Pages

Tuesday, April 23, 2019

ርክብ ጀነቫ ብምንቁልቋል ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ስኽፍታ ኣሕዲሩ

መበል 11 ርክብ ጀነቫ፡ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ብ26 መጋቢት 2019 ኣብ ጀነቫ  ተጋቢኡ።ኣብዚ ኣኼባ ኣስታት 800 ዝኾኑ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ተሓለቕቲ፡ ፖለቲካዊ ተቓወምትን ግዳያት ወጻዕቲ መንግስታትን ተሳቲፎም። ኣብዚ ኣኼባ ኣብቲ ደሓን ዝበሃል ዝነበረ ማሕበረሰባት ከይተረፈ ብዛዕባ መሊሱ እንዳጠጠዐ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆና ዝሓደረ ስኽፍታ ተንጸባሪቑ።
ኣብዚ ርክብ ብዛዕባቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ምንቁልቋል ብናይ ሕቡራት ሃገራት ሓለዋ ዲረክተር ኣቶ ሂለል ኑር ኣገዳሲ መብርሂ ተዋሂቡ። ንሶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብዚ ከም በዓል ኤርትራን ሳዑዲ ዓረብን ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝኣተዋሉ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ምምሕያሽ ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኸውን ጠቒሶም።
ብሩንዳዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል ወይዘሮ ከቲ ኒቪባንዲ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገረን ዝፍጸም ግህሰት ሰብእዊ መሰል መግለጺ ሂበን። መብዛሕትኡ ዝገለጸኦ ከኣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ግህሰታት ዝመሳሰል ነይሩ። ንሰን ኣተሓሒዘን ኩሎም ምእንቲ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን ዝነጥፉ ወገናት ንድሕሪት ከይብሉ ጸዊዐን። ኣብዚ ዝሃበኦ መግለጺ “ዋላ ለይታዊ ናይ ጸልማት ሰዓታት እንተነውሐ፡ ብርግጽ ጸሓይ በሪቓ ብርሃና ክትልግስ እያ” ዝብል ናይ ብሩንዲ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ጠቒሰን።
ኣንጻር ጾታዊ ወጽዓ ዝነጥፋ ገጣሚት ብሪታንያዊ ሶማልያዊት ኒምኮ ዓሊ ብወገነን ቃል ኣስሚዐን። ንሰን ከም ዝበለኦ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መላእ ዓለምና 200 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ጾታዊ ጸቕጢ ኣብ ጸገም ይነብራ።