Pages

Friday, September 15, 2017

ሰዲህኤ- ጨንፈር ቶሮንቶ ምስ ግዱሳት ተቓለስቲ መንእሰያት ኤሪትራውያን ኣኼባ ኣካይዱ

ትማሊ ሓሙስ 7 መስከረም 2017 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ጨንፈር ቶሮንቶ ምስ ግዱሳት ተቓለስቲ መንእሰያት ኤሪትራውያን ተቐማጦ ቶሮንቶ ብምርኻብ ምርድዳእ ዝመልኦ ምይይጥ ኣካይዱ።

እቲ ኣኼባ ብመንፈስ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ተታሓሒዝዎ ዘሎ፡ ኩሉ ጸረ ምልኪ ዝቃለስ ክፍልታትን ሓይልታትን ህዝብናን ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብቲ ከም ህዝቢ ንሳቐየሉ ዘሎና ናይ ምንጽጻግን ምፍልላይን  ተመኩሮ  ተማሂርና ንሓደ ህዝባዊ ዕላማ ብሓደ ኰንካ ምስራሕ ዝብል ተበግሶ ማእከል ዝገበረ ኮይኑ፡ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብዕምቈት ተመያይጡሎም።
1,    ራእይን ድሕረ ባይታን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ
2,    ኣድላይነት ውደባ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ
3,    ግደ መንእሰያት ኣብዚ ንህላዌ ህዝብን ሃገርን ኤሪትራ ዝፈታተን ዘሎ ተሃዋሲ ህሞት
4,    ተኻፈልቲ ኣኼባ፣ ሓይልታት ተቓውሞ ንምቅርራብ፡ ሰልፊ ዲሞራሲ ህዝቢ ኤሪትራ  ሒዝዎ ዘሎ ተበግሶ መዚኖም፡ ብፍላይ ግን ኣብቲ ኣገዳስነት ውደባ ዝብል ኣምር ዓሚቕን ሓባራውን መረዳእታ ምምዕባል ኣገዳስነት ከምዘሎዎ ንመላኺ ስርዓት ቀንዲ ዘስግኦ’ውን ናይ ህዝቢ ምውዳብ ምዃኑ፡ እቲ ናይ መንእሰያት ኤሪትራ ዘይምውዳብ ቀንዲ ምኽንያት ምንዋሕ ዕምሪ ውልቀ መለኽቲ ስለዝኾነ መንእሰያትና ብዘይምውዳቦም ንምልኪ ዘገልግል ምዃኑ ተረዳዲኦም።

ኣባላት ጨንፈር ቶሮንቶ ንተሳተፍቲ መንእሰያት ብተግዳስነቶምን ደገፎን ኣመስጊኖም፡ ኮምኡ’ውን እቶም ዝተሳተፉ መንእሰያት ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ዘሎዎም ኣድናቖትን ደገፍን ገሊጾም፡ ቀጻሊ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ከካይዱ ብምስምማዕ ድማ ኣኼባ ደምዲሞም።

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

Saturday, September 2, 2017

ሓባራዊ ቃል

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላትን መሪሕነትን ማሓዙት ውድባት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን 
ዝከበርኩምን ዝኸበርክንን ወከልቲ ማሓዙት ውድባትን ማሕበራትን፣ ዕዱማት ኣጋይሽናን።
ኣቀዲምና ብስም ጨናፍር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ብምቕራብ፣ ሒዝናዮ ዘለና መድረኽ ናይ ቃልሲ ናይ ኩልና ዓቅምን ግጥምያን ዘድልዮ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጥን ጽቡቕ ናይ ኤርትራን ህዝባን ይደሊ ዕማም ብምዃኑን ዓዳምን ተዓዳምን የዘድልዮ እዃ እንተዘኮነ ንመጸዋዕታና ኣኽቢርኩም፡ ካብ ርሑቁን ቀረባን ኣብዚ ታሪኻዊ ሓባራዊ ጽምብል ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ምስታፍኩም፣ ክብ ዝበለ ምስጋና ከነቕርበልኩም ደስ ይብለና።

Wednesday, August 2, 2017

ብህላወ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ሓቀኛ ዕርቂ ክረጋገጽ ኣይኽእልን’ዩ?

ክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-
ኣብ ጉዕዞ 26 ናይ ነጻነት ዓመታት ብሰንኪ በሓቲ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ፡ ክበጽሕ ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት፡ ኣሽንኳይ’ዶ ንዓና ነቶም ዋናታቱ ንዓለም ምሉእ’ውን ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለጽ ዝኽእል ጨካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዘይተተንከፈ ባእታ፡ ስድራ ቤት፡ ብሄርን ሃይማኖትን ፍጹም የልቦን። ብሳዕቤኑ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራዊ ዜጋ ዘይነጠባ ክፍለ-ዓለምን ሃገርን ዳርጋ የለን እንተተባህለ ፍጹም ምግናን ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኤርትራ ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነታ ምጭባጣ ካብተን ብምንጪ ስደተኛታት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝተሰርዓ ሃገራት ክትስራዕ ታሪኻዊ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ ነጻነት ዘለዎ ሰላማዊ ሂወትን ርጉእ መነባብሮን ንምምራሕ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንምስግጋር ኣብ ዘካይዶ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ብደላሎ ሰብ ዘጓንፎ ቁጠባዊ ምዝመዛ፡ ጭፍጨፋ፡ መጨውይቲ፡ መሸጣን ኣካላዊ ብዝበዛን ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ክስተት’ዩ።

Monday, July 10, 2017

ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ

ህይወት ሰባት ሓባራዊ እዩ። እዚ ሓባራውነት ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት ኣብ ስራሕ፡ ንግዲ፡ ቃልስ ሓጐስን ሓዘንን ኮታ ኩሉ ዕለታዊ ምንቅስቓስን ዝንጸባረቕ እዩ። ሓባራውነት ኣብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ዘተኩር ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ናይ ሓሳባት ምጽልላውን ምድግጋፍን እውን ዘንጸባርቕ እዩ። ሰባት ነዚ ዘይተርፍ ምጽልላው ክገልጹ እንከለዉ “ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ” ብዝብል ይገልጽዎ። እዚ ሓባራውነትን ምጽልላውን ብምትእምማን ክስነይ እንከሎ ዝያዳ ጠቓሚ ይኸውን። ኣብ ሚዛኑ ዘይሓለወ ምክሕሓድ፡ ምንዕዓቕን ምጥርጣርን ዝሰረተ እንተኾይኑ ግና ውጽኢቱ ሃናጺ ኣይከውንን እዩ። እዚ ሓባራዊ ምጽልላው ብምትሕልላይ ጥራይ ዘይኮነ ብሕጊ ዝሕለወሉ ኩነታት እውን ኣሎ።
ሓባራውነት ኣብ ሕድሕዶም  ዝጻረሩ ግና ድማ ተኸኣኢሎም ዝኸዱ ስምዒታት እዩ ዝነብር። ናይ ዕድመ፡ ናይ ጾታ፡ ትምህርቲ፡ ሃብትን ሓላፍነትን ፍልልያት ነቲ ተጻራርነት ካብ ዝወልዱ መዕቀንታት እዮም። እቲ ተጻራርነት ብብዙሕ መልክዑ ዝግለጽ ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ሓደ ዛዕባ ብዝፍጠር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ ዝቃነ። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣተሓሳስባኦም ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ሓንሳብ ምስ ተታሕዘ ኣብኡ ዝነብር ዘይኮነ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ እዩ ዝነብር።

Thursday, June 15, 2017

ኣብ ኤርትራ ሓለፍቲ ፕሮግራም ዕቤት ሕቡራት ሃገራት ተሓለቕቲ ጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ብምዃኖም ተኸሲሶም

ክልተ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኣካላት፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ኣብ ዝለኣኽዎ ተሪር መልእኽቲ፡ ንወ/ሮ ክሪስቲን ኡሙተኒ ኣብ ኤርትራ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲት ሰብኣውነትን ወኪል ልምዓትዊ ፕሮግራምን ሕጋውን ርትዓውን ኣሰራርሓ ናይቲ ትካል ብምጥሓስ ናይ ጨቋኒ መንግስቲ ኤርትራ ተሓላቒትን መሳሳይትን  ብምዃነን  ተኸሲሰን። ምስአን ኣብ ክንዲ ወጻዒ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም ብምስራሕ ዝተኸሱ ከኣ ኣብ ኤርትራ ክኢላ ልምዓታዊ ፕሮግራም ኮይኖም ዝተመደቡ ኣቶ መንሱር ኤ ሚርዛ እዮም።
ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝግደስ ማእከልን ዓለም ለኻዊ ክርስትያናዊ ምሕዝነትን ብ7 ሰነ 2017 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ኣንጻር ተልእኮ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ዘለዉ ብህጹጽ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንክወስድ ተማሕጺኖም። እቲ መልእኽቲ እዞም ኣካላት ብንጹር ኣብ ከክንዲ ጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ብምስርሖምን ኣንጻር ተልእኮ ሕቡራት ሃገራት ምዃኖምን ጠቒሱ።

