Pages

Monday, March 7, 2016

ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት



ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ መንግስታዊ ናይ ልምዓት ትካል፡ ኣብ ናይሮቢ ምስ ዝመደበሩ ሰሃን ፋውንደሸ ዝተባህለ ኣካላ ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ናይ ሰባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ላዕለዎት ሰብ መዝን ፍሉጣት ሰባትን ኤርትራ ከም ዝሳተፉ ኣረጋጊጹ።
 

ከም ብሓድሽ ዝተወደበ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ልምዓት ትካል ጸጥታ ዘውጸኦ 39 ገጽ ዘለዎ ሓድሽ ወግዓዊ ጸብጻብ ብመንግዲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ሊቢያ ብኡ ኣቢልካ ድማ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ፡ ኣብ ውጻኢ ዝርከቡ ናይ ኤርትራ ናይ ዲፕሎማሲ ሓለፍትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ላዕለዎት ሰብ መዝን ይሳተፉ እዮም።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ 18 ለካቲት 2016 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ላዕለዎት ናይ ዲፕሎማሲ ሓለፍቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ወግዓዊ ዝኾነ ጸብጻብ፡ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ሰባት ዝለዓለ መኽሰብ ዝርከቦ ሓደገኛ ንግዲ እንዳኾነ ይመጽእ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብዚ ንግዲ እዚ ኤርትራውያን ሰብ መዝን ፍሉጣት ሰባትን ምስ ዝተወሰኑ ኢትዮጵያውያን፡ ሱዳናውያንን ሱማላውያንን ብምትሕብባር ዝተራቐቐን ዝተሓላለኸን መርበብ ከም ዝፈጥሩ ኣረጋጊጹ።