Pages

Sunday, November 7, 2021

ግደ ህዝብን ውድባትን ተመጋጋቢ’ዩ

 ኤርትራ ኣብዚ ዘላቶ ናጻን ልኡላውን ክብሪ ዝበጸሐት ብመሰረቱ ሳላ ዘይተሓለለ ቃልሲ ህዝባ እያ።  ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ሃገሩ ዝብህግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህጉ ዘግሃደ ፡ ጽኑዕ፡ ጸዋርን ተባዕን ምዃኑ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣፍልጦ ዝረኸበ  ኣብነታዊ ህዝቢ እዩ። ናብዚ ክብሪዚ ዝበቐዐ ከኣ ሳላ ምስ ፍልልያቱ ናብ ሓደ ጸላኢኡ ኣትኪሉ ብሓድነት ዝተቓለሰ ነይሩ።

ኣብ ጉዳይ ሃገር እቲ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነቱ ዘካየዶ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሱ ብግብሪ ኣርእይዎ እዩ። ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኣብ ሃገር ስለ ዘይቅየር ሎሚ’ውን ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝለዓለ ወሳኒ ሓይሊ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ  ኢዩ። ካብዚ ሓቂዚ ነቒልና ኢና ከኣ “ኣብ ኤርትራ ዋና ለውጢ ህዝቢ እዩ”  እንብል። ኣንጻር ህግደፍ ክንቃለስ ካብ ዘገደዱና ቀንዲ ምኽንያታት ጉጅለ ህግደፍ ንወሳኒ ግደ ህዝብና ጓዕጺጹ፡ ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ህዝቢ ዝሰርዕ ዓመጸኛ ስለ ዝኾነ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምውሓስ ዝኸኣለ ካብ ኣብራኹ ብዝወጹ ውፉያት ደቁ ብዝተመስረታ መሪሕ ውድባቱ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ “ውዳበ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይውደባ ዝዕወት ቃልሲ የለን”  ናይ ዝብል ኣምር ሓቅነት ዘረጋገጸ እዩ።

ብዙሓት ወገናት ከም ዝሰማምዕሉ፡ ዝምድና ህዝብን ውድባትን ምስ ናይ ዓሳን ባሕርን ውህደት ዝመሳሰል እዩ። ከምቲ ዓሳ  ብዘይ ባሕሪ ህልውና ዘየብሉ ውድባት ከኣ ብዘይህዝቢ ኣይዕወታን ጥራይ ዘይኮነ ህልውና እውን የብለንን። ህዝቢ እውን ብዘይ መሪሕ ውድብ ኣብቲ ዝደልዮ ዓወት ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ። ብመንጽርዚ ክረኣይ እንከሎ፡ ህዝብን ውድባትን ከም ባሕርን ዓሳን ተወሃሂዶም ህይወት ዝዕቅቡን ቁጠባ ዘዕብዩን እምበር፡ ናይቲ ሓደ ግደ ብናይቲ ካልእ ብጽሒት ተተኪኡ በበይኖም ዝዕወቱ ኣይኮኑን። ምስ ኩሉቲ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ዘጋጥም ዝነበረ ሓርጎጽጎጻት፡ ናይ ህዝብን ውድባትን ኤርትራ  ንኹሉ ጼርካ ከም ማይን ጸባን ምስምማዕ ካብ ቀንዲ ምስጢራት ዓወትና ምንባሩ ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ ኣረጋጊጽዎ እዩ። እዚ ውህደት ኣብ ቀጻሊ ቃልስና ምእንቲ ለውጢ እውን ናይ ምዕዋትና ወሳንነቱ ሒዙ ዝቕጽል እዩ።

