Pages

Tuesday, December 3, 2019

ኤርትራዊ ስብእነት

ቀደምሲ መፈለጥታ ኤርትራዊ ስብእነት ኢዩ ነይሩ።  ዘርኣይ ደረስ ጠላይን ኣብ ኣደባባይ ሮማ ንባንዴራ ኢትዮጵያ ክረግጽዋ ምስ ርኣየ ኢዩ (በቲ ናይ ሽዑ ኣተሓሳስባ ኢዩ ክምዘን ዘሎዎ)  ጉራዴ መዚዙ ንጠላይን ዝመልዓሰ። ኣብራሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምን ዝብሃሉ ጀጋኑ ከኣ ጥልያን ንኢትዮጵያ ወሪሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ `ፌስታ` ኣብዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ጀነራል ግራስያኒ ዝተባህለ ኣዛዚ ሰራዊት ነታጕ ደርብዮም ናይ ቅትለት ፈተነ ብምግባር ኤርትራዊ ጅግንነቶም ዘመስከሩ። ቅድሚኡውን እንተዀነ ንውግእ ዓድዋ ዘዐወተ ኣውዓሎም ዝተባህለ ኤርትራዊ ከምዝነበረ ይእመነሉ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እቶም ብልዑል ጅግንነቶም ዝፍለጡ ኤርትራውያን ብምንባሮም ንኹሉ ኤርትራዊ ልዑል ፍናን ኢዩ ዝህብ ነይሩ። ብናቶም ጅግንነትን ብህርኩትንኡን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራዊ ተኸቢሩን ተሓፊሩን ኢዩ ዝነብር ነይሩ።
ብስነ ሞገተ አንተዀነውን ኤርትራ ሰብ ስረ ደቂ ሃገር ኣፍርያ ኢያ። ከም ብዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፣ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ርእሲ ተሰማ ኣስበሮም፣ ሸኽ ዕብደልቃድር ከቢረ፣ ዶ/ር ሎሬንዞ ትእዛዝ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ኣብ ዓለም ተዛሪቦም ዘስምዑ ዓበይቲ ተማጐቲ ኤርትራውያን ነይሮምና ኢዮም። (ኣብ መርበብ ናይ ሓው አምነቱ ተስፋይ  - emnetu.com - ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ biographies ዝብል ኣረእስቲ ኣቲኹም ከተንብቡ ትኽእሉ)።
ስብእነት ኤርትራዊ ብሰብኡት ጥራይ ኣይኰነን ዝንጸባረቕ ዝነበረ። ኣንስቲውን ኣብ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ዓቢ ተራ ተጻዊተን ኢየን። ብጊዜ ቁልዕነተይ፥ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝብሃል ብደርፊ ኢዩ ዝግለጽ ነይሩ። ብሸነኽ ምዕራብ ናይቲ ተወሊደ ዝዓበኹሉ ዓዲ ሓርማዞ ዝብሃል ብዓበይቲ ኣኽራናት ዝተኸበ ቦታ ኣሎ። ሓደ እዋን ዕንጨይቲ ከምጽእ ወፊረስ  ለምለም ትብሃል ጓል ዓደይ ብስግር ሽንጭሮ ኰይና ክትደርፍ ሰሚዐያ። ደርፋ ስለዝሰሓበኒ ከኣ ጽን ኢለ ክሰምዓ ጀሚረ። ዳሕረይሞ ኣብቲ መኒኻ ዝብለካ ዘይነበሮ ሞሮር ዓደይ ኣነውን ናይ ለምለም ደርፊ ብዓውታ እደርፋ ነይረ ኢየ። ገለ ሕጂ ድዝክሮ ክፋል ናይታ ደርፊ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፥