Pages

Thursday, October 27, 2016

ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ኮንፈርንስ ሰላምን ፍትሕን ምሕዝነት ገስገስቲ ተሳቲፉ

ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ) ኣብቲ 17-18 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ብሩሰልስ ዝተኻየደ፡ ብሓድሽ ኣጀንዳ ሰላምን ፍትሕን ከምኡ እውን ምምዕባል ርትዓዊ ፖሊሲ ስደተኛታት ኣብዛ ዓለም ዝዘተየ ኮንፈረንስ ተሳቲፉ። እዚ ኮንፈረንስ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዘለዉ ማሕበራውያንን ደሞክራስያውያንን ኣካላት እዩ ተዳልዩ።

ኣብዚ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም 160 ልኡኻት ዝተረኽብሉ ኮንፈረንስ ካብ ሰህኤ ዝተሳተፉ ናይቲ ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ገንዘባዊ ጉዳያትን ኣቶ ወልደየሱስ ዓማርን ኣቶ ረዘነ ተስፋጼንን እዮም።

እቶም ዝተሳተፉ 51 ሰልፍታትን 17 ተደጋገፍቲ ኦድባትን ኮንፈረንሶም ኣብ ከተማ ብሩሰልስ ኣብ ዝርከብ ኣደራሻት ሕብረት ኢውሮጳ እዮም ኣካይዶም። መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ኣብ ሃሃገሮም  ንዘለዉ ሓገግቲ ኣካላት ወኪሎም ዝመጹ እዮም። ብዘይካ ካብ ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዓሰርተ ልኡኻት ማለት ካብ፡ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍታት፡ ካሜሩን፡ ግብጺ፡ ኬንያ፡ ቱኒስያ፡ ዚምባብወን ካሎት ሃገራት ማእከልይ ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።

Monday, October 17, 2016

4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሴሜን ኣሜሪካ

ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጉባኤ ናይ ዞባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝግበር ኮይኑ፡ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሴሜን ኣሜሪካ  "ሓቢርና ኣብ ጽንዓት"  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ ዕለት15 ጥቅምቲ 2016 ልክዕ ስዓት ናይ ንግሆ ኣብ ከተማ ችካጎ - ዊንድሲቲ፡ ብዉዕዉዕ ኣገባብ ተጀሚሩ።
ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ሴሜን ኣሜሪካን ከናዳን ክሳተፉ ዝመጹ ጉባኤኛታት ኣብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምስ ተረከቡ ብዝኽሪ ሰማእታት ተከፊቱ። ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ እንቓዕ ድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ቐረበ፡ ቐጺሉ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚትን ሰልፊ ሓው ኣለም ዮሃንስ ብዝተፋላለየ ምኽንያት ኣብ ቃልሲ ክዉፈዩ ጸኒሖም ብመስዋእቲ ዝተፈለዩና ብጾት ናይ ዝክሪ ቃል ኣቕሪቡ። ኣብ ሰልፋዊ ስርሓት ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝነበሮም ኣባላት ድማ ብፍሉይ ኣመስጊኑ።

Sunday, October 9, 2016

ሰዲህኤ፡ ናይ 1950 ጥልመት ብምዝካር ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ኤርትራ ኣጀንዳኡ ክሕዞ ጸዊዑ



ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ) ኣብ ጠቕላላ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናብ 3ይ ኮሚተ ኣብ ነውዮርክ ህጹጽ መዘክር ኣቕሪቡ። ኣብዚ ህጹጽ መዘክሩ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት፡ መርማሪት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ዝገበረቶ፡ ናብቲ ኣኼባ ናይ ቃል ጸብጻባ ከይተቕርብ ዝኽልክለሉ ርትዓዊ ምኽንያት ከምዘየለ ገሊጹ።
ህኤ ብ4 ጥቅምቲ 2016 ብኣድራሻ ናብተን ኣብ መበል 71 ጠቕላላ ኣኼባ ሕቡራት መንግስታት ናይ ዝምልከታ ኮሚተ ኣደ መንበ ክብርቲ ወ/ሮ ማሪያ ኢማ መጂያ እዩ መዘክሩ ልኢኹ። ኣብዚ መልእኽቱ እቲ  ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ገበን ሰብኣዊ መሰል ከም ዝተፈጸመ በቲ መርማሪ ኣካል ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ናብዚ ጉባአ ከም ዘይቀርብ ምስ ሰምዐ ከም ዝሰንበደ ገሊጹ።