Pages

Wednesday, August 2, 2017

ብህላወ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ሓቀኛ ዕርቂ ክረጋገጽ ኣይኽእልን’ዩ?

ክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-
ኣብ ጉዕዞ 26 ናይ ነጻነት ዓመታት ብሰንኪ በሓቲ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ፡ ክበጽሕ ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት፡ ኣሽንኳይ’ዶ ንዓና ነቶም ዋናታቱ ንዓለም ምሉእ’ውን ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለጽ ዝኽእል ጨካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዘይተተንከፈ ባእታ፡ ስድራ ቤት፡ ብሄርን ሃይማኖትን ፍጹም የልቦን። ብሳዕቤኑ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራዊ ዜጋ ዘይነጠባ ክፍለ-ዓለምን ሃገርን ዳርጋ የለን እንተተባህለ ፍጹም ምግናን ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኤርትራ ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነታ ምጭባጣ ካብተን ብምንጪ ስደተኛታት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝተሰርዓ ሃገራት ክትስራዕ ታሪኻዊ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ ነጻነት ዘለዎ ሰላማዊ ሂወትን ርጉእ መነባብሮን ንምምራሕ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንምስግጋር ኣብ ዘካይዶ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ብደላሎ ሰብ ዘጓንፎ ቁጠባዊ ምዝመዛ፡ ጭፍጨፋ፡ መጨውይቲ፡ መሸጣን ኣካላዊ ብዝበዛን ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ክስተት’ዩ።

Monday, July 10, 2017

ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ

ህይወት ሰባት ሓባራዊ እዩ። እዚ ሓባራውነት ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት ኣብ ስራሕ፡ ንግዲ፡ ቃልስ ሓጐስን ሓዘንን ኮታ ኩሉ ዕለታዊ ምንቅስቓስን ዝንጸባረቕ እዩ። ሓባራውነት ኣብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ዘተኩር ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ናይ ሓሳባት ምጽልላውን ምድግጋፍን እውን ዘንጸባርቕ እዩ። ሰባት ነዚ ዘይተርፍ ምጽልላው ክገልጹ እንከለዉ “ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ” ብዝብል ይገልጽዎ። እዚ ሓባራውነትን ምጽልላውን ብምትእምማን ክስነይ እንከሎ ዝያዳ ጠቓሚ ይኸውን። ኣብ ሚዛኑ ዘይሓለወ ምክሕሓድ፡ ምንዕዓቕን ምጥርጣርን ዝሰረተ እንተኾይኑ ግና ውጽኢቱ ሃናጺ ኣይከውንን እዩ። እዚ ሓባራዊ ምጽልላው ብምትሕልላይ ጥራይ ዘይኮነ ብሕጊ ዝሕለወሉ ኩነታት እውን ኣሎ።
ሓባራውነት ኣብ ሕድሕዶም  ዝጻረሩ ግና ድማ ተኸኣኢሎም ዝኸዱ ስምዒታት እዩ ዝነብር። ናይ ዕድመ፡ ናይ ጾታ፡ ትምህርቲ፡ ሃብትን ሓላፍነትን ፍልልያት ነቲ ተጻራርነት ካብ ዝወልዱ መዕቀንታት እዮም። እቲ ተጻራርነት ብብዙሕ መልክዑ ዝግለጽ ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ሓደ ዛዕባ ብዝፍጠር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ ዝቃነ። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣተሓሳስባኦም ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ሓንሳብ ምስ ተታሕዘ ኣብኡ ዝነብር ዘይኮነ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ እዩ ዝነብር።

Thursday, June 15, 2017

ኣብ ኤርትራ ሓለፍቲ ፕሮግራም ዕቤት ሕቡራት ሃገራት ተሓለቕቲ ጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ብምዃኖም ተኸሲሶም

ክልተ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላት፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ኣብ ዝለኣኽዎ ተሪር መልእኽቲ፡ ንወ/ሮ ክሪስቲን ኡሙተኒ ኣብ ኤርትራ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲት ሰብኣውነትን ወኪል ልምዓትዊ ፕሮግራምን ሕጋውን ርትዓውን ኣሰራርሓ ናይቲ ትካል ብምጥሓስ ናይ ጨቋኒ መንግስቲ ኤርትራ ተሓላቒትን መሳሳይትን  ብምዃነን  ተኸሲሰን። ምስአን ኣብ ክንዲ ወጻዒ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም ብምስራሕ ዝተኸሱ ከኣ ኣብ ኤርትራ ክኢላ ልምዓታዊ ፕሮግራም ኮይኖም ዝተመደቡ ኣቶ መንሱር ኤ ሚርዛ እዮም።
ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝግደስ ማእከልን ዓለም ለኻዊ ክርስትያናዊ ምሕዝነትን ብ7 ሰነ 2017 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ኣንጻር ተልእኮ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ዘለዉ ብህጹጽ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንክወስድ ተማሕጺኖም። እቲ መልእኽቲ እዞም ኣካላት ብንጹር ኣብ ከክንዲ ጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ብምስርሖምን ኣንጻር ተልእኮ ሕቡራት ሃገራት ምዃኖምን ጠቒሱ።

Friday, May 19, 2017

ብሕታዊ ንግዳዊ ትካላት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስለያ

ስርዓት ህግደፍ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ትካላት ዝዘርግሖ መርበብ ስለያ ዝያዳ ከም ዘሕየሎ ካብ መርበብ ዓዋተ ዝሰፈረ ሓበሬታ ገሊጹ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ሰራሕተኛታት ስለያ ሃገራዊ ድሕነት ናብቶም ነቲ መንግስቲ ህግደፍ ዘውጸኦ ናይ ቸክ ስርዓተ ምንቅስቓስ ናቕፋ ጥሒሶም፡ ጥረ ገንዘብ የንቀሳቕሱ ኣለዉ ዝበሃሉ ነጋዳ ኣድሂቦም ኣለዉ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ እንከሉ ብመንጽር ንትካላትን ንውልቀሰባት ዝመደቦ ዓቐን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ባንክ ዘሎ ካብቲ ዝተጸበዮ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑን፡ ነቲ መምርሒ ጥሒሶም ጥረ ገንዘን ዝሓብኡ ወገናት ከም ዝህሰዩን ከከም ክብደት ናይቲ ጉዳይ ከም ዝእሰሩን ትካላቶም ከም ዝዕጾን እውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ብመሰረት እቲ ስርዓት ኣውጺእዎ ዘሎ ሕጊ፡ ኣብ ባንክ ሕሳብ ዘለዎም ኣብ ወርሒ 5 ሺሕ ናቕፋ ወጻኢ ይግበሩ፡ እንተኾነ ነዚ 5ሺሕ ኣብ ምንታይ ከም ዘውዓልዎ መረጋገጺ እንተዘይኣቕሪቦም ዋላ ኣብ ሕሳቦም ገንዘብ ይሃልዎም ቀጻሊ ከውጽኡ ኣይፍቀደሎም እዩ።

Saturday, May 6, 2017

ሰደህኤ ንሆላንድ የመስግን፡ መንግስታት ኤውሮጳ ኣሰራ ክስዕቡ ይጽውዕ

ልሲ ደሞክራሲ ህዝቢ  ኤርትራ (ሰደህኤ) ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተራት ኢውሮጳ ኣብ ዝለኣኾ ተደጋጋሚ መዘክራት፡ መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ 2016-2017 ነቲ ፓርላማ፡ ቤት ምኽሪ ሚንሲተራትን ናይ ፍርዲ ኣካላትን ሆላንድ ክወስድዎ ዝጸንሑ መርገጻትን ናይ 14 ማዝያ 2017 ውሳነ ከንቲባ ከተማ ቨልደሆቨን ንምእጋድ ኮንፈርንስ ደገፍቲ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ኤርትራ እንተላይ እቶም ኤሪ-ደም ዝብል መለልይ ዝለጠፉ መንእሰያት እገዳ ኣስዒቡ እዩ። እዚ ኮንፈረንስ ብላዕለዋይ ኣማኻሪ ዲክታቶር ኢሳይያስን ካብቶም ብተደጋጋሚ ሰብኣዊ መሰል ብምግሃስ  ብሕቡራት መንግስታት ብገበን ካብ ዝኽሰሱ ሓደ ከም ዝኾነ ዝግመትን የማነ ገብረኣብ ክምራሕ ዝተመደበ እዩ ነይሩ። 
ሰደህኤ ናይ ኩሉ መዘክራቱ ቅዳሕ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሆላንድ ብርት ኮየንደርስ ካብ ምስዳድ ሓሊፉ፡  ንኹሎም ብዘይምስልካይ ንወጻዒ ተግባራት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገሮም መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ክንፊ መንእሰይ ህግደፍን ክቃወሙ ንዝጸንሑ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣመስጊኑ። 
  “ብኽብረትኩም ንኣካላት ወጻዒ ኣካል ኤርትራ ኣብ ሃገራትኩም ዕድል ኣይትሃቡ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝተዳለወ፡ መዘክራት  ሰደህኤ፡ ናብ እዞም ዝስዕቡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤውሮጳ ተላኢኹ እዩ። ወ/ሮ ዋርጎት ዋልስትሮየም ናይ ሽወደን፡ ሲግማር ጋብርኤል ናይ ጀርመን፡ ቦሪስ ጆንሶን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ላዩረንት ፋቡይስ ናይ ፈረንሳ፡ ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ ናይ ጣልያን፡ ዲዴር ረይንደርስ ናይ በልጅም፡ ቦርጅ ብረንደ ናይ ኖርወ፡ ኣንድረስ ሳሙየልሰን ናይ ደንማርክን ዲዴር ቡርካልተር ናይ ስዊዘርላንድ።