ኩልና ከም ዘይንስሕቶ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከጋጥሙ ካብ ዝጸንሑ ብደሆታት፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባቱን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሕድሕድ ውድባት ዝነበረ ምንባብ፡ ምድምማጽን ምጽውዋርን ሓሓሊፉ ሓጐጽጐጽ ዘጋጥሞ ምንባሩ እዩ።  ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብወገኖም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር፡ ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባቱን ምርሕሓቕ ንምፍጣር ካብ ሃይማኖታዊ ስምዒታት ምጽሕታር ጀሚሮም ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበረን። ነቲ “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ምንጻፍ”  ዝብል ብሂል እውን ፈቲነምዎ እዮም።  እንተኾነ ሳላ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ውድባቱ  ኣብ ሕድሕድ ዝመጋገቡ እምበር ሓደ ነቲ ካልእ ተኪኡ በይኑ ዝበጽሖ ከም ዘይብሉ ተገንዚቦም ኣብ መንጎኦም ብጉዳይ ናጽነት ሃገር ንፋስ  ዘይምእታዎም ውዲት ጸላእቲ ሕልሚ ኮይኑ ተሪፉ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ብፍላይ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራ ህርፋን ጸላእቲ ዘርወየን  ንሃገራዊ ዕላማታት ንድሕሪት ዝመለሰን ኣይንበር እምበር፡ ንቃልስና ዘደናጎየ ፍልልያትን ምድማይን  ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ’ውን ኣብቲ ህዝብና ዝጽበዮ ዓወት ንምብጻሕ ኣብዚ መዳይዚ ዘሎ ሃጓፍ ምምላእ መተካእታ የብሉን።  ኣብዚ እዋንዚ ቃልስና በቲ ንደልዮ ቅልጣፈ ተጓዒዙ ካብ ዘይተዓወትናሉ ምኽንያታት፡ ምክእኣልን ምትእምማንን፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባቱን በቲ ካልእ ወገን  ከኣ  ኣብ መንጎ እተን ህዝቢ እምነት ዘንበረለንን መሪሕነታዊ ግደአን ክፍጽማ ዝጽበየንን ውድባትን ሰልፍታትን ኣብቲ ዝድለ ኣውንታዊ  ደረጃ ዘይምብጻሑ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ውድባት መሪሕ ግዲአን ኣብ ዝፍጽማሉ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘሎ ብደሆ ንምስጋር የኽእል ዝብለኦ  ሓሳብ ኣመንጭየን መዋጸኦ ምእማም’ዩ። ቃልሰን ከኣ ነዚ ዘመንጨወኦ ሓሳብ ሰፊሕ ተቐባልነት ክረክብ ውድባዊ ዓቕሚ ኣጥሪኻ ምስራጹ እዩ። ኣብቲ ጉዕዞ ቃልሲ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ንሕና ንርከበሉ ዘለና ብዙሓት ውድባትን ሰልፍታትን ዝዋሰኣሉ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ዝወዳደረሉ እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ተቐባልነት ንምርካብ ናብ ናይ ሓባር ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ንምርካብ ዝወዳደር እዩ። ካብዚ ሓሉፉ ዝኾነ ውድብ ይኹን ሰልፊ ንኣተሓሳስባኡ ከም ውዱእ፡ ካልእ መተካእታ ዘየብሉ እንኮ ምርጫ ወሲዱ “ግድን ናተይ ኣተሓሳስባ እንተዘይገዛእኩም” ኢሉ ናይ ምግዳድ መሰል የብሉን። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ ከምቲ ሓደ ውድብ ኣተሓሳባኡ ክስመዓሉን ተቐባልነት ክረኽበሉን ዝደሊ ናይቶም ካለኦት መወዳድርቱ ውድባትን ሰልፍታትን ኣተሓሳስባ ናይ ምስማዕን ምኽባርን ግድነት ከም ዘለዎ ክዝንግዕ የብሉን። ምኽንያቱ ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ስለ ዘይኮነት። እቲ ዝተሓዝ ኣተሓሳስባ ናይ ግድን ብግቡእ ተሓሲብሉን ንኩነታት ኤርትራን ህዝባን ብደቂቑ ኣጽኒዑ ኣብ ግምት ዘእተወን እምበር፡ ብዋዛ ንስለ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ  ህልውና ተበሂሉ ዝተሓዝ ክኸውን ኣይግበኦን።

ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ካብ ዝፈላልዩና ዛዕባታት  “ፖለቲካዊ መንነት ጉጅለ ህግደፍ  ብኸመይ እዩ ዝግለጽ?፡ መጻኢ ኤርትራን ህዝባንከ ከመይ ይኹን?” ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ምዃኑ እንርደኦ እዩ። ብዙሓት ውድባት ምስ ምዃንና ናይዚ ሕቶታት መልስታትና ዝተፈላለየ እንተኾነ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ዝኸውን ግና፡ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ናይቲ ካልእ መወዳድርቱ መልሲ ከም ቅኑዕ ኣይዕገበሉ እምበር፡ ክሰምዖን ከኽብሮን ቅሩብ ዘይክኸውን እንከሎ እዩ። ኣብ መንጎ ውድባት ዝግበር ዘተ ከኣ ንርኢቶታት ተቐቢልካ ዝግበር ፍልልያት ናይ ምቅርራብ እሂንምሂን ክኸውን ይግበኦ።

