ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኩሉ ዝሰርዖ ንኹሉ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ኣበርክቶታት ጐዓጺጽካ ኣብ ስልጣን ምቕጻል ምዃኑ ብሩህ እዩ። ነዚ ጠላም ሕልሙ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብዙሕ ዘይቅዱስ ተንኮላት ከም ዝምህዝ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ደለይቲ ራህዋን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ብሩህ እዩ። ብሕገመንግስቲ ዘይምምራሕ፡ ኩሉ መሰላት ምዕፋን፡ ብዘይብቑዕ ምኽንያት ምእሳርን ኣሲርካ ናብ ፍትሒ ዘይምቕራብን፡ መንእሰይ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ ዘገድድ ዘይርጉእ ኩነታት ምፍጣር፡ ብዘይዕጉስ ኣገባብ ምስ ናይ ርሑቕን ቀረባን መንግስታት ምትንዃል ኩሎም ኣብ ስልጣን ንቕጻል ከግልገለሎ ዝመሃዞ ተንኮላት እዮም።
ስርዓት ህግደፍ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ተንኮላት ስለ ዘይኣኸሎ ከም ቀንዲ ዋሕስ ኣብ ስልጣን መቐጸሊ ከገልግሎ ኢሉ ዝምህዞ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ጀሚሩ ምትእምማን ከምዘይፍጠር ምግባር እዩ። ማለት ዝኾነ ምኽንያት ፈጢርካ ህዝቢ ከም ዝረሓሓቕን መፍቶ “ከፋፊልካ ግዛእ” ከም ዝኸውንን ምግባርን ቀንዲ ገጽ ናይቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ተንኮል እዩ። እቲ መንግስቲ እቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኩ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ባዕሉ ዝዛረብ ስለ ዝኾነ ክሓብኦ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ነዚ ንምሽፋን ዝጥቀሞ ተንኮል ንኤርትራን ምስቲ ካብኣ ዝኸፈአ ኩነታት እንዳወዳደረና ናይ “በዓል ሃገር እገለ ዘይትርእዩ” መዝሙር ምዝማር እዩ። ንበዓል ዒራቕ፡ ሱርያ፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን እንዳዘርዘረ “ዓድና ደኣ ሰላም እንድያ ዘላ” ዝብሉ መዳኸርቲ የዋፍር። ብቋንቋ ህግደፍ ሰላምን ምርግጋእን ተዂሲ ብዘይምስማዕ እዩ ዝግለጽ። ግደ ሓቂ ግና ትርጉም ሰላም ካብኡ ዝዓሞቐን ዝረቐቐን እዩ።