Thursday, April 20, 2017

ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣስተምህሮ ሂቡ

ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ9 ማዝያ 2017 ንኣባላት ሰልፊ ብመንግዲ ኤክትሮኒካዊ መራኸቢ  ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣቶ ሃይለ ዓሚቝ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ  ጐናዊ ኣተሓሳስባ ንምሕዳስ ሰልፍና ( lateral thinking for renewing our party) » ዝብል እዩ። ንሱ ኣብዚ ኣስተምህሮኡ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓንሳብ ኣብ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ ምድራቕ ዘይኮነ ንዝፍጠር ምዕብልናታት ዝምጥን ዝጋጥሙ ጸገማት ንምፍታሕ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ምምዕባል ናይ ዓወት ውሕስነት ምዃኑ ብኣብነታትን ዕዉት ተመኩሮታትን እንዳሰነየ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ኣብ መስርሕ ሓደ ቅኑዕ ኢልካ ዝኣመንካሉ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ናብ መድረኽ ምምጻእ ሃናጺ ኮይኑ፡ እንተኾነ « ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ እቲ ካልእ ግና ግጉይ እዩ » ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ምርሓቕን ንጉዳያት ኣስፊሕካ ምርኣይን ከም ዘድሊ ኣብሪሁ። ብመንጽር እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ሰባት ኣብ ዝተሰርሐ ጉዳይ ሚዛን ኣብ ምሃብን ምንቃፍን ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ምምስርሑ ኮይኖም ከበርክቱ እንከለዉ ናብ ምዕቡል ውጽኢት ከም ዝመርሕ ገሊጹ። ናይ ለውጢ ወናኒ ወይ ተጠቃሚ ክትከውን፡ ኣቐዲምካ ንገዛእ ርእስኻ ክትልውጥ የድሊ ዝበለ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ እትደልዮ ምዕባለን ለውጥን ካብ ኢድ ካለኦት ምጽባይ ዘይኮነ ናትና ኣበርክቶ ክንሕውስ ናይ ግድን ብዛዕባ ምዃኑ ከኣ ተንቲኑ።

Thursday, April 13, 2017

CONCERNS OVER PLANS FOR ERITREAN CONFERENCE IN NETHERLANDS


Eritrean Flag
Eritrean flag. Photo: Achim Raschka / Wikimedia Commons

A number of politicians in The Hague are concerned about a conference for supporters of the Eritrean dictatorial regime that is planned for the Netherlands, NOS reports based on information from OneWorld.
The gathering will be the annual European conference for youth wing of the only party allowed in Eritrea. It is not yet clear when and where the conference will be held. But according to the broadcaster, it will be in the Netherlands and in the next couple of days. Around 650 people are expected to attend. 
OneWorld has "strong indications" that one of the attendees will be the right hand man of Eritrean president Isaias Afwerki. He often attends this type of gathering, during which he informs people about how they can serve their country. 
Some 20 thousand Eritreans live in the Netherlands. Last year people from Eritrea formed the second largest group of asylum seekers in our country. According to the UN, the Eritrean government violates human rights on a large scale.
A number of parliamentarians are concerned about this conference, wondering whether the presence of Afwerki's right hand man will constitute a treat to public order in the Netherlands, NOS reports. A number compared this situation to Turkish ministers who wanted to campaign in the Netherlands for a Turkish referendum a few weeks ago. The Dutch government denied them access to the country, resulting in a diplomatic fallout between the Netherlands and Turkey.