Pages

Wednesday, January 27, 2016

ቃለ- መጠይቕ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ጌና ካብ ግዜ ንእስነቱ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላለየን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከይሰልከየ ዝቕጽል ዘሎን እዩ። ኣብ ዝሓለፈን ቀጻሊ ዘሎን ናይ ነጻነትን ሓርነትን ዝተናወሐ መስርሕ ቃልስና ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነትን ናይ ቃልሲ ዓውድታትን ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ግዜ ሰውርዊ ባይቶ፡ ኣብ ግዜ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብኣቦመንበርነት መሪሑ፡ ነቲ ዝድፈር ዘይመስርል ዝነበረ ናይ ጀብሃ-ሻዕብያ ፍልልይ ኣብ ምስዓር ልሉይ እጃም ካብ ዘበርከቱ  መራሕቲ ሓደ እዩ። እነሆ ድማ ሎሚ እውን ናይ ሰደህኤ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ፖሊሲታት ሰደህኤ ኣብ ምስራጽ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መድረኽ ብምቅላዕ ኣብነታዊ ኣበርክቶኡ ይቕጽል። እምበኣር ምስኡ ዝገብርናዮ ቃለ-መጠይቕ ብኣገደስቲ ሰነዳት ኣሰኒና ነቕርቦ ኣሎና። ሰናይ ንባብ ይኹነልና።

ሓርነት፡ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ ንኣህጉራዊ ዝምድና ሰልፊ ዝሃቦ ቆላሕታ ከመይ ነይሩ?

ኣቶ ወልደየሱስ፡ ኣቐዲመ ነዚ ኣጋጣሚ'ዚ ብምርካበይ ንቤ/ጽ ዜና ሰደህኤ ኤመስግን። ኣብዚ ሕጂ ንሓደ መላኺ ስርዓትን፡ ነቲ ንሱ ዝተኸሎ ናይ ዓመጽ ኣገባባትን ባህልን ክንኣሊ፣ ካብኡ ቀጺልና ከኣ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ብብቕዓት ተዳሊና ክንጸንሕ ኣብ እንጥለበሉ መድረኽ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) መላእ ትካላቱንኣባላቱን ዓበይቲ ዕማማት ቃልሲ ከም ዝጽበይዎም ርዱእ ኢዩ። ንብደት ዝጽበየናዘሎ ዓማማት ኣብ ግምት ብምእታው፡ 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ንኣህጉራዊ ዝምድናታትና ብዝምልከት፡ ኣገዳሲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ። እቲ ዝጸደቐ መደባትን ውሳኔታትን ከኣ ንዘሎናዮ መድረኽ ኣብ ርእሲ ምንጽብራቑ
ከም ሰልፊ ነቲ ድሕሪ ውድቀት መላኺ ስርዓት እንኽተሎ ናይ ወጻኢ እስትራተጅን ፓሊሲታትን እውን ክጸሉ ዘማዕደወ ኢዩ። ብመሰረት ውሳኔታት 2ይ ጉባኤ፡ ምስ ዝዀነ ሃገር ዝህልወና ዝምድና ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብፍላይ ግን፡-
  • ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጅቡትን ካልኦት ኣብ ዞናና ዝርከቡ ጐረባብትን ዝህልወና ዝምድና ኣብ ሓባራዊ ዕብየትና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ከም ዝኽእል ገይሩ 2ይ ጉባኤ ሰሪዕዎ ኣሎ።
  • ብመሰረት ቀያዲ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ልዑላውነት ሕድሕድ ዘይምድፋር፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ዘይምትእትታው፣ ቀጺልካ ከኣ ንሰላምን ቍጠባዊ ዕብየትን ብሓባር ክንስርሕ ከም ዘድልየናን ከም ዝግባኣናን ጉባኤ ኣስሚርሉ።
  • ስርዓት ህግደፍ ንሃገርና (ከም ሰሜን ኮረያን ናይ ፓልፖት ካምቦድያ ናይ 70ታትን) ካብ ዓለም ነጺሉ፡ ካብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክርከብ ካብ ዝኽእል ረብሓታት ኣግሊሉዋ ኣሎ። እዚ ተነጽሎ'ዚ ተሪፉ ሃገርና ምስ ኩሉ መንግስታትን ኣህዛብን ዓለም ተመሓዝያ ንቀንዲ ጸላእቲ ህዝቢ ዝኾኑ ድኽነት፡ ድንቁርናን ሕማምን ንምስዓር ቃልሲ ክትጅምር ከም ዘሎዋ ብውሳኔ ጉብኤ በሪሁ።    
ብሓፈሻ ክርኤ እንከሎ፡ ውሳኔታት 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ፡ ነቲ ድሮ ሰልፍና ከዐውቶ ዝቃለሰሉ ዘሎ ዕማማት ዝድግፍን ብዝለዓለ ተወፋይነት ክድረኸሉ ዝጠልብን ኢዩ። ኣንበብትን ተዓዘብትን ቃልስና ክመዝኑዎ ከም ዝኽእሉ ከኣ፡ ሰዲህኤ ምስ መሓዙት ሰልፍታት ዓለም፣ ምስ መንግስታውያን፣ ዘይመንግስታውያን ከምኡ ከኣ ምስ ኣህጕራውያን ትካላት እናተራኸበን እናተመሓዘወን፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ተነጽሎ ሃገርናን ህዝብና ብትሪ ይቃለሶ ኣሎ። ከምኡ'ውን ንሃለዋት ስደተኛታት ኤርትራ ድምጺ እንኾነሉ ኣገባባትን፡ ክሕገዙሉ ዝኽእሉ መንገድትን ኣብ ምንዳይ እናነጠፍና ጸኒሕናን ኣሎናን።

