Pages

Thursday, February 27, 2014

ዕዉት ሰሚናር ደለይቲ ለውጢ ብክቡር ዶክተር ተወልደ (ወዲቫካሮ) ኣብ ከተማ ኦስሎ (oslo)


Oslo_vacaro_mass
ረምታ
ኣብቲ ብዕለት 24.02.14 ኣብ ኣሰና ዝተዘርግሐ ዜና፡ “ኣብቲ 150 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ ኣኼባ . . . ፡ ንስድራቤት ወዲዓሊ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተገብረ ናይ ውጽኢት ገንዘብ ጐስጓስ ማዕረ ሓደ ሽሕ ዶላር ከም ዝተዋጽአ . . . ኣስማቶም ክገልጹ ካብ ዘይመረጹ ዜጋታት ድማ ንመቐበሊ ክቡር ሓው ዶክተር ተወልደ (ወዲቫካሮ) ሽዱሽተ ሽሕ ክሮነር ከም ዝወፈዩ . . . “ ዝብል “ኣብቲ 350 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ፡ . . . ንስድራቤት ወዲዓሊ ብስም ጽላል ሓደ ሽሕ (1000 ዶላር) ኣመሪካ፡ ብስም መሓመድ ብርሃን ፍትዊ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ (500 ክሮነር) ኖርወይ. . . ፡ ንመቐበሊ ሓው ዶክተር ተወልደ ቫካሮ ስሞም ክጠቕሱ ዘይደለዩ ዜጋታት ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን (7700 ክሮነር) ከም ተዋጺኡ፡” ተባሂሉ ክእረም ምስናይ ይቕሬታ ነተሓሳስብ።
ዓወት ንህዝቢ!!!
ክቡር ሓውናን ኣቦናን ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲቫካሮ) ብመሰረት ካብ ነዊሕ እዋን ተታሒዙ ዝጸንሐ ቈጸራ መሰረት ዕለት 22.02.14 ኣብ ከተማ ኦስሎ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ ሰፊሕ ሴሚናር ኣካዪዱ። ኣብቲ 150 ዝጽግዑ ተሳተፍቲ ዝተረኽቡዎ ኣኼባ፡ ብመጀመርያ ሓው ባህልቢ ክፍለ ንሓው ተወልደ ቫካሮን ኣጋይሽን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ነቲ ኣኼባ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓው እስጢፋኖስ ተሞልሶ ድማ ንጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ብምውካል፡ ንኣመዓባብላ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ዝምልከት ሓጺር መግለጺ ሂቡ። ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ጸረ ህግደፍ ዝኾኑ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ማሕበራት መንእሰይን በብውልቆም ዝተጠርነፉን ዜጋታት ቃልሶም ንምውህሃድ ብምስምማዕ ኣብ ሓደ ጽላል ካብ ዝጥርነፉ ዛጊት ልዕሊ ዓመት ሓሊፉ ከም ዘሎ፡ ኣብዚ ዝጥቀስ ዘሎ ግዜ ዓበይቲ ዕማማት’ኳ እንተ ተፈጸመ፡ ዛጊት ብዙሕ ዝተርፍ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ምምስራት ጽላል ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ነቲ ሓው ተወልደ ቫካሮ ይኹን ብወገንና ነተኵረሉ ዘለና ምምስራት ዝዓበየ ጥርናፈ ደለይቲ ለውጢ ኤውሮጳ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነፍስወከፍ ደላዪ ፍትሒ ነቲ ዝቕጽል መድረኽ ዕዉት ንምግባር ብዝለዓለ ተወፋይነት ክሳተፍን ቃልሱ ከበራትዕን ተላብዩ።



