Pages

Tuesday, September 18, 2018

ውሽጣዊ ጉዳይካ ከይወገንካ ናብ ዞባዊ

“ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፤” (9፡1፡2 ካብቲ ኣብ 2ይ ጉባአኡ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

መረረ ህዝቢ ኤርትራ ክለዓል እንከሎ ንዘይምስማዕ ንሓንሳብ ባጽዕ ንሓንሳብ ከኣ ዓዲ ሃሎ ምሕካል ክመርጽ ዝጸንሐ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ናይ ቀደም ህርፋኑ ግዲ ደጊስዎ ናይ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣባጓይላ መሲሉ ክቐርብ ጸፋዕፋዕ ይብል ኣሎ። ምስ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኣጀማምራኡን መዓልብኡን ዘይፍለጥ ዝምድና፡ ምምጻእ መራሕቲ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ናብ ኤርትራ ከኣ ናይዚ መርእያ ተገይሮም ይውሰዱ ኣለዉ። ምናልባት ከሎ ጋና ብዛዕባ ስፍሓቱ፡ ኣተሓሕዛኡን መጻኢ ዕድሉን “ከምዚ ክኸውን እዩ” ኢልና ምዝራብ’ኳ እንተዘይከኣልና እዞም ዝጠቐስናዮም መራሕቲ ኣብ ሃሃገሮም ዘካይድዎ ናብ ጠለብ ህዝቦም ዝቐረበ ጽገናታትን ምምሕያሻትን ከምዘሎ ተዓዚብና ኣለና። ንኣብነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራን ካልእ ከባብታትን ዝጸንሑ ተቓወምቱ “ተወዳደርቲ” ዝብል ስም ሂቡ ናብ ዓዲ ይመልሶም ኣሎ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ነዊሕ ኮለልን ጻዕርን ኣብ ሕድሕዶም ክቃተሉ ዝጸንሑ ኣካላት ተስፋ ዝተነብረሉ ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለዉ። ኣብ ሶማልያ ናብ ርግኣት ንምምጻእ ጻዕሪ ይካየድ ኣሎ። እዞም ኩሎም ትማሊ ኣቶ ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ ከይርኢ ዓዊሩ ክነሱ ዝጥቅወሎም ዝነበሩ በብናይ ሃገሮም ቀጥዒ ብኣፍልጦ ህዝቦም ናብ ሓላፍነት ዝመጹ መራሕቲ እዮም።

እዚ ናይዘን ሃገራት ሓቢርካ ምውሳእ ዞባዊ ጽልዋኡ ርዱእ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ጉዳያተንን ዕለታዊ ህይወት ህዝበን ምቕናይን ከኣ ዝያዳ ዝምልከተን ሓላፍነት እዩ። መንግስታት ኣብ ውሽጣውን ከባብያውን ምናልባት እውን ኣብ ዓለም ለኻዊ መድረኻት ክዋስኡ ንቡር እዩ። እቲ ቀንዲ ዝምዘንሉ መሰረት ናይ ዞባዊ ኣበርክተኦም ዝኸውንን ግና ኣብ ሃገሮም ምስ ህዝቦም ዘለዎም ርክብን ዝምድናን እዩ። መንግስታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ከመይ ይዋስኡ፡ ብኸመይ ናብ ስልጣ ከም ዝመጹ ይውስን እዩ። ብዘይ ናይ ህዝቢ ድሌትን ኣፍልጦን: ሓይልን ጉርሕን ብዝኣመሰሉ ኣገባባት ዝመጹ፡ ንህዝቢ ክድልዮም እንከሎ እምበር፡ ክደልዮም እንከሎ ኣይግደስሉን እዮም። ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ኣብቲ ዘምጸኦም ዘይሕጋዊ ኣገባብ እምበር ኣብቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ኣይምርኮሱን።

Wednesday, September 5, 2018

ብሰንኪ ግጉይ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ዘይተጸበዮ፡ ኣዝዩ ደማዊ ውግእ ሓቀኛ ጠንቁ ብንጹር እንታይ ከም ዝነበረ ክሳብ ሕጂ ይግመት’ምበር ኣይፍለጥን። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ክሳብ ዘይተፈልጠ በቲ ዝመስል “ውግእ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” ብዝብል ተሰይሙ። ብዙሓት ወገናት ነዚ ዶብ ዝብል ጠንቂ ዘይቅበልሉ ምኽንያት፡ ኣብቲ ውግእ ዝተባርዓሉ ግዜ ህዝቢ ዝፈልጦ ዶባዊ ምስሕሓብ ዘይነበረ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጉዳይ ዶብ ዝፍተሓሉ ልሙድ መስርሕ ስለ ዘይተኻየደ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ቀሪቡ “ቀያድን ናይ መውዳእታን” ብይን ዝተዋህበሉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ እዩ ተመዝጊቡ። እቲ ጉዳይ በቲ ዝተዋህበ ብይን ስለ ዘይተተግበር ከኣ እነሆ ክሳብ ሎሚ ንሓንሳብ ብእግሩ ንሓንሳብ ብርእሱ እንዳተታሕዘ ኣይተወደአን።
ብሰንክ’ቲ ክእጐድ ዘይግበኦ ዝነበረ ውግእ፡ ብሓፈሻ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝተሃስየ ርኡይ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ክሳብ ሕጂ ስንብራቱ ዘይጠፈአ ማህሰይቲ ግና ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን እዩ። ክልቲኡ ኣብቲ ዓውዲ ውግእ ዝነብር ህዝቢ ዝያዳቲ ኣብ ርሑቕ ዝነብር ህዝቢ፡ ሞይቱ፡ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ፡ ንብረቱ ዓንዩ፡ እንስሳ ዘቤቱ ሃሊቐን፡ ኣግራቡ ባዲሙ፡ መሬቱ ሓዲሩ፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ብሰንኪ ኣብ ግዜ ውግእ ዝተቐብረ ነታጒታት ይመውትን ይቖስልን ኣሎ።
ብሓፈሻ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ጉዳይ ዶብ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ ኣብ መሬት ክምልከት እሞ ቅድም ዘተኣማምን ሰላም ክረክብ፡ ድሕሪኡ ድማ “ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ” ኮይኑ ምዉቕ ጉርብትና ክዕንብብ ሃንቀው ክብል ከም ዝጸንሐ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል ከኣ እቲ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ከምቲ በቲ ውግእ ዝያዳ ዝተሃስየ ንሰላምን ጉርብትና ናብ ንቡር ምምላስን ከም ዝብህጋ ምሕጽንታኡ ከቕርብ ጸኒሑን ኣሎን።