Pages

Wednesday, January 27, 2016

ቃለ- መጠይቕ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ጌና ካብ ግዜ ንእስነቱ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላለየን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከይሰልከየ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። ኣብ ዝሓለፈን ቀጻሊ ዘሎን ናይ ነጻነትን ሓርነትን ዝተናወሐ መስርሕ ቃልስና ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነትን ናይ ቃልሲ ዓውድታትን ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ግዜ ሰውርዊ ባይቶ፡ ኣብ ግዜ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብኣቦመንበርነት መሪሑ፡ ነቲ ዝድፈር ዘይመስርል ዝነበረ ናይ ጀብሃ-ሻዕብያ ፍልልይ ኣብ ምስዓር ልሉይ እጃም ካብ ዘበርከቱ  መራሕቲ ሓደ እዩ። እነሆ ድማ ሎሚ እውን ናይ ሰደህኤ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ፖሊሲታት ሰደህኤ ኣብ ምስራጽ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መድረኽ ብምቅላዕ ኣብነታዊ ኣበርክቶኡ ይቕጽል። እምበኣር ምስኡ ዝገብርናዮ ቃለ-መጠይቕ ብኣገደስቲ ሰነዳት ኣሰኒና ነቕርቦ ኣሎና። ሰናይ ንባብ ይኹነልና።

ሓርነት፡ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ንኣህጉራዊ ዝምድና ሰልፊ ዝሃቦ ቆላሕታ ከመይ ነይሩ?

ኣቶ ወልደየሱስ፡ ኣቐዲመ ነዚ ኣጋጣሚ'ዚ ብምርካበይ ንቤ/ጽ ዜና ሰደህኤ ኤመስግን። ኣብዚ ሕጂ ንሓደ መላኺ ስርዓትን፡ ነቲ ንሱ ዝተኸሎ ናይ ዓመጽ ኣገባባትን ባህልን ክንኣሊ፣ ካብኡ ቀጺልና ከኣ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ብብቕዓት ተዳሊና ክንጸንሕ ኣብ እንጥለበሉ መድረኽ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) መላእ ትካላቱንኣባላቱን ዓበይቲ ዕማማት ቃልሲ ከም ዝጽበይዎም ርዱእ ኢዩ። ንብደት ዝጽበየናዘሎ ዓማማት ኣብ ግምት ብምእታው፡ 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ንኣህጉራዊ ዝምድናታትና ብዝምልከት፡ ኣገዳሲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ። እቲ ዝጸደቐ መደባትን ውሳኔታትን ከኣ ንዘሎናዮ መድረኽ ኣብ ርእሲ ምንጽብራቑ

Thursday, January 7, 2016

ኣብ እንዳ ህግደፍ ዘይተነግረ’ምበር፡ ዘይተገብረ የለን

ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጽሞ ግፍዒ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ ከም ዘየለ ቅድሚ ሕጂ ተደጋጊሙ ዝተጠቐሰን ብተግባር ዝተረጋገጸን እዩ። እንተኾነ ዋላ ኣቐዲምካ እትፈልጦ ተግባር ተመሊሱ መልክዕ ቀይሩ ክመጽእ እንከሎ፡ መሊሱ ይሕደሰካ እሞ ብዛዕብኡ ክትግረምን ቃልካ ከተስምዕን ትግደድ። እነሆ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ግናይ ምስሉ ንምጽብባቕን ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ንምሕባእን “ጠንቂ ስደትና ቁጠባዊ ድኽነት እምበር ፖለቲካዊ ጸገም ኣይኮነን” ኢልኩም ኣመኽንዩለይ ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ የካይድ ኣሎ። ዘገርም እዩ! እቲ ጠንቂ ቁጠባዊ ድኽነት እንተኾነኸ ወዮ ተጠሊዑ “ህዝቢ አመሓድርን ሃገር እመርሕን ኣለኹ” ዝብል ጉጅለ ካብ ተሓታትነት ይድሕን ማለቱ ደኾን ይኸውን።? እቲ ጠንቂ ቁጠባዊ ጸገም እዩ እንትዝበሃልከ ክሳብ ክንደይ እዩ ካብ ፖለቲካዊ ጠንቅነት ክፍለን ተነጺሉ ክረኣይን።
እዚ ከምዚ ዓይነት ካብቲ መሰረታዊ ክውንነት ናይ ምህዳምን ንውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ምቕራቦምን ክትፈትሖም ምትባዕን፡ ብደጋዊ ተረኽቦታት ኣጐልቢብካዮም ንምሕላፍን ዝፍተን ተንኮላት ናይዚ ጉጅል ሕጂ ዝተጀመረ ተንኮል ዘይኮነ፡ መፋጥርቱ እዩ ተተባህለ ዝውሕዶ እምበር ዝበዝሖ ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ ኩሉ ግዜ ውሽጣዊ ናይ ህዝቢ ናይ መሰልን ደሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ሕቶታት ደፊኡ ክቀላቐል እንከሎ፡ ዘሰንብድ ደጋዊ ኩነታት ፈጢርካ ክትኮልፎ ምፍታን ዝላደየሉ መህደሚ ሜላኡ እዩ።