Oslo_vacaro_chairsቀጺሉ ሓው ዶክተር ተወልደ፡ ናብ ኖርወይ እትው ክብል ኣትሒዙ ብዝተገብረሉ ውዕዉዕ ኣቀባብላን፡ ብዝተዓዘቦ ስሙር ናይ ቃልሲ መንፈስ ዕጉብ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብድሮኡ ኣትሒዙ ምስ ኣካየድቲ ጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኖርወይ ንነዊሕ ሰዓታት ሓሳብ ንሓሳብ ከም ዝተለዋወጠ ኣብሪሁ። ቀጺሉ እቲ ንሱ ዝሓሰቦ ምቛም ሽማግለ ኣብ ኖርወይ ድሮ ተመስሪቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክሰርሕ ምጽንሑ ሓደ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ዝተርፍ ነዚ ኣብ ኖርወይ ተመስሪቱ ዘሎ ጥርኑፍ ናይ ቃልሲ ውዳበ ምስቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝምስረትን ዘሎ ሽማግለታት ከም ዝላለን ርክቡ ከም ዝደልድልን ብምግባር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝለዓለ መድረኽ ከም ዝሰጋገር ምግባር ምዃኑ ኣዘካኺሩ። ኣብ ዝቐጸለ መደረኡ፡ እቲ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣብ 1973 ብሓደ ዘሕዝን ናይ ደሞክራስያውያን ተጋደልቲ ምቕንጻል ሓደ መድረኽ ከም ዝሰገረን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ ይኹን ህግሓኤ ዝነበሮ ትዕዝብቲ ካብ ሽዑ ከም ዝጅምር፡ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ድማ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ግጉይ ቍጠባዊ ፖሊሲ ኢሳያስ ዕዉት ክኸውን ከም ዘይከኣለ ኣነጺሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኢሳያስ ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናብ ገበን ዘእቱ ክንቀሳቐስ ክፍጽም ምስ ተዓዘቦ ካብቲ ጭፍራ ክርሕቕ ከም ዝመረጸ ድሕሪ ምግላጽ፡ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ብገበን ክሕተት ዝግብኦ ጭፍራ ስለ ዝኾነ፡ ደለይቲ ለውጢ ብዚ ጀሚርናዮ ዘለና ተበግሶ ኣብ ኣህጕራዊ ቤትፍርዲ መታን ክንከሶ፡ ነፍስወከፍ ደላዪ ለውጢ ክሳብ ወርሒ ኣርባዕተ ናይዚ ዓመትዚ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ዘ ሄግ (ሆላንድ) ንምኻድ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ምድላዋቱ ክገብር ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ነዚታት ኣብ ምቅልጣፍን ሕጋዊ ባይታ ኣብ ምፍጣርን ዝሰርሑ ሓሙሽተ ብወለንታ ዝሰርሑ ጠበቓታት ድሮ ተዳልዮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ስርዓት ብጽገና ኣተዓራሪኻ ከም ዝቕጽል ንምግባር ዝካየድ ፈተን ብጥብቂ ከም ዝቃወሞን፡ ቃልሱ ድማ ምስ ደለይቲ ለውጢ ብምትሕብባር መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ምዃኑ ንምግላጽ መደረኡ ደምዲሙ።
Vacaro_Oslo_unity
ኣብቲ ዝቐጸለ ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ካብ ተሳተፍቲ ሴሚናር ዝቐረበ ብርክት ዝበለ ዝተፈላለየ ሕቶታት መሊሱ። እቲ ሰዓት 3፡30 ዝጀመረ ኣኼባ ክሳብ ሰዓት 11፡00 ናይ ለይቲ ክቕጽል ከሎ፡ ኣብ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ተሳተፍቲ ናብ መንግስቲ እስራኤል ዝቐርብ ጥርዓን ናይ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሕዋትና ስደተኛታታ ክፍረም ከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየድ ዘሎ ዶብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ሃገራዊ ባርነት ስለዝኾነ ጭፍራ ህግደፍ ክኽሰስ መደብ ከም ዘሎ፡ ከምኡ ክግበር እንተ ኾይኑ ግን ኣብቲ ኣብ ወርሒ 06/2014 ኣብ ጀነቫ ዝግበር ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣኼባ ጭብጥታት ክቐርብ ስለ ዘለዎ፡ ታሪኾም ብወለንታ ክገልጹ ዝደልዩ ክቐርቡ ከም ዘለዎም ተነጊሩ። ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ድማ ድሉውነቶም ኣረጋጊጾም።

ሓውትና ሕርይቲ ብወገና ንስድራቤት ወዲዓሊ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተገብረ ናይ ውጽኢት ገንዘብ ጐስጓስ ማዕረ ሓደ ሽሕ ዶላር ከም ዝተዋጽአን ብስም ጽላል ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ ናብ ማዕከን ስድራቤት ወዲዓሊ ክለኣኽ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣስማቶም ክገልጹ ካብ ዘይመረጹ ዜጋታት ድማ ንመቐበሊ ክቡር ሓው ዶክተር ተውለደ (ወዲቫካሮ) ሽዱሽተ ሽሕ ክሮነር ከም ዝወፈዩ ገሊጻ። ኣብ ዮተቦሪ ዝነብር ሓው ኤፍረም ኢሳቕ (ሓዉ ንዳዊት ኢሳቕ) ብወገኑ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ናይ ዘለዉ ናይ ሕልና እሱራት ኣዝዩ መሳጢ ዝኾነ ብስእሊ ዝተሰነየ ዓቢ ፖስተር ብምድላው ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዘርጊሑ ከም ዝዕዘቡዎ ገይሩ።

እቲ ዕዉት ኣኼባ “ኤርትራውያን ንክንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና፡” ብዝል ድሙቕ ጭርሖ ተዛዚሙ።

ዓወት ንህዝቢ!!!

No comments:

Post a Comment