Pages

Thursday, April 20, 2017

ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣስተምህሮ ሂቡ

ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ9 ማዝያ 2017 ንኣባላት ሰልፊ ብመንግዲ ኤክትሮኒካዊ መራኸቢ  ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣቶ ሃይለ ዓሚቝ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ  “ጐናዊ ኣተሓሳስባ ንምሕዳስ ሰልፍና ( lateral thinking for renewing our party) » ዝብል እዩ። ንሱ ኣብዚ ኣስተምህሮኡ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓንሳብ ኣብ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ ምድራቕ ዘይኮነ ንዝፍጠር ምዕብልናታት ዝምጥን ዝጋጥሙ ጸገማት ንምፍታሕ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ምምዕባል ናይ ዓወት ውሕስነት ምዃኑ ብኣብነታትን ዕዉት ተመኩሮታትን እንዳሰነየ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ኣብ መስርሕ ሓደ ቅኑዕ ኢልካ ዝኣመንካሉ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ናብ መድረኽ ምምጻእ ሃናጺ ኮይኑ፡ እንተኾነ « ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ እቲ ካልእ ግና ግጉይ እዩ » ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ምርሓቕን ንጉዳያት ኣስፊሕካ ምርኣይን ከም ዘድሊ ኣብሪሁ። ብመንጽር እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ሰባት ኣብ ዝተሰርሐ ጉዳይ ሚዛን ኣብ ምሃብን ምንቃፍን ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ምምስርሑ ኮይኖም ከበርክቱ እንከለዉ ናብ ምዕቡል ውጽኢት ከም ዝመርሕ ገሊጹ። ናይ ለውጢ ወናኒ ወይ ተጠቃሚ ክትከውን፡ ኣቐዲምካ ንገዛእ ርእስኻ ክትልውጥ የድሊ ዝበለ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ እትደልዮ ምዕባለን ለውጥን ካብ ኢድ ካለኦት ምጽባይ ዘይኮነ ናትና ኣበርክቶ ክንሕውስ ናይ ግድን ብዛዕባ ምዃኑ ከኣ ተንቲኑ።

Thursday, April 13, 2017

CONCERNS OVER PLANS FOR ERITREAN CONFERENCE IN NETHERLANDS


Eritrean Flag
Eritrean flag. Photo: Achim Raschka / Wikimedia Commons

A number of politicians in The Hague are concerned about a conference for supporters of the Eritrean dictatorial regime that is planned for the Netherlands, NOS reports based on information from OneWorld.
The gathering will be the annual European conference for youth wing of the only party allowed in Eritrea. It is not yet clear when and where the conference will be held. But according to the broadcaster, it will be in the Netherlands and in the next couple of days. Around 650 people are expected to attend. 
OneWorld has "strong indications" that one of the attendees will be the right hand man of Eritrean president Isaias Afwerki. He often attends this type of gathering, during which he informs people about how they can serve their country. 
Some 20 thousand Eritreans live in the Netherlands. Last year people from Eritrea formed the second largest group of asylum seekers in our country. According to the UN, the Eritrean government violates human rights on a large scale.
A number of parliamentarians are concerned about this conference, wondering whether the presence of Afwerki's right hand man will constitute a treat to public order in the Netherlands, NOS reports. A number compared this situation to Turkish ministers who wanted to campaign in the Netherlands for a Turkish referendum a few weeks ago. The Dutch government denied them access to the country, resulting in a diplomatic fallout between the Netherlands and Turkey. 

Saturday, March 25, 2017

ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ካብ ውግእ ብዘይንእስ ኣስጋኢ ኮይኑ ዘሎ ድርቅን ንሱ ዘስዕቦ ጥሜትን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ዝረጋገጽ ዘሎ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ናብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ክንቋመት እንከለና፡ ብፍላይ እዚ ሃገርና እትርከበሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ካብኡ ናብኡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ካብተን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዞባ ብሓያል ደርቅን ጥምየትን ተጠቒዐን ዘለዋ እየን። ኢትዮጵያ እውን ከባቢ 5 ሚልዮን ካብ ህዝባ በዚ ደርቂ ተጠቒዑ ከም ዘሎ ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ። ናይዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ብደርቂ ምህሳይ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ናይ ዜና ማዕከናትን ዝተቓለሐ ኮይኑ ናይቲ መቃልሕ መሰረት ድማ ናይተን ሃገራት መንግስታት ህይወት ህዝቦም ንምድሓን ዘካየድዎ ድህሰሳን ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ዘቕረብዎ ናይ ህይወት ኣድሕን መጸዋዕታ እዩ።
ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ኣስታት 34-38 ሚልዮን ህዝቢ ብደርቂ ዝተጠቕዓሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ እትርከብ። ኤርትራ ካብተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት ብዝያዳ ብደርቅን ጥሜትን ክትጥቃዕ ዝሰፈሐ ዕድል እንዳሃለዋ፡ እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ህግደፍ ነዚ ብዝምልከት ዝተ

