Pages

Friday, March 4, 2022

ሓድነትና ኣደልዲልና ንሃገራዊ ድሕነት ንመርሽ

ዕለት 04-05-2014 ኣብ ከተማ ፊሊቦርግ ሃገረ ሲዊዘርላንድ ናይ ዝተፈላለዩ ኤርታዊ ዜጋታን ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ዝተረኽብዎ ፈላሚ ጉባኤ ኣክዪዱ። ኣብ ቀንዱ ጭርሖ ናይዚ ምትእኽኻብ “ሓድነትና ኣደልዲልና ሃገራዊ ድሕነት ንመርሽ።”እዚ ጭርሖ እዚ፡ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ጀሚሩ ብተግባር መሰረት እናሓዘ ንቕድሚት ክስጉም ዘለዎ እምበር ተንጠልጢሉ ብመብጻዓ ኣብ ሓሳብን ጭርሖታትን ሓሳባትን ተጻሒፉ ጥራሕ ዝፍጸም ኣይኮነን። ነዚ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ አርትራዊ ዜጋ ኣብዚ እዋን እዚ ዝጠልቦ እቲ መገዲ ሓድነት መሰረት ዲሞክራሲያዊ ዓወት ምዃኑ ኢዩ ዝርዳእ። እታ ንሰለስተ ወርሒ መደባትን መንቀሊ ንድፊ ክትሕንጽጽ ኣብዚ ተመርኵሳ ንኹሉ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ዝካፈሉሉ ጉባኤ ክተዳሉ ንግዚኡ ግን ነቲ ነዓኣ ዝመስላ ጥርናፈን ኣገዳሲ ዝተባህለ ተብግሶታት ክትወስድ ዝማሕጸና ናይ ከተማ ‘ኣረው’ ፈለማ ኣኼባኣ ኣካይዳ። እዚ ከኣ በቲ እዋናዊ ተረኽቦ ተበግሶታት ከም ናይ ላምፐድሳ ህልቂት ብምክትታልን ኣብ ዝካየድ ዝነብረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሮማ ብምክፋል ዝተገብረ ኣወሃሃዲ ስራሓትን፣ ከምኡ እውን ናይ ሓውና ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ሰሚናር ንምድላው ዘጓነፈ ጸገማት ተሳዒሩ ኣብ ከተማ ሱሉተርን ክካየድ ተኻኢሉ። እዚ ብወለንታዊ ዝስራሕ እኳ እንተኾነ ጽዑቅን ብዙሕን ኣኬባ ድሕሪ ምግባር እነሆ እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ክጽውዒ በቒዑ ክብል ግዚያዊ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ስፍሕ ዝበለ ቁጠባውን ማሕበራውን መግለጺ ኣቕሪቡ።

ቀጺሉ ኣካያዲት ግዚያዊ ሽማግለ ቅድሚ ኣብቲ ተቐሪቡ ዘሎ ንድፊ ኣቲና ንዕኡ ኣጽዲቕና ኣካያዲት ምምራጽ እንኣቱ ኣብ መንጎና ተረኺቦም ዘለዉ ብSEYRS ዝፍለጡ ምንቅስቓስን፣ ኣብዚ ሃገር እዚ ዝተወልዱ ወይ ከኣ ትሕተ ዕድመ ኮይኖም ዝመጹ ብፍላይ እቲ ናይ ኣብ ሲናይ ዝካየድ ወዲ ሰብ ክረኽቦ ዘይክእል መሸጣ ኣካላት ዜጋታትና ኣብ ላምፐዱሳ ዝተራእየ ኣብ ውቅያኖስ መዲተራንያን ህልቂት ንኹሉ ኤርትራዊ ዝንቀጥቀጠ ንዓና እውን ተንኪፉና ጥራሕ ዝይኮነስ ተበግሶ ክንወስድ ደፋፊኡና። እታ መጀመርታ ክንገብራ ዝኸኣልና ድማ ተጠርኒፍና እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ጠጠው ይበል ክንብል ምስ ከማና ዝኣመሰሉ መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት ተራኺብና ካብ ወርሒ 1/2014 ጀሚሩ ውርሒ 6/2014 ዝውዳእ ፐቲሽን ነካዪድ ኣሎና። እዚ ፐቲሽን እዚ ናይ ኩለን ሃገራት ተጠቃሊሉ ናብ ኩሉ ኣብያተ ጽሕፈት ናይ ሰባኣውያንን ንኩሎም መንግስታት ዓለምን ክልኣኽ ኢዩ።ሰለዚ ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ውድባትን ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ነዚ ጉዳይ እዚ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ክተሓባበሩና ንዕድም ብምባል ተበግሶታቶም ብፊልም ዝተሰነየ ብሩህ መግለጺ ኣቕሪቦም። 

እቲ ጉባኤኛ ድማ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ንኢዱን ክደጋገፎም ምዃኑ እውን ቃል ኣትዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናብ ንድፊ ተመሊሱ ሰፊሕን ዕምቈት ዘለዎ ክትዕን ቅድሚ ምጅማር ተረኺበን ዝነበራ ሰልፍታትን ውድባትን ምንቅስቓሳትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ከይተረፈ ቃል ደገፈታአን ኣቕሪበን። ንኹሉ ዝጥርንፍ ጽላልን ሓቢርና ክንሰርሕን ብዘይኣፈላላይ ብምክብባርን ምትእምማን ዝስረጸሉ ባይታ ምህናጽ ቁርብነተን ገሊጸን። እቲ ዝረአ ዝነበረ ሃዋህው ሓዲሽ መድረኽ ንተመክሮታት ዝገምገመ ብሓቂ ናይ ሓባር ምስራሕ ድሌት ዝሓዘሎ ምሉእ ተሳታፍነት ዝነበሮ እውን ኢዩ ነይሩ። እዚ ተበግሶታትና እዚ ብምዕቡል ኣተሓሕዛ ምስ እንነብረሉ ዘሎና ሃገር ንግበሮ ቃልስና ክዕወትን፣ ብፍላይ ንሽግራት ማህበረሰባትና ዝጥምትን፣ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት ብዓቕሙ ክተሓባበር ንሃገሮም ገዲፎም ኣብ ኢውሮፓን ክልእ ሃገራትን ፋሕ ዝብሉ ዘለዉ መንእሰያት ብፍላይ ከእ ኣብ ሲዊዘርላንድ ዝኣትዉ፡ ዘድሊ ሰብኣዊን ማሕበራውን ደገፋት ክግበረሉ። ነዚ ንምዕዋት ከኣ ንኹሉ ምንቅስቓሳትን ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ውልቀሰባት ቆላሕታ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓቢርና እንሰርሓሉ ባይታ ፈጢርና ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉና ዝሓቁፍ ጽላል ብምህናጽ ሓደ ኤርትራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ስዊዝ ምእንቲ ዲሞክራሳዊ ለውጢ ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ቤት ምኽሪ ዝካፈሉ ካብ ኩሎም ሰልፍታትን ውድባትን በብኽልተ ክውከሉ ብተቕላል 19 ዝኣባላ ሽማግለ ካብ ህዝቢ መሪጻ። ንሳቶም ድማ 15 ቀወምትን 2 ከኣ ተጠባበቕትን ክምኡ ኣውን 2 ተቖጻጸርቲ ኢዮም። ከምዚ ኢሉ እቲ ጉባኤ ክድምድምን ክጅምርን ከሎ ብዝኽሪ ስዋኣት ኢዩ ዛዚምዎ።
ሓላፊ ዜናዊን ባህላውን ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮዻ

                         ፍትዊ ክፍለ      

No comments:

Post a Comment