Pages

Thursday, May 18, 2023

ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራዊ

 ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ደንበ ተቓውሞና ፖለቲካዊ ጉዕዞ በብግዜኡ ዝዝውተሩ፡ ብመልክዕ፡ ጉባአ፡ ኣኼባ መሪሕነታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ተራ ኣኼባታትን ዝግለጹ መድረኻት ምፍጣሮም ኣዝዩ ዝተለምደ እዩ። እዞም ፖለቲካዊ ኣጋጣሚታት እዚኣቶም ክንድቲ ምብዘሖምዶ ውጽኢት ይህልዎም ወይስ ገበርና ንምባል ጥራይ ዝፍጠሩ ፍረ ኣልቦ መድረኻት እዮም? ዝብል ሕቶ ኣቕሪብካ ክትምልስ እንከለኻ ግና እቲ ዝርዝር ናይቲ መልሲ ኣዝዩ ዘዘራርብ ጥራይ ዘይኮነስ ዘተዓዛዝብ እውን እዩ። ከምቲ ግቡእ ካብዞም ዝጠቐስኩዎም ኣጋጣሚታት ሓደ ክድኮን እንከሎ ብፍላይ ድማ ጉባአታትን ናይ መሪሕነታት ኣኼባታትን ክጋባእ እንከሎ ንስለ ምግባር ጥራይ ክኸውን ኣይመተገብአን። ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ማሕበር ጉባአ ኣብ ክከንድዚ ዓመት ክግበር ኣለዎ ስለ ዝተባህለ ጥራይ ዝጋባእ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ሓደ መሪሕነት ኣኼባ እውን ከምኡ “ኣብ ክከንድዚ ኣዋርሕ ክግበር ይግበኦ” ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ውሽጣዊ ሕጉ ስለ ዘሎ ጥራይ ዝጽንበል እንተደኣ ኮይኑ፡ ልሙድ መዓልቲ ቆጺርካ ዝካየድ ዝኽሪ ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ከምቲ ግቡእ ሓደ ፖለቲካዊ ወይ ሲቪካዊ ትካል፡ ኣብ ጉባአ ድዩ ኣኼባ ክጋባእ እንከሎ፡ ነቲ ዝመርሖ ውድብ ወይ ማሕበር ካብ’ቲ ዝጸንሖ ህይወት ናብ ሓደ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግሮ ክኸውን መተገበአ። እዚ መድረኽ ንከምዚ ዓይነት ምስግጋር ንክበቅዕ ድማ ዝተጸንዐ ምድላዋት ክግበረሉ መተገበአ።