ቀዳም 24 ለካቲት 2018፡ ክልቲኡ ዞባታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዞባ ኤውሮጳን “ምውርራስ መኽሰባት ተመክሮ ዞባታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ፡ ሰፊሕ ምይይጥ ዝተኻየደሉ ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይዶም።
መደብ ምውርራስ ተመክሮታት፡ ብመሰረቱ፡ ናይ ማእከላይ ባይቶ ውድባዊ ቀዋሚ ሽማግለ ዘበገሶ፡ ኣብያተ ጽሕፈታት ውደባን ደቂኣንስትዮን መንእስያትን፡ድማ ዝማዕበለኦ መደብ ክኸውን እንከሎ፡ ብጸዋዒት ክፍሊ ሰሰን ሰብኣዊ ምንጪ ኣብ ምምሕዳር ውድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት እዩ ተካይዱ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝመርሑ ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሓው ተስፋይ ደጊጋን፡ ሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ሓፍቲ ኣድያም ተፈራን እዮም። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ዝተሳተፉ ድማ፡ ኣባላት ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈትን ደቂ ኣንስትዮን መንስያትን፣ ኣባላት መሪሕነታት ዞባ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን፡ ኣባላት መሪሕነት ንኡስ ዞባ ጀርመን ከምኡ’ውን ኣባላት መሪሕነታት ጨናፍር ነይሮም።
እቲ ኣኼባ፡ ብሓላፊት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓፍቲ ኣድያም ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ንዝርዝር መደባት ምውርራስ መኽሰባት ናይ ዞባታት፡ ገሊጹ። ኣብ ገለጻኡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝካየድ ናይ ቃልሲ ተመክሮ መኽሰባት፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሰልፊ ንምክፋልን ካብኡ ኣስተምህሮታት ብምውሳድ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ኣሰራርሓ ሰልፊ ንምድንፋዕን ዝሃቀነ ምኻኑ ገሊጹ። ብመሰረቱ ከኣ ኣባላት ዞባታት ዝራኸቡሉ መስኖታት ምኽፋትን ዓቅምታቶምን ብቕዓታቶምን ዝፍኑውሉ መድረኽ ምእንጋድን እዩ ክብል ኣብሪሁ። ብተወሳኺ፡ ከምዚ ዝበለ ርክባት ንዝያዳ ምትሕብባር ከም ዘማዕብልን ንግሉጽነት ከም ዘዕኩኽን ገሊጹ፡ ዝማዕበለ ምትሕብባር ክተረጋግጽ ምኽእል ንባዕሉ ምዕዋት’’ዩ ክብል ኣብሪሁ።