቲ ክኢልካ፡ ኣብ መጻኢ ዕማም ምውዳቕ እቲ ስርዓትን ምትካኡን ምሳኻ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም’ሞ ምእንቲ ረብሓኦም ምሳኻ ክስለፉ ቅሩባት ምስ ዝኾነ ኣካላት ተኸኣኢልካ ምጉዓዝ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ክንከፍሎ ዝገበኣና ናይ ክቡር ዋጋታት ዝርዝር እቲ ዝለዓለ ደረጃ ዝሕዝ እዩ። እዚ ዝለዓለ ዝኾነሉ ምኽንያት ዝበዘሓ ዓቕሚ ብሓባር ከተሰልፈሉ እትኽእል መተካእታ ዘየብሉ መንገዲ ስለ ዝኾነ እዩ። ኩሉ ክኢልካ ወይ ተጸሚምካ ነዚ ናይ ምክእኣል ተግባር ርዒምካ እንተዘይሰሪሕካሉ ግና ዓቕምኻ ስለ ዝሰንፍ ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢኻ ናይ ምስዓሩ ዕድልካ ጸቢብ እዩ። ብኣንጻሩ ጸላኢኻ ተገልቢጡ ንዓኻ ናይ ምድኻም ሰፊሕ ዕድል ይህልዎ። በዚ ኣጋጣሚ ምክእኣልን ምጽውዋርን እቶም ምእንቲ ኣብቲ ዝደልይዎ ክበጽሑ ክክኣኣሉ ዝግበኦም ኣካላት ማዕረ ክኸፍልዎ ዝግበኦም ዘይስገር ዕዳ እምበር ንሓደ ኣካል ካብቶም ተዋሳእቲ ዝግደፍ ግዴታ ከም ዘይኮነ ክንስሕቶ ኣይግበኣናን።
ንድሕሪት ተመሊስና ናይ ጉጅለታት ይኹን ውልቀ መራሕቲ ዝሓለፈ ጌጋታት ክንጽብጽብ፡ እሞ ድማ እገለ ወይ ጉጅለ እገለ ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ከምዚ ዓይነት ከቢድ በደል ፈጺሙ ስለ ዝነበረ፡ ሎሚ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ እነካይዶ ቃልሲ ስለ ዘይንኣምኖ ምሳና ኣይሰለፍ እዩ። በይኑ እንተተወደበ’ውን ክንጥንቀቐሉን ክንሕልዎን ይግበኣና፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ካብ መራሕቲ ህግደፍ ፈሊና ኣይንርእዮን ኢና ዝብሉ ወፈራታት ምክያድ፡ ብሓጺሩ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ተሃዋሲ ኣይኮነንዶ ተበቲና ሰሚርና’ውን ዝኸብድ ጉዕዞ ኣብ ምዕዋቱ ዘይሕግዘና ስለ ዝኾነ ከነወግዶ ዝግበኣና እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ምጽብጻብ ኣብ ዝሓለፈ 23 ዓመታት መዋእል ስልጣን ህግደፍ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ናብ ተመኩሮ ብረታዊ ቃልስና እውን ክወስደና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንበላዒ ሰብ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዲክታቶርያዊ ዙፋን ኣቐሚጥና፡ ድሕሪት ተመሊስና ካብ ሳሕል ወይ ካብ ባርካ ጀሚርና ብዛዕባ ውግእ ሕድሕድ፡ ምንቅስቓሳት መንካዕን ፋሉልን ካለኦት ተሃወስቲ ፍጻመታትን፡ ንጸባጸብ እንተ በልና ኸዓ ክሳብ ክንደይ ፖለቲካዊ ውሕልነት ይጐድለና ከም ዘሎ እስከ ነስተውዕል። ብናተይ እምነት ኣይኮነንዶ ሎሚ ነቲ ቁስልታት ምጉድዳእ፡ ኣብቲ እዋኑ’ውን ንዝበደለ ምቕጻዕ ነቲ በደል ኣይመልሶን እዩ። ምናልባት ግና ነቲ በደለኛ ምቕጻዕ ካለኦት ኣካላት በደል ከይፍጽሙ ካብቲ መቕጻዕቲ ተማሂሮም ኢደ-እግሮም ንክእድቡ ይሕግዝ ይኸውን። እንተኾነ ዝኾነ መቕጻዕቲ ዝሓሸ መጻኢ ንምምጻእ ዝሕግዝ እንተዘይኮይኑ ምሃርነቱ ባዶ እዩ ዝኸውን። እዚ ክብል እንከለኹ ግና ብዛዕባ ዝሓለፈ ኣይንጸባጸብ ማለተይ ኣይኮነን። ግና “እሞ መዓስ?” ንዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዘድልዮ ምዃኑ ክስወጠና ይግበኦ። ኣብዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልእ ዛዕባን ኣጀንዳን እውን ንምርጫ ግዜን ኩነታትን እንህቦ ቆላሕታን ግምትን ኣብ ምዕዋትናን ዘይምዕዋትናን ወሳኒ ግደ ከም ዝህልዎ ኣጸቢቕና ነስተብህል።
ሎሚ ናይ ሰዓርን ተሰዓርን ኣተኣሓሕዛ ፍልልይ እንዳተመነወ ዓለምና ናብቲ ናይ ሰዓራይን ሰዓራይን ኣተሓሕዛ ፍልልይ እንዳዛዘወት ትኸይድ ከም ዘላ ንዕዘቦ ዘለና ዓለማዊ ኩነት እዩ። እዚ ዳሕረዋይ ዝጠቐስኩዎ ርትዓዊ ንቕድሚት ዘማዕዱ ኣተኣላልያ ፍልልይ ኣብዛ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪቃ ተተግቢሩስ፡ እቶም ፈጸምቱ በዓል ነፍሰሄርን ነልሰን ማንደላ ኣዝዩ ታሪኻዊ ክብሪ ዝረኸብሉ ጥራይ ኣይኮነን። ሃገሮም ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ሓንቲ ካብተን ዝሰልጠና ሃገራት ንኽትከውን ከም ዘኽኣላ ኣይንስሕቶን ኢና። ነቲ ንሕና “ዝገበረኒ ክገብሮሲ ዓዲ ነየጋብር” እንብሎ ምፍዳይ ሕነ ዘይድግፍ ኣተሓሳስባ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣተግቢረምዎ ማለት እዩ። ናተይ ድሌት ኣይኮነንዶ ሎሚ ኣብ ቅድሜና ኩልና ብሓባር’ኳ ዘይደፋእናዮ ገዚፍ ዕማም ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ እንዳሃለወና ብዝሓለፈ ፍልልይ ክንጸባጸብን ክንረሓሓቕን፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ እንተኾነ እውን ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ኣተኣላልያ ተመኩሮኣዊ ፍልልይ እንተንርዕም መመረጽኩ። ብዝኾነ ግና ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩት ቅድም ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል እስከ ብመጀመርያ ኩልና ብሓደ ኮይንና ንስርዓት ህግደፍ ከም ዘየዳግም ንእለዮ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ በይኑ ኣይኮነን ክውጽዕን ክመርሕን ጸኒሑ። ብዙሓት ናይ ቀረባ መሳርሕትን ደገፍትን ክነብርዎ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ንሱ ኮነ መኻይዱ ሰባት እዮም’ሞ፡ ሰባት ብምዃኖም ድማ ዲክታቶር ኢሳያስ በብመድረኹ ክፍጽሞም ብዝጸንሐን ዘሎን ጌጋታትን ገበናትን ቀረቡን ፈተውቱን ጸኒሖም ክነሶም፡ ከምቲ “ክሳብ እትኣምን ኪድ፡ ካብ ዘይትኣምን ተመለስ” ዝብልዎ ምስላ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ካብኡ ክፍለዩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣንጻሩ ክስለፉ’ውን ባህርያዊ እዩ። ብመንጽር’ዚ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮነ ኣብ ህግደፍ በሪኽ ጽልዋ ዝነበሮም ባእታታትን ኣካላትን ንኢሳያስን መላኽን ዓማጽን ባህርያቱን ጠንጢኖም፡ ንብዓት ህዝቦም ንምሕባስ ኣካል ደንበ ተቓውሞ ኮይኖም ኣለዉ። ናይ ቀደም ጸላእትና ናይ ሎሚ ድማ መቓልስትና ኮይኖም። እዚ መስርሕ ምፍራስ ደንበ ህግደፍን ምዕማር ደንበ ተቓውሞን ኣብ መጻኢ’ውን ዘየቋርጽ ተረኽቦ እዩ። ስለዚ ሎሚ ምስቶም ንህግደፍ ዝራሕርሑ ቀደም ኣካሉ ዝነበሩ እንረዳዳእ በቲ ናይ ቀደም ዘየረዳደኣና ዝነበረ ቋንቋ ዘይኮነስ በዚ ናይ ሎሚ ዘረዳድኣና ናይ ለውጥን ንቕድሚት ዘማዕዱን ቋንቋ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ብናተይ እምንቶ ጌና ክሳብ ሎሚ ኣካላት ህግደፍ ኮይኑም ክንራገሞም እንውዕል ዘለና ወገናት’ውን ጽባሕ ምሳና ክስለፉ እቲ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ህግደፍ ዓሚቝ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣካላት፡ ቀደም ከመይ ከም ዝነበረ ክነግሩና’ሞ ከም ተመኩሮ ክንሰንቆ’ኳ ዘይጽላእ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ንሓቶምስ ብዛዕባ መጻኢ ለውጢ ንምምጻእ ዘለዎም ቅሩብነትን ንምቅልጣፉ ዘወፍዩልና ሃናጺ ሓሳብን እዩ ክኸውን። ኣብ ህግደፍ እንከለዉ ዝፈጸምዎ ጌጋ እንተነይሩ ንረሰዓዮ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ንሱ ናይዚ እዋንዚ ቁጽሪ ሓደ ኣጀንዳና ኣይኹን እየ ዝብል ዘለኹ። ንሳቶም እውን ብዛዕባና ዝብልዎ ከም ዝህልዎም ከዓ ኣይንዘንግዕ። እዚ ኣብ ሓዳስ መጻኢት ኤርትራ፡ እንተ ኣብ ናይ ፍርዲ ወይ ኣብ ናይ ዕርቂ መድረኽ ኣምጺእና ንሓዋሩ ኣብ ዝቕመጠሉ ግቡእ ቦታ ክንውግኖ ኢና።
ሎሚ ኣብ ቅድሜና ክንምርሸሉ ዝጽበ ለጥ ዝበለ ናይ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ሜዳ ኣሎና። ብዘሎ ጉልበትና ኣብዚ ጐደና’ዚ ኢና ክንጐዓዝ ዝግበኣና። ነዚ ጐደናዚ ኣወንዚፍካ፡ እትሕተተሉ ድዩ ትሓተሉ ተመኩሮ ብዘየገድስ ንድሕሪት ናብቲ ዝመጻኻሉ ጐደናን ዕንቅፋታቱን ተመሊስካ ብዛዕባኡ ምቑዛም ግና ሓጋዚ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ ዝረኣኻዮ ብዝኾነ ኣካል ዝተፈጸመ ጌጋ ሎሚ’ውን ንከይድገም ምጥንቃቕ እዩ እቲ እዋናውን ኣገዳስን። ከምኡ እንተዘይገርና ንተመኩሮና መምህርና ክኸውን ዝግበኦ ኣይተጠቐምናሉን ማለት እዩ ዝኸውን። ዝያዳ ንምብራህ፡ ሓጋዚ ስለ ዘይኮነ ንዝሓለፈ ጌጋታትና ኣብ ዘይእዋኑ እሞ ድማ ንመጻኢ ናይ ለውጢ ጉዕዞና ብኣሉታ ብዝጸሉ መልክዑ ምጽብጻብ ተመራጺ ኣይኮነን። “ንጽባሕ ዘይብል ኣየጽበሓሉ” ዝብል ምስላ ብዙሕ ግዜ እሰምዕ እየ። ናይዚ ምስላ’ዚ መሰረታዊ ትርጉም ንጽባሕ ረሲዕካ ኣብ ኢድካ ዘሎ ነገራዊ ትሕዝቶ ሎሚ ምሕሻሽ ግጉይ ምዃኑ ንምምልካት ጥራይ ዝበሃል ኣይኮነን። ብሓፈሻ ሎሚ ንእትሰርሖ ምስቲ ንጽባሕ እትጽበዮ ውጽኢ ምግንዛብ ኣገዳሲ ምዃኑ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝበሃል እዩ።
ዝሓለፈስ ሓለፈ ከይትደግመኒ ዝተረፈ!

No comments:

Post a Comment