Thursday, March 2, 2017

ኤርትራ፡ ቃልሳ ኮነ ህልውነኣ ናይ ኩልና እዩ

ዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽ ብዙሑነት ዝነበሮን ዘለዎን ህዝቢ እዩ። ሃይማኖቱ ከኣ ካብቲ መርኣያ ብዙሕነቱ ሓደ’ዩ። ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ክለዓል እንከሎ እዚ ብዙሕነት ዝወለዶ ናይ “እዚ መንገዲዚ’ባ ይሓይሽ” ፍልልይ ክንጸባረቕ ባህርያዊ እዩ። እዚ ተሓቚኑ ምስ ጸዓየ ግና ሓይልን ዓቕምን እዩ ዝወልድ። ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማዩ ክርስትያኑ እውን ኣብ ክሉ መድረኽን ኣጋጣምን ካብ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነ ንኡስ ሓሳባት ምፍልላይ ሓሊፉ፡ ሓዲኡ ነቲ ሓደ ኣግሊሉ ጉዳይ ኤርትራ “ናይ በይነይ ጉዳይ’ዩ” ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ካብዚ ዝነቐለ ከኣ እዩ፥ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ መተካእታ ዘይነበሮ መሰሉ ንምምላስ ካልእ ካብኡ ዝፈኾሰ መንገዲ ስለ ዘይነበሮ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ክቡር ህይወት ዝገበረ። ቃልሲ መሪርን ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋን ንብረትን ዘኽፍል እዩ።
ኣብዚ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝወሰደ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ተቓሊሱ። እዚ ድማ ኩሉ ነቲ ወጽዓ “ኣብ ልዕሊ ኩልና ዝተጻዕነ ኣርዑት እዩ” ኢሉ ይኣምነሉ ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ። ኤርትራዊ ናብ ቃልሲ ክስለፍ እንከሎ ናብኡ ዘሰልፎ ስሕበት እቲ ዝዕዘቦ ዝነበረ ወጽዓን ዘማዕድዎ ዝነበረ ናጽነትን እምበር፡ መሓመድ ድዩ ገብረግዝኣብሄር ናይቶም ቅድሚኡ ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሩ ፍሩያት ስምን ዝናን ኣይነበረን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ’ቲ በረታዊ ምንቅስቓስ ክጅምር እንከሎ፡ በቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ ብዙሓት ወጻእተኛታት ዘራጊ ዕግርግርን ምትእትታውን ዝተጸልወ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብሰንኪ እዚ ጽልዋ’ዚ ከኣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰኑ ክውግኖም ዝነበሮ ከይወገነ ዝተበገሰ ምንባሩ ከም ኣካል ታሪኽ ቃልስና ቦታኡ ዝሓዘ እምበር እናሻዕ ሓድሽ መዋጸኦ ሓሳብ ምምጻእ ክኣብየካ እንከሎ እናጠወቕካ እትውለዖ መፈራርሒ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣባና ከም ብርቂ ዝውሰድ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነ ከም ናትና ተመኩሮ ዘለዎ ቃልስታት ዘጋጥም እዩ።

Sunday, February 12, 2017

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ኣብ ሕድሪ ጀጋኑና

ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብኣቋጻራ በርሊን ካብ 11 ናብ 12 ለካቲት 2017 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ መስመር ሕድሪ ጀጋኑና ንልዕሊ 4 ሰዓታት ዝቐጸለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ርክብ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ “ ግጉይ ኣጀማምራ ድሕሪ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘለናዮ ሃለዋት ከመይ ይጸልዎ"፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ’ዩ ነይሩ።

ኣቶ ወልደየሱስ ኣብቲ ዘቕረቦ መጽናዕቲ እቲ ኣብ 1991 ንሓይሊ መግዛእቲ ኣወጊዱ ስልጣን ዝጨበጠ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ሓላፍነት ወሲዱን ኣርሒቑ ጠሚቱን ንኹሉ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ግደን ህዝባዊ ጽልዋን ዝነበሮ ወገናት ዘሳትፍመድረኽ ዘይምፍጣሩ ናይዚ ዘለናዮ ሃለዋት ጠንቂ ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰንዩ ገሊጹ። ንሱ ኣተሓሒዙ እቲ ግንባር ድሕሪ ናጻነት ዝተኸተሎ ግጉይ ኣገባብ ሽዑ ዝጀመረ ዘይኮነ ቅድም እውን ዝነበረን ምእንቲ መስርሕ ናጽነት ከይዕንቀፍ ሸለል ኢልካ ክሕለፍ ዝጸንሐን ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ብምዕራፋት ከፋፊሉ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ እቶ ወልደየሱስ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ታሪኽ ዘይዝንገዖ ሓርበኝነት ከም ዝፈጸሙ  ጠቒሱ፡