ሓርነት፡ ድሕሪ 2ይ ጉባአ ሰልፍና ብሓፈሻ ውሳነታት ጉባአ፡ ብፍላይ ድማ ጠመተ ሰልፍና ኣብ ኣህጉራዊዝምድናታት ንምብራህ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ብኸመይ ይግለጽ?

ኣቶ ወልደየሱስ፡  ብርእይቶ ሰልፍና፡ ውሳኔታት 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ምብራህ ማለት፡ መእተዊኡ፡ ንህዝብና ናይ ቃልሲ መደባትካ ኣነጽር! ቃልስኻ ኣሓድስ! ተቃላሳይ ህዝቢ ተስፋ ኣይቈጽን’ዩ! ክትዕወት ኢኻ! ዝብል መልእኽቲ ምምሕልላፍ ማለት ኢዩ። ከመይ እቲ ዝዓበየ መልእኽቲ ውሳኔታት ጉባኤ ከምኡ ስለ ዝኾነ። ንመላእ ህዝቢ ዝምልከት እውን ስለዝኾነ።

ካልኣይ ጉባኤ ሰዲህኤ ብ30 ሓምለ 2015 ምስ ተዛዘመ፡ ድሕሪ 3 መዓልታት፡ እቲ ቀንዲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ጉባኤ ብኣቦ መንበር ሰልፊ ኣብ ዓመታዊ ፈስፍቲቫል ፍራንክፎርት ንህዝቢ ተኣዊጁ እዩ። ቀጺሉ'ውን ብመራኸቢ ብዙሓን ናብ ዝሰፍሐ ኣንባቢ ከም ዝበጽሕ ተገይሩ። ንዕኡ ብዝምልከት ርእሰ-ዓንቀጻትን በብዓይነቱ ገላጺ ጽሑፋትን ብቤት ጽሕፈት ዜናን ካልኦት ኣባላት ክግለጽ ጸኒሑ። ብኣቦ መንበር ሰልፊ ኣብ ሃገራት እስካንዲናቭያ ዝተገብረ ርክባት እውን ንውጽኢት ጉባኤን ንፖሊሲታት ኣህጉራዊ ዝምድናናን ዘብርህ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ዘሎናዮ ወርሒ እውን ብደረጃ ላዕለዋይ መሪሕነት ሰፊሕ ገለጻ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክግበር ኢዩ። ብሓጺሩ፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣካል ናይቲ ጠቕላልል ውሳኔታት ጉባኤ ስለዝኾነ ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ ኢዩ። ብፍላይ ከኣ ብመልክዕ ጽሑፋት ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ። ንኣብነት ብጽሑፋት ጀረጃ ካብ ዘቕረብናዮ እቲ ድሕሪ 2ይ ጉባኤ እተጻሕፈን እተዓደለን ሓጺር መግለጺ ሰዲህኤ (EPDP Profile)፣ 3 ሕታማት መጽሔት ሊበርቲ (Liberty) ወዘተ እውን ንመደባትን ንምንቅስቓሳትን ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዘብርህ’ዩ ነይሩ።

