Pages

Monday, July 10, 2017

ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ

ህይወት ሰባት ሓባራዊ እዩ። እዚ ሓባራውነት ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት ኣብ ስራሕ፡ ንግዲ፡ ቃልስ ሓጐስን ሓዘንን ኮታ ኩሉ ዕለታዊ ምንቅስቓስን ዝንጸባረቕ እዩ። ሓባራውነት ኣብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ዘተኩር ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ናይ ሓሳባት ምጽልላውን ምድግጋፍን እውን ዘንጸባርቕ እዩ። ሰባት ነዚ ዘይተርፍ ምጽልላው ክገልጹ እንከለዉ “ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ” ብዝብል ይገልጽዎ። እዚ ሓባራውነትን ምጽልላውን ብምትእምማን ክስነይ እንከሎ ዝያዳ ጠቓሚ ይኸውን። ኣብ ሚዛኑ ዘይሓለወ ምክሕሓድ፡ ምንዕዓቕን ምጥርጣርን ዝሰረተ እንተኾይኑ ግና ውጽኢቱ ሃናጺ ኣይከውንን እዩ። እዚ ሓባራዊ ምጽልላው ብምትሕልላይ ጥራይ ዘይኮነ ብሕጊ ዝሕለወሉ ኩነታት እውን ኣሎ።
ሓባራውነት ኣብ ሕድሕዶም  ዝጻረሩ ግና ድማ ተኸኣኢሎም ዝኸዱ ስምዒታት እዩ ዝነብር። ናይ ዕድመ፡ ናይ ጾታ፡ ትምህርቲ፡ ሃብትን ሓላፍነትን ፍልልያት ነቲ ተጻራርነት ካብ ዝወልዱ መዕቀንታት እዮም። እቲ ተጻራርነት ብብዙሕ መልክዑ ዝግለጽ ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ሓደ ዛዕባ ብዝፍጠር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ ዝቃነ። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣተሓሳስባኦም ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ሓንሳብ ምስ ተታሕዘ ኣብኡ ዝነብር ዘይኮነ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ እዩ ዝነብር።