Pages

Tuesday, September 22, 2015

መበል 14 ዓመት ዝኽሪ 18 መስከረም፡ መዓልቲ እሱራት ኤርትራውያን

ብ18 መስከረም 2001 ስርዓት ኢሳያስ ብድሕር'ቲ ኣትኵሮ ዓለም ዝሰሓበ ኣሸበርቲ ኣብ ኣመሪካ ዝፈጸምዎ ናይ ኣልቓዒዳ ስርሒት ተኸዊሉ፡ 11 ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍን 10 ጋዜጠኛታትን ኣሲሩ። ምኽንያት መእሰሪ ናይ'ቶም 11 ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ኣኼባ ናይ "ባይቶ ኤርትራ" ክግበር ስለዝጠለቡ ክኸውን እንከሎ፣ ናይ'ቶም 10 ጋዜጠኛታት ከኣ፡ ንውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹን ንትግባረ ቅዋም ዝምልከት ቃለ-መሓትትን ሓተታታትን ኣብ'ተን ናጻ ተባሂሉ ዝተኣምነለን ጋዜጣታቶም ስለዘስፈሩን ዘቃልሑን ኢዩ ነይሩ።
እዞም እሱራት እዚኣቶም ከም'ቶም ቅድሚኦም እተኣስሩ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት፥ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ምስ ቤተሰቦም ይኹን ምስ ሰብኣውያን ማሕበራት ከይራኸቡ ተሓሪሞም ኣብ ማእሰርቲ ከምዝበልዩ ኰይኖም ኣለዉ።
ኣብ'ቲ ተኣሲሮምሉ ዝርከቡ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣብ ሓለዋ ተመዚዙ ዝነበረ እሞ ካብ'ቲ ስርዓት ቅድሚ 4 ዓመታት ዘምለጠ ተጋዳላይ፥ መብዛሕትኦም እቶም እሱራት ከምዝሞቱ እቶም ዝተረፉ'ውን ብዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ይሳቐዩ ምህላዎም ኣዝዮም ውሑዳት ደሓን'ዮም ዝብሃሉ ድማ ከቢድ ሰንሰለት ኣብ ኣእጋሮም ተሰኪሞም ኣብ ሸላታት ተዳጕኖም ምህልዋምን ኣቃሊዑ ነይሩ።

Thursday, September 10, 2015

ሓድነት ኣጽኒዕና ክንሕዞ ዝግበኣና ዓንዲማእከልና’ዩ



“ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ይተዓቀብ” ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ረዚን ጭረሖ እዩ። ስለምታይ እዚ ጭረሖ’ዚ ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ቦታ ከም ዝሕዝ፡ በቲ ሓደ ወገን ንኹሉ ብሩህ እዩ ኢልና ስለ እንኣምን በቲ ካልእ ወገን ድማ ዝርዝሩ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ኣብ እምብዛ ዓሚቒ ዝርዝር ኣይክንኣቱን ኢና። ብሓጺሩ ግና ሓድነት ሃገር ብፍላይ ንዓና ኤርትራውያን፡ ኩሉ መግዛእታዊ ውዲታትን ተጻብኦታትን ፈንጢስና፡ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢልና ነጻነትና ከነረጋግጽ ዘኽኣለና ምስጢር ዓወትና ስለ ዝኾነ ኣጽኒዕና ክንሕዞ ዝግበኣና ዋሕስ ህልውናናን ቀጻልነትናን እዩ። እዚ ኣባና ዝድረት ዘይኮነስ “ሓድነት ሓይሊ’ዩ” ብዝልብ ኣበሃህላ ኣድማሳዊ ክብደት ዘለዎ እዩ።
ሃገራዊ ሓድነት ኣንጻር ብዙሕነት ዘይኮነስ ናይቲ ዝሓቖፎ፡ ብሃይማኖት፡ ብቋንቋ፡ ብባህሊ፡ ቦታዊ ኣሰፋፍራ … ወዘተ ዝግለጽ ብዙሕነት መሰልን ናጽነት ከይገሃሰ ናይ ሓባር ዋልታን ድርዕን ኮይኑ ዝሓቁፍ ናይ ሓባር ዓንዲ እዩ። ተትእምኖ እምነት ትስዕብ’ሞ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብሓባር ትዋሳእ። ኣብቲ ካልእ ናይ ብዙሕነት መግለጽታት እውን ከምኡ፡ ሓድነት ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ እቲ መስርሕ ህልውናን ዕቤትን ይቕጽል። ሓድነት ኣብ ጽላሉ ናይ ዘሎ ብዙሕነት መሰላትን ነጻነታትን፡ እንዳገሃሰ ዝጸዓን ዘይኮነስ፡ መዓስን ኣየናይ ቅድሚት ይስራዕን እንዳ ኣነጸረ ኣብ ሕድሕድ እቲ ናይ ብዙሕነት መግለጽታት ዘሎ ምንባብ ከመይ ይስራዕን ዝቕይስ ፍትሓዊ ዓንዲ ማእከል እዩ።