ሓርነት፡ ምስ መትከላት ሰልፍና ዝሰማማዕ ፖሊሲታት ምስ ዝኽተሉ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ሰልፍታትዘለና ዝምድና ከመይ ይቕጽል ኣሎ?

ኣቶ ወልደየሱሱ፡ ኣገዳሲ ሕቶ ኢዩ። ሓደ ካብ ውሳኔታት 2ይ ጉባኤና ከምዚ ይብል፡- "ምስ ፕሮግራም ሰልፊ ዝሳነ ፕሮግራም ዘለወን ዞናውን ኣህጕራውን ሰልፍታት፡ ጥቡቕ ሕውነታዊ ዝምድናታት ከምዝፍጠርን ከም ዝምዕብልን ምግባር" ከም ዝፍለጥ ከኣ ሰዲህኤ ነዚ ንናይ ሎሚ ቃልስን ንናይ ጽባሕ ኤርትራ ጥቕምን ዘገልግል ጥቡቕ ምሕዝነታት ምምስራት ታሒዝዎ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ሰዲህኤ ኣብቲ ከባቢ 100 ኣባል ሰልፍታት ዘሎዎ ገስጋሲ ምሕዝነት መስራቲት ኣባል ካብ እኸውን ድሮ ሰለስተ ዓመት ኰይኑ። ኣብቲ ካብ ምሉእ ዓለም 160 ኣባል ሰልፍታት ዝርከብኦ ሶሻሊስት ኢተርናሽናል እውን ናይ ተዓዛባይ ኣባልነት ኣሎና።

ምስናይዚ ሕቶ መልሲ ኣተሓሒዘ ክጠቕሶ ዝደሊ ነገር ኣሎ። ነፍስ-ወከፍ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ውድብ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዓመተ ስራሕ እንታይ ከም ዝገበረ፡ ንነብሱ ክሓትትን ንህዝቢ መግለጺ ክህብን ይግባእ። ሰዲህኤ ከምኡ ክገብር ጸኒሑን ኣሎን። ንኣብነት፡ ከም ኩሉ ትካላት ሰልፊ፡ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ ዓመታዊ ጸብጻባት ብመራኸቢ ብዙሓን ገይሩ ክገልጽ ጸኒሑ ኢዩ። ሕጂ'ውን እንተኾነ ነቲ ኣብ 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዝቐረበ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናና፡ ኣንባቢ ገለ ስእሊ ናይ ንጥፈታትና ብመንግዲድ ቤ/ጽ ዜና ክትዝርግሕዎ ዝከኣል ኢዩ። ኣብኡ ተጠቒሱ ከም ዘሎ፡ እዚ እተጠቕሰ ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ፡ ካብ ቀዳማይ ጉባኤ ክሳዕ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ፡ 54 ዑደታት(ርክባት) ናብ እተፈላለያ ሃገራት ብምግባር ምስ መንግስታትን ሰልፍታትን ማሕበራትን ተራኺቡ፤፣ 99 ኣገዳሲ መዘክራት ጽሒፉን መልስታት ረኺቡን፤ 24 ፍሉይ ንዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ሰልፊ ዝገልጽ መጽሔታት ኣዳላዩ ብስፍሓት ዘርጊሑ።
  