ህዝቢ ኤርትራ ጌና ኩነታት ጣጢሕሉ ይሕሸኒ ዝብሎ ሓሳብ ኣጽኒዑ ናይ ምውሳን ናጻ ዕድል ከይረኸበ፡ “ናተይ ርኢቶን ኣወዳድባን እዩ ብህዝቢ ዝድገፍ እሞ፡ ነናትኩም ገዲፍኩም ንናተይ እንተዘይረዓምኩም” በሃላይ ኣካል ተጽዕኖ ክፈጥር ክህቅን እንከሎ ኣጸጋሚ እዩ። ከምዚ ዘጋጥም ክዕብልል ዝደሊ ኣካል  ዘምጸኦ ሓሳብ፡ ካለኦት ወገናት ካብቲ ንሱ ዝረኣየሉ  ኣቕጣጫ ወጻኢ ናይ ምምዛን መሰል ከም ዘለዎም ክዝንግዕ እንከሎ እዩ። እዚ ብሓሳባት ምፍልላይ፡ ተፈላልዩ ዝነብር ዘይኮነ፡ ኣብ ናጻን ዲሞክራስያውን መድረኽ፡ ህዝቢ “እዚ ኣተሓሳስባዚ እዩ ዝሕሸኒ፡ ንዓኡ እየ ከኣ ሕገ-መንግስታዊ መልክዕ ኣትሒዘ ዘተግብር”  ዝብል ውሳነ ሂቡ ዝዛዘሞ እዩ። ድሕሪኡ እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ዝረኽበ ዝትግብረሉ እቲ ተቐባልነት ዘይረኸበ ከኣ ዝስመዓሉ ኮይኖም እቲ መስርሕ ይቕጽል። ኣብኡ ክሳብ ንበጽሕ እምበኣር ኣብ ዙርያቲ “ሓይልታት ለውጢ” ዝብል ናይ ሓባር መግለጺና ቃልስና ነሐይል።

Tuesday, August 3, 2021

ኣሜሪካ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ሻቕሎት ሓዲርዋ

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዘሻቐላ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊኦም  ዝፍጸም መጥቃዕትን ምፍራራሕን ደው ክብል ጸዊዓ። ወሃቢት ቃል ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጁሊና ኣብ ዝሃበኦ ሓበሬታ፡ "ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምድና ዘለዎም ወተሃደራዊ ሓይልታትን ምልሻን ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣዚና ኢና ተሻቒልና ከም ዝበላ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣፍሊጡ።

እተን ወሃቢት ቃል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2021 ብወተሃደራት ኤርትራ ቅትለት፡ ጭውያን ኣገዲድካ ናብ ዓዶም ምምላስን ከም ዘጋጠሞም ጠቒሰን፡ ኣብ መጻኢ ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክእደቡ ጸዊዐን። ወሃብ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ባባር ባሎች ብወገኖም፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብቲ መደበራት ሓደ ስደተኛ ከም ዝተቐትለን፡ ኣብዚ እዋንዚ እቶም ስደተኛታት ብሕጽረት ጽሩይ ማይን ካልእ ከም መግብን መድሃኒትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ቀረባትን ይጽገሙ ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባቶም ኣብ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘለዉ ስደተኛታት ደሃይ ካብ ዝረክብ ሳምንታት ከም ዝሓለፈ ሓቢሮም። እቶም ኣብተን መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 24 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወርሓዊ ዝወሃቦም ናይ መግቢ ሓገዝ ካብ ዝቕበሉ ሓደ ወርሒ ስለ ዝኾነ ሓደጋ ጥሜት ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ ባባር ባሎች ጠቒሶም።

ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ውግኣት ምቕጻሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝለዓለ ሻቕሎት ሓዲርዎ ኣሎ። እቲ ዜና ኣብቲ ከባቢ ውግእ ዘስዓቦ ምፍርራሕን ክትራንን ከም ዘጋጥም’ውን ጠቒሱ። መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝተባህለ ምምዝባልን ካልእ በደላትን ከም ዘሻቕሎም ጠቒሶም፡ ብዛዕባ ናይቲ ተግባር ፈጸምቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝመርሖ ናጻ ኣካል ምጽራይ ንክግበር ጸዊዖም ነይሮም።

