Pages

Saturday, March 25, 2017

ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ካብ ውግእ ብዘይንእስ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ድርቅን ንሱ ዘስዕቦ ጥሜትን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዝረጋገጽ ዘሎ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ናብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ክንቋመት እንከለና፡ ብፍላይ እዚ ሃገርና እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ካብኡ ናብኡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ካብተን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዞባ ብሓያል ደርቅን ጥምየትን ተጠቒዐን ዘለዋ እየን። ኢትዮጵያ እውን ከባቢ 5 ሚልዮን ካብ ህዝባ በዚ ደርቂ ተጠቒዑ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ። ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ብደርቂ ምህሳይ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ናይ ዜና ማዕከናትን ዝተቓለሐ ኮይኑ ናይቲ መቃልሕ መሰረት ድማ ናይተን ሃገራት መንግስታት ህይወት ህዝቦም ንምድሓን ዘካየድዎ ድህሰሳን ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ዘቕረብዎ ናይ ህይወት ኣድሕን መጸዋዕታ እዩ።
ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ኣስታት 34-38 ሚልዮን ህዝቢ ብደርቂ ዝተጠቕዓሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ እትርከብ። ኤርትራ ካብተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ብዝያዳ ብደርቅን ጥሜትን ክትጥቃዕ ዝሰፈሐ ዕድል እንዳሃለዋ፡ እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ዝተ

Thursday, March 2, 2017

ኤርትራ፡ ቃልሳ ኮነ ህልውነኣ ናይ ኩልና እዩ

ዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽ ብዙሑነት ዝነበሮን ዘለዎን ህዝቢ እዩ። ሃይማኖቱ ከኣ ካብቲ መርኣያ ብዙሕነቱ ሓደ’ዩ። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ክለዓል እንከሎ እዚ ብዙሕነት ዝወለዶ ናይ “እዚ መንገዲዚ’ባ ይሓይሽ” ፍልልይ ክንጸባረቕ ባህርያዊ እዩ። እዚ ተሓቚኑ ምስ ጸዓየ ግና ሓይልን ዓቕምን እዩ ዝወልድ። ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማዩ ክርስትያኑ እውን ኣብ ክሉ መድረኽን ኣጋጣምን ካብ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነ ንኡስ ሓሳባት ምፍልላይ ሓሊፉ፡ ሓዲኡ ነቲ ሓደ ኣግሊሉ ጉዳይ ኤርትራ “ናይ በይነይ ጉዳይ’ዩ” ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ካብዚ ዝነቐለ ከኣ እዩ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ መተካእታ ዘይነበሮ መሰሉ ንምምላስ ካልእ ካብኡ ዝፈኾሰ መንገዲ ስለ ዘይነበሮ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ክቡር ህይወት ዝገበረ። ቃልሲ መሪርን ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋን ንብረትን ዘኽፍል እዩ።
ኣብዚ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝወሰደ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ተቓሊሱ። እዚ ድማ ኩሉ ነቲ ወጽዓ “ኣብ ልዕሊ ኩልና ዝተጻዕነ ኣርዑት እዩ” ኢሉ ይኣምነሉ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ። ኤርትራዊ ናብ ቃልሲ ክስለፍ እንከሎ ናብኡ ዘሰልፎ ስሕበት እቲ ዝዕዘቦ ዝነበረ ወጽዓን ዘማዕድዎ ዝነበረ ናጽነትን እምበር፡ መሓመድ ድዩ ገብረግዝኣብሄር ናይቶም ቅድሚኡ ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሩ ፍሩያት ስምን ዝናን ኣይነበረን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ’ቲ በረታዊ ምንቅስቓስ ክጅምር እንከሎ፡ በቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ብዙሓት ወጻእተኛታት ዘራጊ ዕግርግርን ምትእትታውን ዝተጸልወ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብሰንኪ እዚ ጽልዋ’ዚ ከኣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰኑ ክውግኖም ዝነበሮ ከይወገነ ዝተበገሰ ምንባሩ ከም ኣካል ታሪኽ ቃልስና ቦታኡ ዝሓዘ እምበር እናሻዕ ሓድሽ መዋጸኦ ሓሳብ ምምጻእ ክኣብየካ እንከሎ እናጠወቕካ እትውለዖ መፈራርሒ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣባና ከም ብርቂ ዝውሰድ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነ ከም ናትና ተመኩሮ ዘለዎ ቃልስታት ዘጋጥም እዩ።