ሓርነት፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ጀርመን ፍራንክፈርትን ኬንያ ናይሮብን ኣብ ዝተኻየዱ ኮንፈረንስንምኽኻራዊ ኣኼባን ተሳትፎ ሰደህኤ ከመይ ነይሩ፡ኣብ መጻኢኸ ካብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶታት እንታይኢና እንጽበ።

ኣቶ ወልደየሱስ፡ ከምቲ ኣብ ዜናዊ ማዕከናት እተገልጸ፡ ኣብቲ ብጀርመናዊ ማሕበር ተዳልዩ ካብ 13 ክሳዕ 14 ሕዳር 2015 እተኻየድ መጽናዕታዊ-መድረኽworkshop)፡ ሰልፍና ብክልተ ኣባላት መሪሕነት ተወኪሉ ነይሩ (ወልደሱስ ዓማርን፡ ንጉሰ ጸጋይን)።

ከምቲ መጽናዕታዊ-መድረኽ ዝጠለቦ ኣገባብ እውን፡ ብልኡኻት ሰልፍና ንራኢን መትከላትን ሰዲህኤ ኣብ ዝምልከት ኣርእስትታት ሰፊሕ መግለጺ ቀሪቡ።
ንኣብነት ካብቲ ኣርእስትታት ምይይጥ፡ ንመድረኽ ፖለቲካዊ ምስግጋር፣ ንሰልፍታት፣ንድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ክህሉ ኣንደልዮ ቅርጻ ምሕደራ (ዘይምእኩል ምሕደራ)፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻልን ህግደፍን ዘሎና ኣረኣእያ ዝምልከት ነይሩ። እቲ ዘቕረብናዮ መደረን ብደረጃ ዓውደ-መጽናዕቲ እተበጽሔ ምርድዳኣትን ብሰፊሑ ክግለጽ ስለ ዝጸንሔ፡ ዱሳት ኣንበብቲ ኣብ መርበባት ሓበረታ ክውከስዎ እውን ቀሊል ኢዩ።

ብሓፈሽኡ ግን፡ እቲ ዘተን እተበጽሔ ነጥበ ስምምዓትን ንዘሎናዮ መድረኽ ቃልሲ ኣዝዩ ጠቓሚ ነይሩ። ከምኡ ከይተገብረ ከኣ ኣብ ምርድዳእን ስምምዓትን ክብጻሕ ኣይከኣልን።

ሓርነት፡ ኣብቲ ናይ ናይሮቢ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ዘቕረብካዮ መጽናዕታዊ ጽሑፍ እንታይ ዝምልከትዩነይሩ?

ኣቶ ወልደየሱስ፡ ኣብ ናይሮቢ ዘቕረብኩዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ንፖለቲካዊ ምስግጋር ዝምልከት ነይሩ። ማለት ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትሰጋገከሎኻ ንዘሎ ጸገማት ከመይ ከም እትፈትሖ ዝእምት ነይሩ። ብላህመታዊ ተረድኦ፡ ንምልኪ ምልጋስ ዝኸበደ ዕማም ኰይኑ ይርኤ ይኸውን። ሓያለይ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ ግን፡ ካብ ንምልኪ ምልጋስ፡ ካብ ምልኪ ዝሓሸ ምሕደራ ከተታኣታቱ ዝግበር ቃልሲ ኣዝዩ ከቢድን ሓደገኛን ዩ።
እቲ ብወገነይ እተዳለው ጽሑፍ፡ ነዚ ሓደጋታት እዚ ዝእምትን፡ ብካልኦት ንእተወስደ መሰጋገሪ መስርሓትከም ተመኩሮ ዝጠቅስ ነይሩ። እቲ ጽሑፍቅድም ብቛንቛ እንግሊዝ ናብ ኣንበብቲ ተዘርጊሑ ኣሎ።ስዒቡ እውን ናብ ትግርኛ ተተርጒሙ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወጺኡ እዩ።
እምበኣር ከምቲ ኣብቲ ኣቐዲመ ዝሃብኩዎ መልስታት ዝጠቐስኩዎ፡ ነዚ ቃለ መተይቕ ንምርጓድ በዚ ዝስዕብ ጽማቛት ኣሰንየዮ ኣለኹ፡

