Pages

Monday, July 25, 2016

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ኣኼባ ኣካይዱ፡

ብዕለት 24.07.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ሰዲህኤ ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 1630 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን እዩ ተኸፊቱ።
ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛ ኣብቶም ዝነበሩ ኣጀንዳታት ብምእታው ሓደ ብሓደ ተዘራሪቡሎም። ብቐዳምነት ውሽጣዊ ስርዒታዊ ጉዳያት ናይ ጨንፈር ኣብ ምጽፋፍ ብዝሕግዝ ሓጺር መግለጺ ሽማግለ ኣቕሪቡ። ንኣሰራርሓ ጨንፈር ብጽፍፉፍ ኣገባብ ንቕድሚት ከሰጉሙዎ ዝኽእሉ፡ ብሽማግለ ይኹን ብኣባላት ነቐፌታን ርእሰ-ነቐፌታን ቀሪቦም። ድሕርዚ ኣኼበኛ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ጉዳይ ጉባአ ጨንፈር ኣልዒሉ ተዘራሪቡ። ጉባአ ጨንፈር ንዕለት 21.08.2016  ክግበርን ንምዕዋቱ ዘድሊ ጻዕርታት ክግበር ድማ ተሰማሚዑ።
ካብዚ ብምቕጻል ኣባላት ጨንፈር ኣብዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ከይሰልከዩ ዘካይዶዱዎ ዝነበሩ ንጥፈታት፤ ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዝሓለፉ ሰላማዊ ሰልፍታት ጊሰንን ጀነቫን ዘርኣይዎ ንጡፍ ተሳትፎታትን፥ ምስቶም ካብ ሰልፍና ወጻኢ ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ ኮይኖም ናይ ሓባር በዓል ነጻነት ንምብዓል ዘርኣይዎ ተሳትፎን እውን ኣኼባና ኣሞጒሱ። ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛ ኣብቲ ኣብዚ እዋን‘ዚ ዝዓበየ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዓመታዊ ፈስቲቫል 2016 ፍራንክፎርት ዘትዩ። ብቐዳምነት ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል መሪሕነት ሰልፍን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫልን፡ ንፈስቲቫል ብከመይ ከነዐውቶ ከም ዝግበኣና ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።