Pages

Wednesday, October 1, 2014

ሓይሊ ብምጥቃምን ፍልልያት ብምጽሕታርን ሰላም ኣይርከብን

ሰላም ዝደሊ ንመገዲ ሰላም ዘጣጥሕ ስራሓት ሒዙ ምስ ዝጐዓዝ እዩ። ሰላም ብሓይሊ ወይ በስገዳድ ወይ ፍልልያት ብምግፋሕ ፈጺሙ ኣይመጽእን ኢዩ።  በመገዲ ሓይሊ ወይ ፍልልያት ኣቢሉ ዝጓዓዝ ካብ ድሑር ስሚዒታትን ኣንነትን ምጉጅጃልን ዝተላዕለ ንጸረ-ሰላም ዘዕምብብ ስራሓት ኢዩ ዝበቁል። ሰላም ኩሉ ግዜ ንሽግራትካ ተላዚብካ ብግልጺ ብምግላጽ ናብ ናይ ሓባራዊ ረብሓ ዝቋመት ኣንፈት ኢዩ  ዘተሕዘካ። ሰላም ብሓደ ኰንካ ሓቢርካ እትለዓለሉን ንነፍስኻ እትእርመሉን ስለዝኾነ ንኹልኻ ብማዕረ ዝሕብሕብ እውን እዩ።
ናይ ኩልና ድሌት ንለውጢ ቅሩባት ምስእንኸውን እቲ  እንደልዮ ብሓባር ኰንና ድማ ምስ እንትልሞ{ ሽዑ እቲ ሓቀኛ ሰላምን ምርግጋእን ዝፍጠረሉ ባይታ ተመድሚዱ ማለት ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ መላእ ህዝቢ ነቲ ንሱ ዝኸዶ ኣቕጣጫ ብስምምዕ እንተደኣ ቀይሱን ኣሚቱን ንዝኾነ ይኹን ዝፍጠር ሽግር ይኹን ዘጋጥም ፍልልያት ክፈትሖ ጸገም ኣይህልዎን።
ናብዚ ንምብጻሕ ግን ኩልና ኣቕጣጫና ዝጠፋኣና ከይከውን ካብ ብሕጂ ብቕኑዕ ፖለቲካዊ ስነ-ምግባር ክንዕጠቕ የድሊ። ካብኡ ብዝተረፈ ነታ ክንሃንጻ ትጽበና ዘላ ሃገር ባሕይልን፡ ብምክፋእን፡ ምንእኣስን፡ ዘለፋን ትህነጽ ዝመስለና እንተልዩ ካብ መገዲ ሰላም ንመገዲ ጥፍእት መሪጽና ከምዘሎና ክንፈልጥ ይግባእ። ድሮ እውን ቅድሚ ናብ ናይ ሓርነት ምውሓስ ምብጻሕና ነቲ ናይ ሰላም መገዲ ስሒትና ንኸይድ ከምዘሎና ዝእምቱ ነግራት ብዙሓት እዮም። ገለ ካብኦም፡  ነቶም ገዳይም ኣቦታትናን ኣደታትናን ዝፈጸምዎ ቅያን ታሪኽ ኣብ ክንዲ ንምጉስን፡ ነደንቕን፡  ትምህርቲ ንቐስምን ብምቁንጻብን ካብቲ እወንታ ነቲ ኣሉታ ጥራሕ ብምጽብጻብ ሃገር ትህነጽ ዝመስልና ብዙሓት ኣሎና።
እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ኣቦታትን ኣደታትን ንህላዌ ሃገር ብደሞምን ብዐጸምቶምን ክውንቲ ዝገበሩ እንተዘየጽንሑልና ናብቲ ናይ ሓርነታዊ ጉዕዞ ቃልስና ኣይመድሃብናን ነርና። ልክዕ እዩ እቲ ናብ ሰላማዊ ናብራ ከሰጋግረና ዘይከኣለ እቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝተፈጸመ ኣሉታን ዝፈጠሮ  ሽግራትን ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ጸገምና ድማ ነዚ ሽግራት እዝን እቲ ኣሉታን ተመራሚርና ፈውሲ ክንረኽበሉ ኣብ ክንዲ ንጽዕር፣ ክስቶ ብደም ዝጠልቀየ፡ ክስቶ ኣይተዛረበን፡ ክስቶ ንደምበ ተቓውሞ ክዘርግ ዝመጸ ኢዩ እናተባህለ ንኣሉታ ኣሉታ ንውስኸሉ ምህላውና ድማ ሰላም ከይርከብ ይዕንቅጸና።  