1፡ ጽማቝ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ (ነሃሰ 2011-ሓምለ 2015)

መእተዊ፣
ካብ ቀዳማይ ጉባኤ ሰልፊ ጀሚሩ ናብ ማእከላይ ባይቶ ዝቐረበ ዓመታዊ ጸብጻባት ናብ ኩሉ ኣባል መሪሕነት ክመሓላል ዝጸንሔ ብምዃኑ: ነፍስ-ወከፍና ኣድላይ ኰይኑ ምስ እንረኽቦ: ነቲ ዝርዝራዊ ጸብጻባት ተመሊስና ክንውከሶ ዝከኣል ኢዩ። ኣብ ምድላው ነፍስ-ወከፍ ዓመታዊ ጸብጻብ: ነዚ ዝስዕብ ቅጥዒ ኣቀራርባ ክንክተል ጸኒሕና:-
  1. ኣብ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ንእተነድፈ መድረኻዊ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈት ብደረጃ ፈጻሚ ሽማግለ ድሕሪ ምጽፋፍ: ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ብከመይ ቅርጺ ከመይ ከም ዝቖመ ምሕባር፣ ንቦታውያን ሽማግለታት እተመሓላለፈ መምርሕታትን ሓዲሽ ስራሓትን ምዝርዛር።  
  2. ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እተኻየደ ወግዓውን ህዝባውን ዲፕሎማሲያዊ ዑደታት፣ ኣኼባታት፣ ከምኡ ከኣ ተሳትፎ ልኡኻት ኣብ ኮንፈረንሳት ምግላጽ። እዚ ነቲ ብላዕለዎት መሪሕነታዊ ኣካላትን ብቦታውያን ሽማግለታት እተኻየደ ጥፈታት ዘጠቓልል ኢዩ።
  3. ብዝሕን ዕላማን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እተላእከ መዘክራት ሰልፊ ብዝርዝር ኣስማት ተቐበልትን ዕለታትን ምሕባር፣ ብእተኻእለ ከኣ ንእተረኽበ መልስታትን ውጽኢት መዘክራትን ምጥቃስ።
  4. ንዲፕሎማሲያዊ መደባት ሰልፊ ንምዕዋት ብመንገዲ ሚድያ (ብጽሑፋትን ብቓልን) እንታይ ከም እተዓመ ምጥቃስ የጠቓልል።
2፡ ኣብ 4 ዓመታትዝተኻየዱ 54 ዑደታ
ካብቲ መጀመርያ ዑደት ናይ ድሕረ-ጉባኤ መድረኽ: ማለት ካብቲ ብ4 ጥቅምቲ 2011 ብክልተ ኣባላት መሪሕነት (መስፍን ሓጐስን ወልደሱስ ዓማርን) ንሃገረ ሆላንድ እተኻየደ ብጽሖት : ክሳዕ ናይ 22-23 ግንቦት 2015 ኮንፈረንስ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ ሆላንድ (ኣቦ መንበር ሰልፊ መንግስተኣብ ኣስመሮን: ወልደሱስን: ኣድያም ተፈርን መሓሪ ተስፋማርያምን እተኻፈልዎ): ልኡኻት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 54 ብጽሖታት ኣካይዶም። ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናብ 11 ሃገራት እተገብረ 21 ርክባት ነይሩ (ነቲ ብናይ 2011 ኣቦ መንበር ሓምድ ድራር ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እተገብረ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ወሲኽካ።) ኣብ ካልኣይ ዓመተ-ስራሕ: 8 ሃገራት ዘጠቓለለ 17 ብላዕለዎት ልኡኻት ሰልፊ እተገብረ ዑደታት፣ ኣብ ካልሳይ ዓመት ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት እተገብረ 9 ዕላዊ ዑደታት : ኣብዚ ሕጂ ዝዛዘም ዘሎ ራብዓይ ዓመተ-ስራሕ ከኣ ሓሙሽተ ሃገራት እተገብረ 7 ናይ ልኡኻት ዑደታት ነይሩ።
ንመንግስታዊ ትካላትን: ሰልፍታትን ንምርካብ: ከምኡ ኸኣ ኣብ ሰፊሕ ኮንፈረንሳት ንምክፋል ላዕለዎት ልኡኻት ሰልፍና ዝበጽሑወን ሃገራት (ንገሊኤን ብተደጋጋሚ) እዘን ዝስዕባ ይርከብኤን ነይረን፣
  • ኣፍሪቃን ማእከላይ ምስራቕን:- ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ከተማታት ወሽመጥ ዓረብ፣ እስታንቡል/ቱርኪ፣ ኒያሚ/ኒጀር፣ ቱኒስ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ።
  • ምዕራብ ኤውሮጳ:- ሆላንድ፣ ብራሰልስ/በልጁም፣ ኢጣልያ፣ ስዊስ፣ ጀርመን፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ኖርወይ፣ ሽወዴን።
  • ሰሜን ኣሜሪካ:- ዋሽንግቶን ዲሲ (ናብ እስተይት ዲፓርትመንት)።
    