Saturday, January 28, 2017

ንሓድሽ ዓመት፤ ብሓድሽ መንፈስ ናይ ቃልሲ

ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ዝርከብ ጨንፈር ሰዲህኤ ንሓድሽ ዓመት ብሓዱሽ ናይ ቃልሲ መንፈስን ናህርን ንምግጣም ብዕለት 22.01.2017 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ጀሚሩ። ኣኼባ ሰዓት 13፡00 ዝጀመረ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ  ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 14.01.2017  ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተኛታት ንገለ ደቓይቕ ደውታ ክፍጸም ምሕባሩ እዩ ተኸፊቱ።
ቀጺሉ፡  ሽማግለ ጨንፈር፡ እዚ ኣኼባ‘ዚ ዓመተ 2016 ተወዲኡ ናይ ዓመተ 2017 ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብምዃኑ፡ ተኣትዩ ዘሎ ዓመት፡ ዓመተ ራህዋን ዓወትን ክንቅይሮ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ድሕሪ ምግላጽ፥ ኣብ ዓመተ 2016 ብህግደፍ እናከፍአ ክኸይድ ዝጸንሐ ፍጻሜታትን፡ ብኣንጻሩ ድማ ብደንበ ተቓውሞ  ይኹን ብህዝብና ብጠቕላላ ዝተፈጸሙ  ጸረ ስርዓት ህግደፍ  ዝኾኑ ናይ ተቓውሞ ንጥፈታትን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ተዋሂቡ።
ስዒቡ፣  ኣብቲ ቀንዲ ንኣተሃላልዋ መንእሰያት ዝምልከት መዛረቢ ዛዕባን  ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017 ክቃለሱሉ ዘለዎም ጉዳያትን ብምእታው፤ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ።

Sunday, January 8, 2017

ስርቂ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ መመሊሱ ይስዕርር!

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ናይ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ቀንዲ ተሓባባሪት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝተታሕዘት ግዱሳት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እታ ናይ ስርቂ ተሓባባሪቱ ጥራይ ዘይኮነት ውሽማኡ ተባሂላ’ውን እትሕመ እቶም ምንጭታት ስማ ክጠቕሱ ዘይደለዩ ወይዘሮ ዝተታሕዘት ኣስታት 45 ኪሎ ወርቅን 500 ሺሕ ሓድሽ ናቕፋን ናይቲ ጀነራል ሒዛ ናብ ዱባይ ክትገሽ እንከላ እያ።
እቶም ምንጭታት ከም ዝብልዎ እዛ ሰበይቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብዚ ተግባርዚ ተዋፊራ ናይቲ ጀነራል ተቓባሊት ሌባ ምንባራ ትሕመ እያ። ብፍላይ ኣብቲ ዝተታሕዘትሉ ዕለት ነቲ መንገዲ ስርቂ ንምጥጣሕን ናይ መፈተሺ ኤለክትሮኒካዊ መፈተሺ ከም ዘይሰርሕ ንምግባርን ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ሓይሊ ኤለክትሪክ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣቋሪጹ ነይሩ። እንተኾነ ኣብቲ ስራሕ ተመዲቦም ዝነበሩ፡ በቲ ሓደ ወገን ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሓበሬታ ዝነበሮም፡ በቲ ካልእ ድማ ምስ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪን ጥርጠራ ስለ ዝሓደሮም፡  ብዝገበርዎ ጐርጓር እቲ ወርቅን ናቕፋን ተረኺቡ።
ድሕሪኡ እቶም ዝሓዝዋ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ናብ ዝምልከቶ ጸብጻብ ምስ ገበሩ’ሞ ጀነራል ፍሊጶስ ሰሚዑ ኣብቲ ንሱ ብመንገዲ ወዲ ከበደ ዝበሃል ኣዛዚ ኣቢሉ ዝቆጻጸሮ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብዮቱ ክትእሰር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ እቲ ጉዳይ ከይተወዓውዐ ንዓኣ ፈቲሒ ንምድፋኑ ንክጥዕሞ እዩ።
እንተኾነ ነቲ ጉዳይ ዝሓዝዎ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት እቲ ጉዳይ ናብቲ ንሕና እነመሓድሮ ቤት ማእሰርቲ እምበር ናብቲ እቲ ጀነራል ከም ድላዩ ዝገብረሉ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ኣይንሰድድን ስለ ዝበሉ ምስሕሓብ ተፈጢሩ፡ ናብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ስለ ዝበጸሐ እታ ጥርጥርቲ ናብ ዓዲ ኣብየቶ ዘይኮነስ ናብቲ ኣብ ከተም ኣስመራ ኣብ ስዉር ቦታ ዝርከብ ክፍሊ ምርመራ ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝተላእከት ክፍለጥ ተካኢሉ። እዚ ኣጋታሚ ነቲ ክብ ለጠቕ ክብል ዝጸንሐ ዝምድና ኢሳይያስን ፍሊጶስ ኣብ ሓደ ከውድቖ እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ዋላ እቶም ዓበይቲ ትካላት ዘንቀሳቕሱ ዝበሃሉ ኣካላት፡ ካብ 20 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ዘየንቀሳቕስሉ ግዜ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ናብ ደገ ክወጽእ ምትሓዙ ነብሱ ዝኸኣለ መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ከም ዝግምትዎ እዚ ሓድሽ ናቕፋ ኣብ ደገ ናብ ዶላር ክቕየር ተሓሲቡ ዝነበረ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ጀነራል ፍሊጶስ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ወርቅን ካልእ ዘይሕጋዊ ንግድን ብክቱር ከም ዝዋሳእ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።