Pages

Saturday, September 17, 2022

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ዝጽውዕ ሰልፊ ኣካይደን

 ኣብ  ኣዲስ ኣበባ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ዝጽውዕ ሰልፊ ኣካይደን

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ8 መስከረም 2022 ብደቂ ኣንስትዮ ዝተወደበን ንሰላም ዝጽውዕን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ።  እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ  ዘቤታዊ ጸዋዒት ሰላም ኢትዮጵያውያን ነቲ  ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ብሰላም ክፍታሕ ዝጠልብን ተበግሶታት  ተወሳኺ ዓቕሚ ከም ዝኸውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደባ ኢትዮጵያውያን ትካላት፡ መርበብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፡ እስትራተጅያዊ ተበግሶ ደቂ ኣንስትዮ ቅርኒ ኣፍሪቃን ቲምራን ዝተባህለት ማሕበርን እየን። እዚ በዘን 3ተ ናሕበራት ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ድላይነት ሰላም፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ብሰንኪ ውግእ ዝኽተል ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ዘንጸባርቑ ጭረሓኦታት ሒዙ ከም ዝወጸ እቲ ዜና ኣስፊሩ። ካብቲ ጭረሖታት “ ብውግእ ዝፍታሕ ዘይምርድዳእ የለን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዓውዲ ውግእ ኣይኮናን፡ ውግእ መሳርሒ ዕቤት ዘይኮነ፡ ጠንቂ ጥሜት፡ ስደትን ዕንወትን እዩ” ዝብሉ ከም ዝርከብዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መጸዋዕታ ሰላም፡ ምስቲ 35 ኢትዮጵያውያን  ሲቪል ማሕበራት ብ7 መስከረም 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣክይደን ብዘውጸአኦ መግለጺ ዘቕረበኦ ተመሳሳሊ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ካለኣይ ተበግሶ እዩ። እተን 35 ሲቪል ማሕበራት  ብደረጃ ኣኼባ ኣብ ዘንጸባረቐኦ መጸዋዕታ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ሰላም ንክሰፍን ውግእ ጠጠው ክብል፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ውግእ በዂሩ ዘሎ መሰረታዊ ቀረባት ናብ ንቡር ክምለስን ኣብቲ ዓሌታዊ ውግኣት ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን ዝብሉ ህጹጻት ጠለባት ተንጸባሪቖም እዮም።  

እዚ ተበግሶታት ሰላም ኢትዮጵያውያን  ዝረአ ዘሎ፡ ነቲ  ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጠጠው ኣቢልካ ናብ መስርሕ ሰላም ንምእታው፡  ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃን ካለኦት ዲፕሎማትን ምስ ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ጽዑቕ ርክባት የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዩ።

Friday, July 8, 2022

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

 ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ18ን 20ን ሰነ 2022፡ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ሓጺር ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም”  መእተዊ ቃል ኣስሚዑ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብመጀመርያ ብዛዕባቲ ኣቐዲሙ ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተዳልዩ ዝጸንሐ ንድፊ ጸብጻብ በብሓደ ድሕሪ ምምይያጥ ከም ሰልፋዊ ሰነድ ኣጽዲቑዎ። ኣብዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ጸብጻብ ዝዳህሰሰሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተራእየ ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ከባብያውን ምዕባለታት መዚኑ። ንኣውንታታት ዝያዳ ዘሕይሉን ንሕጽረታት ዘእርሙን ውሳነታት ወሲኑ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናውን መሰረታውን ዝያዳ ጠመተ ዘድልዮም ዛዕባታት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብ ምይይጡ፡ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት (ፖሓኤ)፡ ቅድሚት ዝስራዕ ጭረሖ ሰዲህኤ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ንምዕዋቱ ክሳብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልስን ከጋጥም ዝጸንሐ ብደሆታትን ዳህሲሱ። ምስ ኩሉ’ቲ ዝጸንሐን ዘሎን በዳሂ መስርሕ፣ ሰዲህኤ ንመጻኢ እውን ምቛም ሓባራዊ ጽላል ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ቅሩብነት ምስ ዘለዎም ኣካላት ኮይኑ ቃልሱ ከም ዝቕጽል ኣነጺሩ። ምስ ዓለም ለኸ ህዝባዊ ምንቕስቕስ ይኣክልን ካለኦት ተበግሶታትን ከራኽቦ ኣብ ዝኽእል መንገዲ ሓቢርካ ንምቅላስ ግቡእ ቆላሕታ ከም ዝህቦ’ውን ካብ ዘድሃበሎም ነጥብታት እዩ።

10ይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይን ሱዳንን ዝረአ ዘሎን ዓለም ለኻዊ መልክዕ ናይ ምሓዝ ኣንፈቱ፡ ተጽዕንኡ ኣብ ፖለቲካ ሃገርናን ብሰንኩ ዝምዕብል ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ሓደስቲ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ዝምልከት ንናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ሰዲህኤ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዓሚቕ ጠመተ ኣካይዱ። ኣብ መጻኢ ብሓፈሻ ብደረጃ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ከኣ ብደረጃ ሰዲህኤ ክተሓዝ ዝግበኦ ኣቕጣጫን ርእዩ። ኣብቲ ዳህሳሱ ሰዲህኤ ንኣተሓሕዛ ፍልልያዊ ሓድነትን ዝምድናና ብሓፈሻ ምስ ጐረባብትና፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ክልል ትግራይ፣ ብሓደስቲ ምዕባለታት ከይተሰናበደ፡ ብመጽር’ቲ ኣቐዲሙ ብደረጃ ጉባኤኡ ዝሓዞ ፖሊስን በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ትካላቱ ከነጽሮ ዝጸንሐ መርገጻትን እናተመርሐ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዝውሰን ብህዝቢ ምዃኑ እምነት ዘማእከለ፡ ቃልሱ ከም ዝቕጽል ግቡእ ቆላሕታ ሂቡ መዚኑ። ፖሊሲታቱ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ዝምልከቶም ናይ ምንጻርን ምስራጽን ጻዕሪ ከም ዘካይድ ድማ ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ መጻኢ ብሓፈሻ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ብፍላይ ምስ መሰረታት ሰልፊን፡ ህዝብን  ዘራኽብ፣  ብሰንኪ ብኮቪድ 19 በዂሩ ዝጸንሔ መድረኻት ምቕጻል ከም  መጻኢ መደባቱ ኣመላኺቱ። ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላትን ደገፍቲ ሰዲህኤን፣ ኩሉ ለውጢ ዝብህግ ኤርትራውን፡ ህዝብናን ሃገርናን ካብዚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣትየምዎ ዘለዉ ሓሳረ-መከራ ንክወጹ፡ ከም  ናይ ቅድሚ ሕጂ ከይሰልከዩ ቃልሶም ንክቕጽሉ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። 

Friday, March 4, 2022

ሓድነትና ኣደልዲልና ንሃገራዊ ድሕነት ንመርሽ

ዕለት 04-05-2014 ኣብ ከተማ ፊሊቦርግ ሃገረ ሲዊዘርላንድ ናይ ዝተፈላለዩ ኤርታዊ ዜጋታን ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ዝተረኽብዎ ፈላሚ ጉባኤ ኣክዪዱ። ኣብ ቀንዱ ጭርሖ ናይዚ ምትእኽኻብ “ሓድነትና ኣደልዲልና ሃገራዊ ድሕነት ንመርሽ።”እዚ ጭርሖ እዚ፡ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ጀሚሩ ብተግባር መሰረት እናሓዘ ንቕድሚት ክስጉም ዘለዎ እምበር ተንጠልጢሉ ብመብጻዓ ኣብ ሓሳብን ጭርሖታትን ሓሳባትን ተጻሒፉ ጥራሕ ዝፍጸም ኣይኮነን። ነዚ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ አርትራዊ ዜጋ ኣብዚ እዋን እዚ ዝጠልቦ እቲ መገዲ ሓድነት መሰረት ዲሞክራሲያዊ ዓወት ምዃኑ ኢዩ ዝርዳእ። እታ ንሰለስተ ወርሒ መደባትን መንቀሊ ንድፊ ክትሕንጽጽ ኣብዚ ተመርኵሳ ንኹሉ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ዝካፈሉሉ ጉባኤ ክተዳሉ ንግዚኡ ግን ነቲ ነዓኣ ዝመስላ ጥርናፈን ኣገዳሲ ዝተባህለ ተብግሶታት ክትወስድ ዝማሕጸና ናይ ከተማ ‘ኣረው’ ፈለማ ኣኼባኣ ኣካይዳ። እዚ ከኣ በቲ እዋናዊ ተረኽቦ ተበግሶታት ከም ናይ ላምፐድሳ ህልቂት ብምክትታልን ኣብ ዝካየድ ዝነብረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሮማ ብምክፋል ዝተገብረ ኣወሃሃዲ ስራሓትን፣ ከምኡ እውን ናይ ሓውና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ሰሚናር ንምድላው ዘጓነፈ ጸገማት ተሳዒሩ ኣብ ከተማ ሱሉተርን ክካየድ ተኻኢሉ። እዚ ብወለንታዊ ዝስራሕ እኳ እንተኾነ ጽዑቅን ብዙሕን ኣኬባ ድሕሪ ምግባር እነሆ እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ክጽውዒ በቒዑ ክብል ግዚያዊ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ስፍሕ ዝበለ ቁጠባውን ማሕበራውን መግለጺ ኣቕሪቡ።