Pages

Tuesday, April 12, 2016

ኣስማት ሙውታትን ቁሱላትን ኤርትራውያን ተዓላሞ፡ ግዳያት

መርበብ ሓቤረታ ማርቲን ፕላውት ብሰንበት ዕለት 03/04/2016 ኣብ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተዓላሞ ዝተኻየደ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ዝርዝር ሓቤረታ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ተዓላሞ ካብተን ንከተማ ዓሰብ ዝወስዳኦም ዝነበራ ናይ ጽዕነት መካይን ዘሊሎም ክሃድሙ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ እዋን ከምሳዕቤኑ ጠያይት ከምዝተተኮሰሎም ኣፍሊጡ።
candles
ንኹሎም ንግዳያት መንግስተ ሰማይ ይቀበሎም !
ብሚያዝያ 03/2016 ካብተን ናይ ጽዕነት መካይን ንዝዘለሉ ተዓላሞ ብዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጠያይት ከምዝተወቕዑ ኣረጋጊጹ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ገሊኦም ብጥይት ክቅተሉ እንከለዉ ገሊኦም ውን ብጥይት ቆሲሎም ከምኡ ውን ካልኦት ካብተን መካይን ኣብ ዝዘለሉሉ እዋን ምሰበርቲ ኣጋጢምዎም።

ብጠቕላላ 29 ተዓላሞ ግዳያት ሞትን ሞቅሰልትን ኮይኖም።
ሽዱሽተ ተዓላሞ (6) ብቅጽበት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተው-ሾመንተ (18) ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ተወሲዶም። ድሒሩ ግን ሓሙሽተ (5) ካብቶም ቁሱላት፡ ብዝነበሮም ከቢድ ሞቅሰልቲ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ክምዝዓረፉን እቶም ዝተረፉ ቁሱላት ድማ ኣብ ትሕቲ ጹኑዕ ሓለዋ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ኡሙናት ምንጭታት ንመርበብ ሓቤረታ ማርቲን ፕላውት ከምዝሓበርዎ ፡ እቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ዘለዉ ቁሱላት ተዓላሞ ኣብ ኣዚዩ ሕማቅ ኩነታት ከምዘለዉን እቲ ቁጽሪ ሙዉታት ክውስኽ ከምዝኽእልን ውን ኣተንቢሆም።
እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ገለ ካብቶም 18 ግዳያት ተዓላሞ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝርከቡ ኢዮም ፥
ዳዊት ሚካኤል
ኣብራሃም ፍስሃየ
ሃብቶም ግርማይ
መድሃኔ ገብረመድህን
ቢንያም ዘርኣይ
ዮናስ ጠዓመ
ሰዓረ ወልዳይ
ዮናታን ዓንደመስቀል
ባሲሊዮስ ዘምህረት
ሳሙኤል ተኪኤ
እቶም ዝተረፉ ኣስማቶም ንጊዚኡ ኣይተፈልጠን።
መርበብ ሓበሬታ ማርቲን ፕላውት ናይቶም ዝመቱ ግዳያት ኣስማት ብዝርዝር ከምዘለዎ እኳ እንተ ኣፍለጠ ፡ ገሊኦም ስድራቤታት ሙውታት፡ ሞት ደቆም ሰለዘይ ሰመዑ ንጊዚኡ ከምዝተዓቀበ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ግን እቲ መርበብ ሓቤረታ ናይ ክልተ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝዓረፉ ግዳያት መናእሰይ ፡ ስድራቤቶም ዝፈለጡን ኣብ ሓዘን ዝርከቡን ኣስማት ጠቂሱ።
ጨዓይ ሃብተስላሴ ገብረመስቀል ። ወዱ ንኣቶ ሃብተስላሴ ገብረመስቀል ተቅማጢ ዓዲ-ጓዕዳድ ሰራሕተኛ ፋብሪካ ዓለባ።
ያፈት ፍስሃየ መንገሻ ። ወዱ ንፍሰሃየ መንገሻ ተቐማጢ ማይ-ተመናይ ሰራሕተኛ ኣንዳ መገዕዝያ።
እዞም ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ክለተ ግዳያት፡ ካብቶም ተገዲዶም ንጋሽ-ባርካ ንታዕሊም ወሪዶም ዝነበሩ ተዓላሞ ከምዘይ ነበሩ ተፈሊጡ ኣሎ። እዞም ክልተ ግዳያት ኣጋጣሚ ኣብቲ ከባቢ ብምንባሮም ፡ ብዝተተኮሰ ጠያይት ብከቢድ ቖሲሎም ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ምስ ኣተዉ ኢዮም ዓሪፎም።

1 comment:

  1. Dom For Eritreans: ኣስማት ሙውታትን ቁሱላትን ኤርትራውያን ተዓላሞ፡ ግዳያት >>>>> Download Now

    >>>>> Download Full

    Dom For Eritreans: ኣስማት ሙውታትን ቁሱላትን ኤርትራውያን ተዓላሞ፡ ግዳያት >>>>> Download LINK

    >>>>> Download Now

    Dom For Eritreans: ኣስማት ሙውታትን ቁሱላትን ኤርትራውያን ተዓላሞ፡ ግዳያት >>>>> Download Full

    >>>>> Download LINK ee

    ReplyDelete