እተረኽበ ውጽኢት:- ብርግጽ ነቲ ዝረኸብናዮ መኽሰብ/ውጽኢት ብቐሊሉ ክንትምኖ ዝከኣል ኣይከውንን። ግንከ ነቲ ገለ-ገለ ዝጭበጥ ውጽኢታት ምስ እንጠቅስ ከንቱ ዝኸደ ጻዕሪ ዘይምዃኑ ክንርኢ ንኽእል። ንኣብነት:
  • ኣብ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣባልነት ረኺብና: ኣብ 5 ኮንፈረንሳቱ ምስታፍናን፣ ልዕሊ 100 ምስ ዝኾኑ ኣገደስቲ ሰልፍታት ዓለም ብጽሑፍን ብኣካልን ተራኺብና ጸገማት ህዝብና ክንገልጽ ምኽኣልና ንሰልፍናን ንመላእ ደንበ ተቓውሞን ከም ዓወት ክቍጸር ይከኣል። ኣብ ሶሻሊስት ኢንተርናሽናል ዘሎና ናይ ተዓዛቢ ኣባልነት እውን ነቲ ርክባትናን ብሚድያ እንገብሮ ዝርጋሔ ጽሑፋትና ኣስፊሕዎ ጸኒሑ ኢዩ።
  • ብጐስጓስ ሰልፍና ኣቢሉ: ማሕበረ-ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ሽወደን ኣብ መበል 37 ጉባኤኡ ንተቓውሞ ኤርትራ ደጊፉ ዝበጽሔን ክልተ ውሳኔታት ኣገዳስነተን ክብ ዝበለ ኢዩ።
  • ኣፍሪቃዊት ኮሚተ ፓርላማ ሃገር ኢጣልያ: “ንጒዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ንዝሓለፈ70 ዓመታት ኣቓልቦ ኣይሃብናን፣ ብሕጂ ክንገብሮ ዘሎና ኣብ ፓርላማ ከነቕርቦ ኢና” ኢላ ምውሳና ንብድሕሪ ሕጂ ተስፋ ዝህብ ኣንፈት ኢዩ።
  • ሲቪካዊ ማሕበራት 15 ሃገራት ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ ንጒዳይ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክከታተልኦ ምጅማረንን ምሳና ርክብ ምግባረንን እውን ተስፋ ዝህብ ተበግሶ ኢዩ።
  • ሰዲህኤ ንብድሕሪ ሕጂ ክዓብን ክድልድልን ኣንፈት ዝሃበ ርክባት ምስ ዝቐርበና ሰልፍታት ሽወዴንን: ጀርመንን: ስዊዘርላንድን: ሆላንድን: ኢጣልያን ጀሚሩ ኣሎ። ብእተደጋገመ ብጽሖታትን ርክባትን ክብርኽ ዝኽእል ምሕዝነት ኢዩ።
ቦታውያን ሽማግለታት ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈትን ካልኦት ኣባላት ሰልፍን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዘበገስዎ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ጠቓሚ ምንባሩ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ኣይግባእን። ንኣባላት ፓርላማን: ንመንእሰያትን ተመሃሮን ማሕበረ-ኮማትን ረኺብካ ጒዳይ ሃገርን ህዝብን ምግላጽ ዓቢ ፍረ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ። ስለዝኾነ ከኣ ንክሰፍሕ ክተባባዕ ዘለዎ ማም ሰልፊ ኢዩ።
  