Friday, May 19, 2017

ብሕታዊ ንግዳዊ ትካላት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስለያ

ስርዓት ህግደፍ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ትካላት ዝዘርግሖ መርበብ ስለያ ዝያዳ ከም ዘሕየሎ ካብ መርበብ ዓዋተ ዝሰፈረ ሓበሬታ ገሊጹ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ሰራሕተኛታት ስለያ ሃገራዊ ድሕነት ናብቶም ነቲ መንግስቲ ህግደፍ ዘውጸኦ ናይ ቸክ ስርዓተ ምንቅስቓስ ናቕፋ ጥሒሶም፡ ጥረ ገንዘብ የንቀሳቕሱ ኣለዉ ዝበሃሉ ነጋዳ ኣድሂቦም ኣለዉ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ እንከሉ ብመንጽር ንትካላትን ንውልቀሰባት ዝመደቦ ዓቐን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ባንክ ዘሎ ካብቲ ዝተጸበዮ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑን፡ ነቲ መምርሒ ጥሒሶም ጥረ ገንዘን ዝሓብኡ ወገናት ከም ዝህሰዩን ከከም ክብደት ናይቲ ጉዳይ ከም ዝእሰሩን ትካላቶም ከም ዝዕጾን እውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ብመሰረት እቲ ስርዓት ኣውጺእዎ ዘሎ ሕጊ፡ ኣብ ባንክ ሕሳብ ዘለዎም ኣብ ወርሒ 5 ሺሕ ናቕፋ ወጻኢ ይግበሩ፡ እንተኾነ ነዚ 5ሺሕ ኣብ ምንታይ ከም ዘውዓልዎ መረጋገጺ እንተዘይኣቕሪቦም ዋላ ኣብ ሕሳቦም ገንዘብ ይሃልዎም ቀጻሊ ከውጽኡ ኣይፍቀደሎም እዩ።

Saturday, May 6, 2017

ሰደህኤ ንሆላንድ የመስግን፡ መንግስታት ኤውሮጳ ኣሰራ ክስዕቡ ይጽውዕ

ልሲ ደሞክራሲ ህዝቢ  ኤርትራ (ሰደህኤ) ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተራት ኢውሮጳ ኣብ ዝለኣኾ ተደጋጋሚ መዘክራት፡ መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ 2016-2017 ነቲ ፓርላማ፡ ቤት ምኽሪ ሚንሲተራትን ናይ ፍርዲ ኣካላትን ሆላንድ ክወስድዎ ዝጸንሑ መርገጻትን ናይ 14 ማዝያ 2017 ውሳነ ከንቲባ ከተማ ቨልደሆቨን ንምእጋድ ኮንፈርንስ ደገፍቲ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ኤርትራ እንተላይ እቶም ኤሪ-ደም ዝብል መለልይ ዝለጠፉ መንእሰያት እገዳ ኣስዒቡ እዩ። እዚ ኮንፈረንስ ብላዕለዋይ ኣማኻሪ ዲክታቶር ኢሳይያስን ካብቶም ብተደጋጋሚ ሰብኣዊ መሰል ብምግሃስ  ብሕቡራት መንግስታት ብገበን ካብ ዝኽሰሱ ሓደ ከም ዝኾነ ዝግመትን የማነ ገብረኣብ ክምራሕ ዝተመደበ እዩ ነይሩ። 
ሰደህኤ ናይ ኩሉ መዘክራቱ ቅዳሕ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሆላንድ ብርት ኮየንደርስ ካብ ምስዳድ ሓሊፉ፡  ንኹሎም ብዘይምስልካይ ንወጻዒ ተግባራት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገሮም መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ ክንፊ መንእሰይ ህግደፍን ክቃወሙ ንዝጸንሑ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣመስጊኑ። 
  “ብኽብረትኩም ንኣካላት ወጻዒ ኣካል ኤርትራ ኣብ ሃገራትኩም ዕድል ኣይትሃቡ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝተዳለወ፡ መዘክራት  ሰደህኤ፡ ናብ እዞም ዝስዕቡ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤውሮጳ ተላኢኹ እዩ። ወ/ሮ ዋርጎት ዋልስትሮየም ናይ ሽወደን፡ ሲግማር ጋብርኤል ናይ ጀርመን፡ ቦሪስ ጆንሶን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ላዩረንት ፋቡይስ ናይ ፈረንሳ፡ ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ ናይ ጣልያን፡ ዲዴር ረይንደርስ ናይ በልጅም፡ ቦርጅ ብረንደ ናይ ኖርወ፡ ኣንድረስ ሳሙየልሰን ናይ ደንማርክን ዲዴር ቡርካልተር ናይ ስዊዘርላንድ።