ብኻልእ ወገን ከኣ ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክመዛበሉ እንከለው፡ ኣብቲ ክልል ኣብ መደበራት ዝነበሩ ኣስታት 55 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ወዲቖም ከም ዘለዉ እቶም ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሓቢሮም።

Thursday, July 1, 2021

ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሳ

 ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተመዚዙ ጉዳይ ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ሱዳናዊ ዓብደልሰላም ባበክር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ይኽን ምሕያሽ ከምዘይገበረ ጠቒሱ ከም ዘቃለዐ ቢቢሲ ትግርኛን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ገሊጸ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ነዚ ዘፍለጠ፡ ኣብዚ ቀርባ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ናብ ዝተኻየደ፡ ናይቲ ዝመዘዞ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት መበል 47 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ እዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ጀነቫ ዕለት 21 ሰነ 2021 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ  ዘቕረቦ  ጸብጻብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ዝሕግዙን፡ ሰብኣዊ መሰል ዝሕለወሉን፡ ትካላት ኮነ ሕገ-መንግስቲ ከምኡ እውን ካለኦት ሓገግትን ፈጸምትን ትካላት  ዘየብላ ሃገር ምዃና እውን ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ኣምኪኑ፡ ካልእ ሕገ-መንግስቲ ክነድፍ ዝኣተዎ ቃል ከም ዘየኽበረ ጠቒሱ። ምስዚ ከኣ ኣብ ስልጣን ልዕሊ 30 ዓመታት ጸኒሑ ክነሱ ዝኾነ ይኹን ምርጫ ከምዘየካየደ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

እቲ መንእሰያት ኤርትራ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ከገልግሉ ብ1994 ዝወጸ ኣዋጅ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ደረት ኣልቦ ባርነት ከም ዝተቐየረ እቲ ጸብጻብ ሎሚውን ደጊሙ ጠቒሱ። እዚ ግዱድ ውትህድርና ቀንዲ መርኣያ ናይቲ ስርዓት ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት ምዃኑ ከኣ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ፡ ብሰንክዚ ግህሰትዚ መንእሰያት ኤርትራ ትምህርቶም ናይ ምክትታል ዕድሎም ከም ዝጸልመተን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ክስደዱ ከም ዝተገደዱን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ከምቲ ልሙድ፡ ነዚ ርኡይ ገበኑ ከም ዝኸሓዶን ብህዝቢ ዘይሳተፎን ዘይፈልጦን “ዞባዊ ምርጫታትን ገበናዊ ሕግታትን”  ክሽፋፍኖ ከም ዝፈተነን እውን ኣብዚ ጸብጻብ ሰፊሩ።

ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዝምልከት ጸብጻባትን መፍትሒ ለበዋታትን ክቐርብ እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ዓለም ለኻውን ዞባ

Saturday, April 3, 2021

ኣስተምህሮ ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት ሰዲህኤ

 ጥምረት  ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  (ሰዲህኤ)፡ ብ14 መጋቢት 2021 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰዲህኤ እዩ። እቲ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ ከኣ ሃገርን ሃገረ-መንግስትን ዝብል እዩ።

ብጻይ መንግስተኣብ ኣብቲ ዘቕረቦ ሰፊሕ መበገሲ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኣረዳድኣ ሃገርን ሃገረ-መንግስትን ዘጋጥም ምድንጋራት ዝተፈላለዩ ኣብነታት ኣሰንዩ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣመጻጽኣን ባህርያትን ዝተፈላለዩ ዓይነት መንግስታትን መራሕቶም ኣብ ዝምልከት ገሊጹ።፡ ድሕረ-ባይታ ኤርትራን ህዝባን፡ ናብዚ ሕጂ ዘላትሉ ደረጃ ልኡላውነት ንምብጻሕ ዝነበረ ጉዕዞን ዘርዚሩ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺኡ ኤርትራ እዚ ሒዛቶ ዘላ ደረጃ ዝሓዘት ብመግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ 1890 ምዃኑ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ምግሃድ ኤርትራ ከም ሃገር እውን ምስ ብዙሕነቱ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ከም ዝነበረን  ኣነጺሩ።