ወረ ሎሚስ ናብ ኣውራጃታት ምክፋእ ገጽና ብምስግጋርና  ኣውራጃ እከለ ምስቲ ስርዓት፡ ኣውራጃ እከለ ዝተወጸዐ፡ ኣውራጃ እክለ ጨቋኒ ዝብል ሱር ዘይብሉ ጻዕዳ ሓሶት ንነዝሕ ኣሎና። እዚ ከኣ ነቲ ሃገራዊ ስምዒታትናን፡ ሃገራውነትናን ኣዳኺሙ ሰላም ኣብ መንጎና ከምዘይርከብ ገይሩ ጽባሕ ነታ ሃገር ዝከላኸለላ ክትስእን ዝግበር ዘሎ ሽርሒ እውን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ብነንሓድሕድካ ምክፋእን ንፍልልያት ኣብ ክንዲ ምጽባብ መሊስካ ምግፋሕን ሰላም ንጽበ እንተሊና ንሃልሃልታ፡ በንዚና ወይ ላምባ ምውሳኽ ማለት እዩ። ሓይሊን ቅልጽምን ኣሚንካ ንስነ-ፍልጠታዊ ዝኾነ ሕግን ስርዓትን ተኸቲልካ ክትከይድ ኣየኽእልን ኢዩ። ስለዝኾነ እምበኣር ናብ ሰላም ገጹ ዝመርሓና ጉዳይ እንተልዩ ፍልልያትና ወይ እውን ሽግራትና ምጽባብ እምበር ብሓይሊ ይኹን ብመናፍሕ ከምዘይፍታሕ ክናኣምን የድሊ። እዚ ከኣ ብማዕርነትን ፍትሕን ልዕልና ሕግን መሰረት ዝገበረ ክሳብ ናይ ውልቀሰብ ሰባኣዊ መሰላትን ናጽነትን ዝኸብረሉ ሓድነት ንምሕላው ኣብ ትሕቲ ቅኑዕ ብዝኾነ ምሕደራ ክፍታሕ ከምዝከኣል ክንኣምንን ናብኡ ንምብጻሕ ከኣ ብትብዓት ክንቃለስ ይግባእ።  
ሓይልን ቅልጽምን ምፍልላይን ናብ ዘወሃህድን ዘተሓባብርን ኣንፈት ኣየምርሕን ኢዩ። ምኽንያቱ ብቕልጽመይ ዝብል ይኹን ኣብ ፍልልያት ዝነብር ሓይሊ ንሱ ገባርን ሓዳግን ክኸውን ስለዝመርጽ ነቶም ምስኡ ብሓሳብ ዝፈላለዩ ከሳትፍ ይኹን ተሓባብሩ ክሰርሕ ድልውነት ኣየርእን ኢዩ። እዚ ሓይሊ ኣሎኒ ወይ እውን ንፍልልያት ብምጽሕታር፡  ከወጾ ኢየ ዝብል ኣካል ናይ ሕነምፍዳይ ዘለዎን ከይዱ ከይዱ ድማ ብዘይካይ ካልእ የልቦን ናብ ዝብል ስለዝስጉም ንኹሉ ብሃውሪ እምበር ብትዕግስትን ብልቦናን ኣይርእዮን እዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ብሓሳብ ጥራሕ ስለዘተፈለየካ ወይ ንዓይ ወይ ንጸላኢየይ ናብ ዘብል ገጹ ስለዘምርሕ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሑ ሰላምን ቅሳነትን ዝኸልእ እዩ ክኸውን።

No comments:

Post a Comment