Pages

Monday, March 7, 2016

ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት



ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ መንግስታዊ ናይ ልምዓት ትካል፡ ኣብ ናይሮቢ ምስ ዝመደበሩ ሰሃን ፋውንደሸ ዝተባህለ ኣካላ ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ናይ ሰባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ላዕለዎት ሰብ መዝን ፍሉጣት ሰባትን ኤርትራ ከም ዝሳተፉ ኣረጋጊጹ።
 

ከም ብሓድሽ ዝተወደበ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ልምዓት ትካል ጸጥታ ዘውጸኦ 39 ገጽ ዘለዎ ሓድሽ ወግዓዊ ጸብጻብ ብመንግዲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ሊቢያ ብኡ ኣቢልካ ድማ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ፡ ኣብ ውጻኢ ዝርከቡ ናይ ኤርትራ ናይ ዲፕሎማሲ ሓለፍትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ላዕለዎት ሰብ መዝን ይሳተፉ እዮም።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ 18 ለካቲት 2016 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ላዕለዎት ናይ ዲፕሎማሲ ሓለፍቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ወግዓዊ ዝኾነ ጸብጻብ፡ ዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ሰባት ዝለዓለ መኽሰብ ዝርከቦ ሓደገኛ ንግዲ እንዳኾነ ይመጽእ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብዚ ንግዲ እዚ ኤርትራውያን ሰብ መዝን ፍሉጣት ሰባትን ምስ ዝተወሰኑ ኢትዮጵያውያን፡ ሱዳናውያንን ሱማላውያንን ብምትሕብባር ዝተራቐቐን ዝተሓላለኸን መርበብ ከም ዝፈጥሩ ኣረጋጊጹ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ናይ ዝተሓባበሩ ሰብ መዚ ኣስማት ክጠቅስ ዘይደለየ ጸብጻብ፡ ኣብዚ ጸብጻቡ ካብ ዝተጠቕሱ ሰባት፡ ብሳጓኡ፡ ኦባማ ዝበሃል ጆን ሃብታሙን ሃብታሙ መርሃይን ይርከብዎም። ጆን ሃብታሙ ኣብ ኣሜሪካ ተኸሲሱ ገበነኛ ዝተባህለ ክኸውን እንከሎ፡ ሃብታሙ መርሃይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመንግስቲ ኢጣልያ ንማእሰርቲ ዝተፈርዶ እዩ።ሃብታሙ መርሃይ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ናብ ኤውሮጳ ክገሹ እንከለዉ፡ ናይቲ ዘሰንዮም መርበብ ወኪል ኮይኑ ኣብ ዝሰርሓሉ፡ ሓደ እዋን ንኣማኻሪ ፕረሲደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ከፋኑ እንከሎ ሓቢሩ ዝተሳእሎ ፎቶግራፍ ኣብቲ ጸብጻብ ወጺኡ።
ናይ ሰባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ናይ ሰባት ንግዲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ናይ ጸጥታን ዘይምርግጋእን ሓደጋ እንዳኾነ ይመጽእ ከም ዘሎ ናይዚ ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ኣካል ሓለፍቲ ገሊሊም። ንምፍትሑ ድማ ናይ ሃገራት ምትሕብባር ከም ዝሓትት ኣመልኪቶም። ካልኦት ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ኣንበሳድራትን ናይ ዲፕሎማሲ ፈላጣት እውን ስግኣታቶም ከም ዝገለጹን፡ ብፍላይ ተወካሊ ሕብረት ኤውሮጳ መፍትሒ ኣብ ምርካብ ክተሓባበሩ ቅሩብ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ባሕሪ ሚዲትራኒያን ኣቋሪጾም ናብ ኤውሮጳ ካብ ዝሰገሩ 154 ሺሕ ስደተኛታት እቶም 39 ሺሕ ኤርትራውያን ምዃኖም ኣብዚ ጸብጻቦም ጠቒሶም።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ንሓበሬታ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝምልከቶ ኣካል ከም ዝገልጾ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 140 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝነበሩ ገሊጹ። ምስዚ ተተሓሒዙ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ዝስደዱ ቁጽሪ ብዕጽፍታት እንዳወሰኸ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ነሃሰ ኣብ ዝነበረ ግዜ 34,451 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ እቲ ጸብጻብ እሙናት ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣስፊሩ።
ንዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ብምትሕብባር ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሓገዝ መንግስታት ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣሎ። ነዚ ንምጽናዕ ኣብ ሃገራት ፍረንሳ፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ስዊዘርላንድ፡ ቱኒስያ፡ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ተራኺብካ ሓበሬታ ንምእካብ ጻዕሪ ተኻይዱ እዩ። ብዘይካዚ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኤውሮጳ ናይ ዝኣተዉ 200 መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቃለመጠይቓት እውን ተወሲኽዎ እዩ።

1 comment:

  1. Dom For Eritreans: ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት >>>>> Download Now

    >>>>> Download Full

    Dom For Eritreans: ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት >>>>> Download LINK

    >>>>> Download Now

    Dom For Eritreans: ሰብ መዚ ኤርትራ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት >>>>> Download Full

    >>>>> Download LINK kR

    ReplyDelete