Pages

Monday, December 7, 2015

መደረ ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣብ ሃገራዊ ምምኽኻር ናይሮቢ ከንያ

 
 
ክቡራት ዕዱማት ተሳተፍቲ
ኣቐዲመ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ብምርዳእ ህዝብና ንምድሓን ዓቕምታት ሓርነታዊ ቃልስና ክትጥርንፉ ዝወሰድኩምዎ ተበግሶ እናድነቕኩ፡ ከም ኤርትራዊት ዜጋ ኣስተውጽኦይ ከበርክት ዕድል ዝሃብኩምኒ ብልቢ አመስግን። መደብኩም ብሓቂ ኣዝዩ ኣድላይን እዋናውን’ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ዓላማ ዘበግሶ ኣኼባታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ክግበር ክተባባዕ ዘለዎ እዩ። ዕዉት መደብ ክኾነልኩም ድማ እምነ።
ኣስዒበ ነቶም ዘይትፈልጡኒ ክላለየኩም፡
ኣስገደት ምሕረትኣብ እበሃል። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ካሊፎርኒያ እነብር። ከም ተጋዳሊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባል ወትሃደራዊ ሕክምናን ኣባል መሪሕነት ጠቕላል ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ (ጠ.ማ.ደ.ኤ) ኮይነ ኣገልጊለ።
ኣብ ስደት ድማ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ጸኒሑ ሰልፊ ህዝቢ ድሒሩ’ውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኮይነ ክሳብ ሒጂ እቃለስ ኣለኹ። ብዘይካ’ዚ ኣባል ቦርድ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (EDA)