እቲ ሓቂ ከምዚ ኮይኑ እቲ ብጉልባብ ኣግኣዝያንን ካለኦት ተበግሶታትን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምህሳይ ዝግበር ፈተነ ታሪኻዊ መሰረት ከም ዘየብሉ ገሊጹ። እቲ ሓደ ቋንቋ ዝዛረብን ብዙሕ ዘመሳስልዎ ነጥብታት ዘለዉዎን ህዝቢ ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታ ምዃኑ ኣብ ብዙሓት ኣከባቢ ዘሎ ምዃኑ ኣስፊሑ ኣመልኪቱ። ከም ኣብነት ከኣ ኣባናን ኣብ ትግራይ ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ዘሎ ምዃኑ ከኣ ገሊጹ።  ርሑቕ ከይከደ፡ ከኣ ትግርኛ፡ ኩናማን ዓፋርን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምህላዎም ጠቒሱ። መንቀሊ ኣግኣዝያን ቋንቋ ግእዝ እንተኮይኑ ካብ ንትግርኛን ኣምሓርኛን ናብ ትግረ ከም ዝቐርብ ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ድሕርቲ መብርሂ ብተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ተወሰኽቲ መህብተሚ ሓሳባት  ሕቶታት ቀሪቦም። ነቲ ዝቐረበ ሕቶታት ምስ ህልዊ ኰታት ሃገርናን ከባብናን ብምዝማድ ሰፋሕቲ መልስታት ተዋሂቡ። ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት፡ “ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ንላዕሊ መንነትዶ ክህልዎ ይኽእል?፡ ኣብ መንጎ ሃገርን ብሄርን ዘሎ ዝምድና እንታይ እዩ?፡  ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ንሓድነት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ የስግእ?፡” ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ ቀጻሊ ክኸውን ተላብዮም።  እቶም ኣብዚ ኣኼባ ናይ ምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ኣባላት ምእንቲ ክረኽብዎ ቀጻሊ መወከሲ ንክኸውንን፡ እቲ ኣስተምህሮ ብጽሑፍ ክዝርጋሕን ኣብ መርበብ ሓርነት ክስቀልን ብምትሕስሳብ ኣኼባ ተደምዲሙ።

Saturday, March 6, 2021

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ፍሉይ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ

 ማእከላይ ባይቶ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ23 ጥርን 14 ለካቲትን 2021  ብዛዕባ ሰዲህኤ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልስን ህልዊ ኩነታትን  ጠለባትን ሓድነታዊ ዕዮን ኣዛሚድካ ንምምዛኑን ንምንጻሩን ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ብኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተጸውዐ  ፍሉይ ኣኼባኡ ኣቐዲሙ ብኦቦመንበር ዝቐረበ ሓጺር መኽፈቲ ቃልን እቲ ኣኼባ ዝተጸወዓሉ ምኽንያትን ሰሚዑ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊ ቃሉ ኣካቢቡና ዘሎ ምዕባለታትን ነዚ ምዕባለታት  ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝርበሓሉ ንምውዓሉ ዝጽበየና ሓለፍነትን ኣንጸባሪቑ።

ኣኼባ ድሕሪዚ መእተዊ ቃል፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ  ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ከባብያውን እዋናዊ ጉዳያት ሓበሬታ ተለዋዊጡ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ ቀንዲ መጸውዒ ኣኼባ ዝኾነ ዛዕባ፡ “ሰዲህኤ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ” ነዊሕ ግዜ ወሲዱን ብዙሓት ጉዳያት ኣገናዚቡን ተመያይጡ። ኣኼባ ባይቶ ኣብ ምይይጡ ነቲ ኣቐዲሙ ነዚ ዛዕባዚ ብዝምልከት ኣጽኒዓ ውሳነ-ሓሳብ ከተቕርብ ኣቐዲሙ ዝመዘዛ ፍልይቲ ሽማግለ ዘቕረበቶ ንድፊ መሰረት ገይሩ ዘትዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ዝጸደቐ ንኣገባብ ቃልሲ ዝምልከት ውሳነ፡ ማእከላይ ባይቶ ኣብቲ ውሳነ ንከተግብርን ዳግመ-ርኢቶ ንክገብርን ብጉባአ ዝተዋህቦ ቅዋማዊ ሓልፍነትን ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ከባብናን ኣብ ግምት ብምእታውን ነዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት ዝምጥን ውሳነ ኣመሓላሊፉ።  እቲ ውሳነ  ከም ዘብርሆ፡ ሰዲህኤ ኣብ ቅዋም ተመርኲሱ ዝኽተሎ ናይ ቃልሲ ፖሊሲ  ዝያዳ ብምብራህን  ብምንጻርን  ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎን ዝሳተፎን፣ ኣብ ወድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዝምርኰስ፣ በብእዋኑ ዝግምገምን ከከም ኩነታቱ ዝትግበርን፡ ምሉእ ስልታዊ ምትዕጽጻፍ ንምግባር ዘኽእል ኩሉ ኣገባባትን ስጉምትታትን”  ከም ዝኽተል  ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ባይቶ ነዚ ውሳነ ክውስን እንከሎ ንብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ግምት ሂቡ እዩ።፡ ብፍላይ ከኣ ደምበ ተቓውሞ ብመላኡ ካብ ሓድሕድ ምትፍናንን ፍልልያትን ወጺኡ ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ከተኩር ንምሕጋዝ፣ ሰልፋዊ ሓድነትን ኣገዳስነት ሓድነታዊ ዕዮ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን  ንምዕዛዝ፣ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ደረጃታት ሓቢርካ ንምስራሕ ንምድንፋዕ  ዝያዳ ግምትን ኣትኩሮን ሂቡ።

