Pages

Wednesday, May 30, 2018

ጽባሕ ካብ ዘጣዕስን ዘሕትትን ምዕቃብ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሎሚ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊቲ ብሰንኪ ህግደፍ ናይ ስደት ግደይ ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ዝወርድ ዘሎ ብድምሩ ዘስካሕክሕ ኢልናዮ ክንሓልፍ እንተዘይ ኮይና ዘርዚርና እንውደኦ ኣይኮነን። ህግደፍ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ሓደ እዋን እምነት ዘንበረሉ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ምጽናት ዘምርሕ በደል ዝፍጽም ዘሎ፡ ብሃንደበት ዘይኮነ ብኸመይ ንህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ከም ዘስትዮ ሓሲቡን ወጢኑን እዩ። ስለዚ ካብ ከምዚ ኮነ ኢሉ ዓሊሙ ሕገመንግስቲ ነፊጉ ዝውጽዕ ኣካል ራህዋ ኣይትጽበን። “ስለምንታይ እዩ ህግዲፍ ከምኡ ዝገብር ዘሎ?” ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ወገናት ዝቐርብ እዩ። እቲ መልሲ’ውን ከምቲ መልክዕ ናይቲ ሕቶ ብዙሕ እዩ። ተደሚሩ ግና ሕልሙ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ኮይኑ ፡እቲ ነዚ ንምዕቃብn ንምብጻሕn ዝመርጾ መንገዲ ከኣ ንህዝቢ ኩሉ መሰላቱ ገፊፍካን ኣበርክቶኡ ጨዊኻን ብምድሃል ስለ ዝኾነ እዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ኢልካ ምጥቕላል ብመጠኑ’ውን እንተኾነ ነቲ ሕቶ መልሲ እዩ።
ናይቲ ወጽዓ መሪሕ ሃንዳሲ ህግደፍ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ካብቲ ናቱ ወጽዓ ዘይፍለ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሙ ኤርትራዊ ወገናት’ውን ኣለዉ። ናይ ህግደፍ ናይ ወጽዓ ቅኒት ምእንቲ ስልጣንን ምስኡ ተጐዝጒዙ ዝኸይድ ኩለመዳያዊ ረብሓን እዩ። ናይቶም ብተግባር ካብ ናቱ ኣካይዳ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዝፍጽሙ ወገናት ተግባር ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ቅኒቶም ከኣ ግዝያዊ ነገራዊ ረብሓ ምኽዕባት እዩ። እቶም ዋላ ረብሓ እንተዘይረኸቡ ንተግባራት ህግደፍን ደቂ መዛምርቱን ዝድግፉን ዘመጉሱን እውን ብሕልናን ኣተሓሳስባንሲ ካብ ህግደፍ ፈሊኻ ዝረኣዩ ገበነኛታት ኣይኮኑን። እዚ ኣብ ብዙሕ መዳይን ክፍሊ ሕረተሰብ ኤርትራን ዘጋጥም ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብቶም ግዳይ ስደት ኮይኖም ዘለዉ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ እዩ።

Wednesday, May 16, 2018

ብተንኮላት ህግደፍ ዘይምህማል

ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኩሉ ዝሰርዖ ንኹሉ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ኣበርክቶታት ጐዓጺጽካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ምዃኑ ብሩህ እዩ። ነዚ ጠላም ሕልሙ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዙሕ ዘይቅዱስ ተንኮላት ከም ዝምህዝ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ደለይቲ ራህዋን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ብሩህ እዩ። ብሕገመንግስቲ ዘይምምራሕ፡ ኩሉ መሰላት ምዕፋን፡ ብዘይብቑዕ ምኽንያት ምእሳርን ኣሲርካ ናብ ፍትሒ ዘይምቕራብን፡ መንእሰይ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ ዘገድድ ዘይርጉእ ኩነታት ምፍጣር፡ ብዘይዕጉስ ኣገባብ ምስ ናይ ርሑቕን ቀረባን መንግስታት ምትንዃል ኩሎም ኣብ ስልጣን ንቕጻል ከግልገለሎ ዝመሃዞ ተንኮላት እዮም።
ስርዓት ህግደፍ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ተንኮላት ስለ ዘይኣኸሎ  ከም ቀንዲ ዋሕስ ኣብ ስልጣን መቐጸሊ ከገልግሎ ኢሉ ዝምህዞ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ጀሚሩ ምትእምማን ከምዘይፍጠር ምግባር እዩ። ማለት ዝኾነ ምኽንያት ፈጢርካ ህዝቢ ከም ዝረሓሓቕን መፍቶ “ከፋፊልካ ግዛእ” ከም ዝኸውንን ምግባርን ቀንዲ ገጽ ናይቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ተንኮል እዩ። እቲ መንግስቲ እቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ባዕሉ ዝዛረብ ስለ ዝኾነ ክሓብኦ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ነዚ ንምሽፋን ዝጥቀሞ ተንኮል ንኤርትራን ምስቲ ካብኣ ዝኸፈአ ኩነታት እንዳወዳደረና ናይ “በዓል ሃገር እገለ ዘይትርእዩ” መዝሙር ምዝማር እዩ። ንበዓል ዒራቕ፡ ሱርያ፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን እንዳዘርዘረ “ዓድና ደኣ ሰላም እንድያ ዘላ” ዝብሉ መዳኸርቲ የዋፍር። ብቋንቋ ህግደፍ ሰላምን ምርግጋእን ተዂሲ ብዘይምስማዕ እዩ ዝግለጽ። ግደ ሓቂ ግና ትርጉም ሰላም ካብኡ ዝዓሞቐን ዝረቐቐን እዩ።