3፡ ኣብ 4 ዓመታት ዝተላእኩ 99 መዘክራትን ዝተመዝገቡ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋታትን
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት: ሰዲህኤ ብቤት ጽሕፈታት ኣቦ መንበር ሰልፍን ሓላፊ ወጻኢ ቤት ጽሕፈትን ኣቢሉ 98 መዘክራት ናብ ኣገዳሲ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን: ዞባውያን ትካላትን: መንግስታትን ሰልፍታትን ኣመሓላሊፉ። ኣብ ቀዳማይ ዓመተ-ስራሕ (2011-2012): 28 መዘክራት: ኣብ ካልኣይ ዓመት 31 መዘክራት: ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ዓመታት ከኣ 27ን 13ን መዘክራት ተመሓላሊፈን።

መበገሲ መዘክራት ሰልፍና ኣዝዩ ብዙሕ እኳ እንተነበረ: እቲ ቀንዲ ትሕዝቶታት ግን: ንውሽጣዊ ሃለዋት ህዝብና፣ ንህጹጽ ጸገማትን ጠለባትን ስደተኛታት ኤርትራ ዝገልጽን መፍትሒ ዝጠልብን፣ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ቈላሕታ ዝሓትትን ነይሩ።
ብጻዕቂ ነመዘክራትና ብቐጥታ ይኹን ብቕዳሕ መልክዕ ክቕበሉ ዝጸንሑ ሸነኻት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም:-
  • ምዕራብ ኤውሮጳ:- ኤውሮጳዊ ሕብረት (ማለት ኮሚሽንን ፓርላማን ወከልቲ 28 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን)፣ ትካላት ሕቡራት መንግስታት (ኣወራ ከኣ UNHCR)፣ ናብ ወጻኢ ምኒስትሪታትን መሓዙት ሰልፍታትን ናይ ስዊዘርላንድ: ኢጣልያ: ጀርመን: ሆላንድ: ሽወዴን: ዓዲ እንግሊዝ: ኖርወይ፣ ከምኡ ከኣ ናብ ጳጳስ ቫቲካን ካልኦት ኣንጻር ንግዲ ደቂ-ሰብ እተሓባበሩ መራሕቲ ሃይማኖታትን።
  • ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምስራቕን:- ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ግብጺ፣ እስራኤል (ናብ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣንን)፣ ኢትዮጵያ: ሱዳን: ጅቡቲ።
  • ካልኦት:- እስተይት ዲፓርትመት፣ ወጻኢ ምኒስትሪታት ካናዳ፣ ኣውስትራልያ።
መዘክራት ሰልፍና ጽልዋ ክገብር ምጽንሑ እንድህስሶ በቲ ሓሓሊፍና እንቕበሎ መልስታት ጥራሕ አይኮነ፣ ኣብ ኣኼባታ ምስ ሓለፍቲ ሰልፍታትን ምኒስትሪታትን ክንራኸብ እንከሎና እውን ሓበረታና ከም ዝበጽሖም ይገልጹ ኢዮም።