ኣኼባ ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ከምቲ ልሙድ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ጽንኩርን ተኣፋፍን ኩነታት ኣባላት ሰልፊ፡ ደገፍቲ ሰልፍን ግዱሳት ኤርትራውያንን የካይድዎ ንዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ ኣመጒሱ ንመጻኢ እውን ቃልሶም ከሕይሉ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

Tuesday, January 19, 2021

ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና

 ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ30 ሕዳር 2020 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣኼባ ኣካይዱ። ምምሕዳር ኣብ ኣኼባኡ ካብ ዝተዛረበሉ ቀንዲ ዛዕባታት፡ “ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታት ኣብ ዜናዊ መዳይ ብኸመይ ይተሓዝ” ዝብል ነይሩ።

ቅድሚ ናብዚ ቀንዲ ዛዕባ ምእታው ግን፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ ሰዲህኤን ደንበ ተቓውሞናን ከባቢናን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ እሞ ኣብ ሃገርና እውን ናቱ ተጽዕኖን ስግኣታትን ዘለዎን ውግእ ብመንጽር ሚድያዊ ኣተሓሕዛ ንናይ ከባቢኦም ሓበሬታታት ተለዋዊጦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ዝተፈላለያ ሚድያታት ነዚ ተረኽቦ ኣብ ዝምልከት ሒዘንኦ ዘለዋ ኣንፈታትውን ዳህሲሶም። ኣብዚ ሚዛኖም ሚድያታት ሰዲህኤ ብፍላይ፡ ነቲ ጉዳይ ብርትዓውን ሚዛናውን መንገዲ ኣብ ዝተነጸረን ቅኑዕን ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ኣገባብ ክሕዘኦ ከም ዝግበአን መዚኖም።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንዝወሰኖም ውሳነታትን ነንዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ክንዲ ብውግእ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክኽተሉ ዘቕረቦ መጸዋዕታታት፡ ቀንዲ መወከሲ ንዜናዊ ስረሓት ሰዲህኤ ጌርካ ክወስድ ከም ዝግበኦ ኣኺባ ርእዩ። ብዘይካዚ ከምቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ተግባራቱ፡ ሚድያታት ሰልፊ ነቲ መተካእታ ዘየብሉ ናይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ምጥርናፍ ንምብርታዕን፡ እቶም መትከላዊ ፍልልይ ዘይብሎም ሓይልታት ድማ ናብ ምሉእ ሓድነት ናይ ምምጻእ ጻዕርን ዘተባብዕ ዜናዊ ዕዮታት ምብርካት፡ እዋናዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ተገንዚቡ። ዜናዊ ስረሓት ሰዲህኤ፡ ኣብ ርእሲ ሰልፋዊ ዕማሙ፡ ብምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ቆይመን ናይ ዘለዋ ሓይልታት ዕማም ንጥፈታትን፡  ንምንቅስቓስ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ምትብባዕ  ቆላሕታ ከም ዝገብር እውን እቲ ኣኼባ ኣንጸባሪቑ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዜናዊ መዳይ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን መራኸብታትን የበርክትዎ ንዘለዉ ኣዕዚዙ ንኢዱ። ንመጻኢ እውን ስረሓት ዜና ካብ ብዙሓት ንብዙሓት ስለ ዝኾነ ጻዕሮምን ተሳትፎኦምን ከኻዕብቱ ዝተኻየደ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ጸዊዑ።