Pages

Saturday, January 28, 2017

ንሓድሽ ዓመት፤ ብሓድሽ መንፈስ ናይ ቃልሲ

ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ዝርከብ ጨንፈር ሰዲህኤ ንሓድሽ ዓመት ብሓዱሽ ናይ ቃልሲ መንፈስን ናህርን ንምግጣም ብዕለት 22.01.2017 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ጀሚሩ። ኣኼባ ሰዓት 13፡00 ዝጀመረ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ  ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 14.01.2017  ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተኛታት ንገለ ደቓይቕ ደውታ ክፍጸም ምሕባሩ እዩ ተኸፊቱ።
ቀጺሉ፡  ሽማግለ ጨንፈር፡ እዚ ኣኼባ‘ዚ ዓመተ 2016 ተወዲኡ ናይ ዓመተ 2017 ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብምዃኑ፡ ተኣትዩ ዘሎ ዓመት፡ ዓመተ ራህዋን ዓወትን ክንቅይሮ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ድሕሪ ምግላጽ፥ ኣብ ዓመተ 2016 ብህግደፍ እናከፍአ ክኸይድ ዝጸንሐ ፍጻሜታትን፡ ብኣንጻሩ ድማ ብደንበ ተቓውሞ  ይኹን ብህዝብና ብጠቕላላ ዝተፈጸሙ  ጸረ ስርዓት ህግደፍ  ዝኾኑ ናይ ተቓውሞ ንጥፈታትን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ተዋሂቡ።
ስዒቡ፣  ኣብቲ ቀንዲ ንኣተሃላልዋ መንእሰያት ዝምልከት መዛረቢ ዛዕባን  ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017 ክቃለሱሉ ዘለዎም ጉዳያትን ብምእታው፤ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ።

Sunday, January 8, 2017

ስርቂ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ መመሊሱ ይስዕርር!

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ናይ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊ ኤርትራ ቀንዲ ተሓባባሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝተታሕዘት ግዱሳት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እታ ናይ ስርቂ ተሓባባሪቱ ጥራይ ዘይኮነት ውሽማኡ ተባሂላ’ውን እትሕመ እቶም ምንጭታት ስማ ክጠቕሱ ዘይደለዩ ወይዘሮ ዝተታሕዘት ኣስታት 45 ኪሎ ወርቅን 500 ሺሕ ሓድሽ ናቕፋን ናይቲ ጀነራል ሒዛ ናብ ዱባይ ክትገሽ እንከላ እያ።
እቶም ምንጭታት ከም ዝብልዎ እዛ ሰበይቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብዚ ተግባርዚ ተዋፊራ ናይቲ ጀነል ተቓባሊት ሌባ ምንባራ ትሕመ እያ። ብፍላይ ኣብቲ ዝተታሕዘትሉ ዕለት ነቲ መንገዲ ስርቂ ንምጥጣሕን ናይ መፈተሺ ኤለክትሮኒካዊ መፈተሺ ከም ዘይሰርሕ ንምግባርን ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ሓይሊ ኤለክትሪክ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቋሪጹ ነይሩ። እንተኾነ ኣብቲ ስራሕ ተመዲቦም ዝነበሩ፡ በቲ ሓደ ወገን ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሓበሬታ ዝነበሮም፡ በቲ ካልእ ድማ ምስ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪን ጥርጠራ ስለ ዝሓደሮም፡  ብዝገበርዎ ጐርጓር እቲ ወርቅን ናቕፋን ተረኺቡ።
ድሕሪኡ እቶም ዝሓዝዋ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ናብ ዝምልከቶ ጸብጻብ ምስ ገበሩ’ሞ ጀነራል ፍሊጶስ ሰሚዑ ኣብቲ ንሱ ብመንገዲ ወዲ ከበደ ዝበሃል ኣዛዚ ኣቢሉ ዝቆጻጸሮ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብዮቱ ክትእሰር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ እቲ ጉዳይ ከይተወዓውዐ ንዓኣ ፈቲሒ ንምድፋኑ ንክጥዕሞ እዩ።
እንተኾነ ነቲ ጉዳይ ዝሓዝዎ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት እቲ ጉዳይ ናብቲ ንሕና እነመሓድሮ ቤት ማእሰርቲ እምበር ናብቲ እቲ ጀነራል ከም ድላዩ ዝገብረሉ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ኣይንሰድድን ስለ ዝበሉ ምስሕሓብ ተፈጢሩ፡ ናብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ስለ ዝበጸሐ እታ ጥርጥርቲ ናብ ዓዲ ኣብየቶ ዘይኮነስ ናብቲ ኣብ ከተም ኣስመራ ኣብ ስዉር ቦታ ዝርከብ ክፍሊ ምርመራ ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝተላእከት ክፍለጥ ተካኢሉ። እዚ ኣጋታሚ ነቲ ክብ ለጠቕ ክብል ዝጸንሐ ዝምድና ኢሳይያስን ፍሊጶስ ኣብ ሓደ ከውድቖ እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ዋላ እቶም ዓበይቲ ትካላት ዘንቀሳቕሱ ዝበሃሉ ኣካላት፡ ካብ 20 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ዘየንቀሳቕስሉ ግዜ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ናብ ደገ ክወጽእ ምሓዙ ነብሱ ዝኸኣለ መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ከም ዝግምትዎ እዚ ሓድሽ ናቕፋ ኣብ ደገ ናብ ዶላር ክቕየር ተሓሲቡ ዝነበረ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ጀነራል ፍሊጶስ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ወርቅን ካልእ ዘይሕጋዊ ንግድን ብክቱር ከም ዝዋሳእ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።