Pages

Sunday, April 3, 2016

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግዱድ ጉልበት ካብ ወርቂ ቢሻ 2ቢልዮን ዶላር ከም ዝረኸበ ተገሊጹ

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብግዱድ ጉልበት ካብ ወርቂ ቢሻ 2ቢልዮን ዶላር ከም ዝረኸበ ተገሊጹ::

Isaias_dollar
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ነቭሰን ዝተባህለ ኩባንያ ዕደና ብምሽራኽ ተሓታትነት ዘይብሉ 2 ቢልዮን ዶላር ከምዝረኸበ ተገሊጹ:: ማርክ ኪሊ ዝተባህለ ጋዜጠኛ   ንሓለፍቲ ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ኣዘራሪቡ እቲ ሓሙሻይ ዓንዲ ሕጊ(The fifth estate) ብዝብል ኣብ ዘዳለዎ መደብ : ዕደና ወርቂ ቢሻ  ኣብ 2011 ምህርቲ ወርቂ ኣብ ዝጀመረሉ 548 ሚልዮን ዶላር መኽሰብ ከምዝገሓጠን ኣብ ዝቐጸለ ሓሙሽተ ዓመት ድማ ንስርዓት ህግደፍ 2 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሃብዎን ተገሊጹ:: ሓለፍቲ ነቭሰን ንኣጠቓቕማ እቲ ብግዱድ ዕዮ ዝተረኽበ ኣታዊ ተሓቲቶም ተጋራጫዊ መልሲ ሂቦም:: ንሳቶም ሓንሳብ ብዛዕባ እቲ ኣታዊ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክሕዝዎ ከም ዝተሰማምዑ ብምጥቃስ: ካልእ እዋን ድማ ኣብ ልምዓት ከም ዝውዕልን ኣብ ፖሊሲ መንግስቲ ኣይንኣቱን ብምባል መሊሶም::ሓለፍቲ ነቭሰን ብዘይካዚ ኣብ ፈለማ ጉልበት ወተሃደራት ብምጥቃሞም  ይቕረታ ሓቲቶምሉ ከብቅዑ ዳሕራይ ግን ሕጊ ተኸቲሎም ከምዝሰርሑ ገሊጾም::ህግደፍ ብወገኑ ብዛዕባ ኣታዊ እቲ ኩባንያ ከምዝሕተት ብምግላጽ ነቲ ምስጢር ዓቢጥዎ::

ህግደፍ ኣታዊ ናይቲ ዕደና ንኣልሸባብ ብረት ንምዕጣቕ ይጥቀመሉ ከምዝነበረ ጋዜጠኛ ማርክ ኪሊ ንሓደ ኣብ ኬንያ ዝርከብ መሻርኽቲ ህግደፍ ዝነበረ ሶማላዊ ብምዝርራብ ኣቃሊዑ:: እቲ ሶማላዊ ነቲ ሚስጢር ብምቅልዑ ብህግደፍ ምፍርራሕ ይበጽሖ ከምዘሎ ገሊጹ::
ኣብቲ መደብ ዝቐረበት ብዛዕባ ኤርትራ መጽሓፍ ዝደረሰት ሚሸላ ሮንግ ኢሳያስ ሸሓጥን ንነብሱ ልዕሊ ካልእ ዝርኢ ሕማም(megalomania) ከምዘለዎ ጠቒሳ ኩባንያ ነቭሰን ንሱ ካብ ዝወጠነሎም ወጻኢ ክሰርሑ ከምዘይክእሉ ኣብሪሃ::
ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ምስ ህግደፍ ብምሽራኽ ኣብ ምግሓጥ ዚንጎ: ነሓስን ወርቅን ክሳብ 2025 ዝጸንሕ ውዕል ተፈራሪሙ ከምዘሎ ተፈሊጡ::
ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ብልሽው ኣካይዳ መላኺ ጉጅለ: ኣብታ ንዓደንቲ ምድረ ገነት ተሰምያ ዘላ ሃገሩ ብድኽነትን ብስደትን ይከላበት ከምዘሎ ጋዜጠኛ ኪሊ ኣብ መደበር ስደተኛታት ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብምዝርራብ ገሊጹ::

1 comment: