Pages

Monday, October 17, 2016

4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሴሜን ኣሜሪካ

ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጉባኤ ናይ ዞባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝግበር ኮይኑ፡ 4ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሴሜን ኣሜሪካ  "ሓቢርና ኣብ ጽንዓት"  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ ዕለት15 ጥቅምቲ 2016 ልክዕ ስዓት ናይ ንግሆ ኣብ ከተማ ችካጎ - ዊንድሲቲ፡ ብዉዕዉዕ ኣገባብ ተጀሚሩ።
ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ሴሜን ኣሜሪካን ከናዳን ክሳተፉ ዝመጹ ጉባኤኛታት ኣብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምስ ተረከቡ ብዝኽሪ ሰማእታት ተከፊቱ። ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ እንቓዕ ድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ቐረበ፡ ቐጺሉ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚትን ሰልፊ ሓው ኣለም ዮሃንስ ብዝተፋላለየ ምኽንያት ኣብ ቃልሲ ክዉፈዩ ጸኒሖም ብመስዋእቲ ዝተፈለዩና ብጾት ናይ ዝክሪ ቃል ኣቕሪቡ። ኣብ ሰልፋዊ ስርሓት ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝነበሮም ኣባላት ድማ ብፍሉይ ኣመስጊኑ።

  
ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ነቲ ብዝተፋላለየ ሰልፋዊ ስርሓት ኣብ ጉባኤ ክርከብ ዘይኽኣለ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ወኪሉ መልእኽቲ ናይ መሪሕነት ሰልፊ ኣቕሪቡ። ብተወሳኪ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ዉድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሃለዋት ሰልፍን ትጽቢታትን ኣብ ዝብል ዛዕባ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃቡ፡ ብሽማግለ ዞባ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ዞባ ሴሜን ኣሜሪካ ዝትዓመሙ ስርሓት ብዝርዝር ቀሪቡ ብሰፊሑ ክትዓት ተካይድሉ። 
ጉባኤ ቅድሚ ናብ ምሳሕ ዕረፍቲ ምዉጽኡ ንጉባኤ ተሰላስል ሰክረታሪያት መሪጹ። ሲዒቡ ሰክረታርያት ጉባኤ ብመሰረት ዝተሰርዐ ኣጀንዳታት ንዘተን ክትዕን ስራሓ ብወግዒ ጀሚራ። ኣባላት ሰልፊ ሓልፍነታዊ ብዝኮነ መንገዲ ኣብ ሙዉቕን ሩሱንን ክትዓት ከካይዱ ዉዒሎም፡፡  ኣብዚ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣባላት ባይቶ ወይዘሪት ኤርትራ ኣልኣዛርን ካለኦትን ይርከብዎም፡

No comments:

Post a Comment