ንመዘክራትና ብቐጻሊ መልሲ ካብ ዝህቡ ሸነኻት: ትካላት ኤውሮጳዊ ሕብረትን: ወጻኢ ምኒስትሪታት ጀርመንን: ስዊዘርላንድን: ኢጣልያን ኣውስትራልያን ይርከብዎም።

ብፍላይ ከኣ: ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳን ብዘይ ምቍራጽ ንሕቶታት መዘክራትና ይምልሹ፣ ብጒዳይ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛታትን ከኣ እንታይ ኣብ ምግባር ከም ዘለዉ ክሕብሩና ጸኒሖም ኢዮም። ሓደ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ንኣስመራ ብዝኽደሉ ጊዜ እውን ንመዘክር ሰልፍና ሒዙ ካብ መንግስቲ ህግደፍ መልስታት ክረክብ ይሓቶምን ይውጥሮምን ከም ዝነበረ ተሓቢርና ኢና። እዚ ነቲ ብመዘክራት ኣቢልና እንዓሞ ስራሕ ሓባሪ ኢዩ።

ብ24 ሕታማትመጽሐት ሓርነት(Liberty) መጽሔትን ዝተዓመ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ፡
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 4 ዓመታት: 24 ሕታማት መጽሔት ሊበርቲ ኣብ ከክልተ ወርሒ እናተሓትመት: ነቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ንእተገብረ ዕላውን ህዝባውን ዲፕሎማሲ ሰልፊ (official diplomacy ምስ መንግስታትን ሰልፍታትን public diplomacy ከኣ ምስ መሓዙት ዝኾኑ እህዛብን ትካላቱን) ብቛንቋ እንግሊዝ ከተቃልሕ ጸኒሓ።

ትሕዝቶ መጽሔት: ነቲ ኣብ መርበብ ሓበረታ ሰልፊ ይኹን ኣብ ካልእ ማዕከናት ዝወጸ: እሞ ወጻእተኛታት ብቐሊሉ ክርእይዎ ዘይክእሉ: ንሃለዋት ህዝብናን ምንቅስቓሳት ሰልፍን ዝድህስስ ጽሑፋት የጠቓልል።

ከምኡውን: ህጹጽ መዘክራት ይኹን ንህዝብና ኣዝዩ ዘሻቕል ዜናታት ምስ ዝርከብ: ብሓላፊ ቤት ጽሕፈትን ቦታውያን ሽማግለታት ናብ ኢመይላት መሓዙት ሰልፍታትን: ማሕበራትን ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን ከም ዝዝርጋሕ ይግበር። መጽሔት ሊበርቲን ካልእ ጽሑፋትን ቤት ጽሕፈት (መጠኑ ድኣ ኣይፍለጥን እንበር) ብካልኦት ኣባላት ሰልፊ እውን ይዝርጋሕ ኢዩ።

ነፍስ-ወከፍ ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት ባዕለን ዝመርጽኦን ዝኣከብኦን ኢመይላት ይውንና ኢየን። ንኣብነት ናይ ሆላንድ ሽማግለ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ: በብጊዜኡ ኣብቲ ሃገር ንዝርከቡ 50 ኤምባስታት: ልዕሊ 20 ንዝኾኑ መንግስታውን ሰልፋውን ትካላት: ካልኦት ውልቀ-ሰባት ብኢመይ ኣቢላ ጽሑፋት ተብጽሕ። ካልኦት ቦታውያን ሽማግለታት እውን ከምኡ።

ነቲ ስፍሓት ዝርጋሔ ጽሑፋትና ንምግማት: ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ብኢመይል ናብ ልዕሊ 800 ኣድራሻታት ናይ ዘይኣባላት ሰልፊ ይልኣኽ ምንባሩ ምጥቃስ ጠቓሚ ኢዩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈትን ገለ ኣባላት ቦታውያን ሽማግለታትን (ሎሚ ኣባላት ጥምሮ ቤት ጽሕፈት) ኣብ ዜናዊ ንጥፈታት ሰልፊ እውን ክጥቀስ ዝግብኦ ኣበርክቶ ነይሩዎም።    

No comments:

Post a Comment