Pages

Friday, October 18, 2019

መሪሕነት ሰዲህኤ መስርሕ ምርኽኻብ የጻፍፍ ኣሎ

ሓድሽ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ፡  ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ብምእታው፡ መስርሕ ምርኽኻብ ሓላፍነት የቀላጥፍ ኣሎ። ናይ ሰልፊ ቅዋም መሰረት፡ መስርሕ ምርኻኻብ ሓላፍነት ኣብ መንጉ’ቲ ዝነበረን ሓድሽ ዝተመርጸን መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ  እዩ ዝትግበር። በዚ መሰረት እቲ ብ2 ነሃሰ 2019 ዝተመርጸ ፈጻሚ ሽማገል ሰዲህኤ መስርሕ ምርኽኻብ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ ንምምዛንን ቀጻሊ ስረሓት ንምትላምን ብኣቦመንበሩ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ተመሪሑ፡ ብ18 ነሃሰ 2019 ናይ መጀመርያ ኣኼባኡ ኣካይዱ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ኣኼባኡ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምምሕዳር ኣቚሙ፡ ብዛዕባ ምድላው ዓመታዊ ትልሚ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት፡  ምጽፋፍን ምዝርጋሕን ኣብ ጉባአ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን፡ ዝኣመሰሉን ዛዕባታትን ተመያይጡ ውሳነታት ወሲኑ። በቲ ዝገምገሞ መሰረት መስርሕ ምርኽኻብ ሓላፍነት ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከም ዝፍጻም  ኣረጋጊጹ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦ፡ ብመሰረት ውሳነ ጉባአ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ኣቐዲሙ ተጀሚሩ ኣብ መስርሕ ዘሎ ብምቕጻልን ካልእ ተበግሶ ብምውሳድን፡ ምስ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ዘስርሕ  ጽላል ምፍጣር ዝምልከት ኣብ ሓጺር ግዜ ዝትግበር ኣቕጣጫ ቀይሱ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዝተፈላለዩ ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ፡ ውጽኢት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንምግላጽን ካልእ ህልዊ ኤርትራዊ  ዛዕባታት ንምድህሳስን ምስ መደበር ተለቪዥን ኣሰና ዝተኻየዱ ቃለ መጠይቓት ኣገደስቲ ምንባሮም መዚኑ። ጌና ክሳብ ሕጂ ዘይተዘርግሑ ተመሳሰልቲ መደባት ከም ዘለዉ’ውን ተገንዚቡ። ካብቶም ነቲ ቃለ-መሓትት ዘካየዱ፡ ብጾት ኣባላት መሪሕነት፡ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ክፍለዝጊ ገ/መድህን፡ ብርሃነ ደበሱ፡ ኣድያም ተፈራን ወልደየሱስ ዓማርን ይርከብዎም።  ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ማዕከናት ዜና ሰፋሕቲ ቃለ-መሓትታት ናይ ምክያድ መደባት ከም ዘሎን፡ ከም ኣካል ናይዚ፡ ብጻይ  ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብ19 ነሃሰ 2019 ምስ ኣብ መልበርን ኣወስትራልያ ዝመደበራ “ኣገልግሎት ድምጺ ኤርትራ” ብዛዕባ መስርሕን ውጽኢትን ጉባአ ሰዲህኤን ከባብያውን ዓለም ለኻውን ምዕባለታት ዘተኮረ ቀጥታዊ ቃለ-ምሓትት ኣካይዱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ፡  ብጸይቲ ፈቨን ጊደዎውን ምስ ብጾት፡ ሃይለ ወልደሚካኤል፡ ዶር ኣክሊሉ ግርማይ፡ ገረዝጊሄር ተወልደን  ኣድያም ተፈራን  ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ፡ ኣብ ፈይስቡክ ዝዘርገሓቶ ውጽኢት ጉባአ ኣብ ምቅላሕ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ ኣኼባኡ፡ በቲ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ሰላም ንምምጻእ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝተስመዖ ሓጎስ ንምግላጽ ናብ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ናይ ዮሃና መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብኣመንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐን ሓያሎ ኣባላት ባይቶን መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳን ብኣባልነት ዝነበርዎ ልኡኽ ሰልፊ፡ ብ17 ነሃሰ 2019 ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳቲፉ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዑ።

Tuesday, October 1, 2019

መንግስቲ ኖርወይ 47 ኤርትራውያንን 31 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ጠሪዙ

መንግስቲ ኖርወይ ካብ ጥሪ 1 ክሳብ 31 ነሓሰ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 47 ኤርትራውያን 31 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ከም ዝሰጎገ ሓቢሩ።
ካብዞም 47 ኤርትራውያን እቶም ክልተ ናብ ኤርትራ ክስጎጉ እንከለዉ፡ እቶም 47 ናብ ካልኦት ክቅበለኦም ፍቓደኛታት ዝኾና ሃገራት ከም ዝተሰጎጉ ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ 96 ገበን ገይሮም ዝበሎም ዝርከብዎም 338 ብሓይሊ ካብ ኖርወይ ከምዝሶጎገ እዩ ዝሕብር።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ዳንኤል ድራገሰት ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ነሓሰ 2018 ጸብጻቡ 2,710 ስደተኛታት ካብ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉን ብምሕባር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 3,402 ክብ ከም ዝበለ ይሕብር።
ካብዞም 3,402 ካብ ኖርወይ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት፡ 2 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 10 ኣብ ዝተፋላላያ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 35 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነበሩ ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ናብ ቢቢሲ ዝተልኣከ ጸብጻብ ይሕብር።
ብተመሳሳሊ 7 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 9 ኣብ ዝተፈላለይ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 15 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነብሩ ዝጸንሑ ብጠቕላላ 31 ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገረ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።