Pages

Friday, October 18, 2019

መሪሕነት ሰዲህኤ መስርሕ ምርኽኻብ የጻፍፍ ኣሎ

ሓድሽ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ፡  ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ብምእታው፡ መስርሕ ምርኽኻብ ሓላፍነት የቀላጥፍ ኣሎ። ብናይ ሰልፊ ቅዋም መሰረት፡ መስርሕ ምርኻኻብ ሓላፍነት ኣብ መንጉ’ቲ ዝነበረን ሓድሽ ዝተመርጸን መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ  እዩ ዝትግበር። በዚ መሰረት እቲ ብ2 ነሃሰ 2019 ዝተመርጸ ፈጻሚ ሽማገል ሰዲህኤ መስርሕ ምርኽኻብ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ ንምምዛንን ቀጻሊ ስረሓት ንምትላምን ብኣቦመንበሩ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ተመሪሑ፡ ብ18 ነሃሰ 2019 ናይ መጀመርያ ኣኼባኡ ኣካይዱ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ኣኼባኡ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምምሕዳር ኣቚሙ፡ ብዛዕባ ምድላው ዓመታዊ ትልሚ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት፡  ምጽፋፍን ምዝርጋሕን ኣብ ጉባአ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን፡ ዝኣመሰሉን ዛዕባታትን ተመያይጡ ውሳነታት ወሲኑ። በቲ ዝገምገሞ መሰረት መስርሕ ምርኽኻብ ሓላፍነት ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከም ዝፍጻም  ኣረጋጊጹ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦ፡ ብመሰረት ውሳነ ጉባአ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ኣቐዲሙ ተጀሚሩ ኣብ መስርሕ ዘሎ ብምቕጻልን ካልእ ተበግሶ ብምውሳድን፡ ምስ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ዘስርሕ  ጽላል ምፍጣር ዝምልከት ኣብ ሓጺር ግዜ ዝትግበር ኣቕጣጫ ቀይሱ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዝተፈላለዩ ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ፡ ውጽኢት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንምግላጽን ካልእ ህልዊ ኤርትራዊ  ዛዕባታት ንምድህሳስን ምስ መደበር ተለቪዥን ኣሰና ዝተኻየዱ ቃለ መጠይቓት ኣገደስቲ ምንባሮም መዚኑ። ጌና ክሳብ ሕጂ ዘይተዘርግሑ ተመሳሰልቲ መደባት ከም ዘለዉ’ውን ተገንዚቡ። ካብቶም ነቲ ቃለ-መሓትት ዘካየዱ፡ ብጾት ኣባላት መሪሕነት፡ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ክፍለዝጊ ገ/መድህን፡ ብርሃነ ደበሱ፡ ኣድያም ተፈራን ወልደየሱስ ዓማርን ይርከብዎም።  ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ማዕከናት ዜና ሰፋሕቲ ቃለ-መሓትታት ናይ ምክያድ መደባት ከም ዘሎን፡ ከም ኣካል ናይዚ፡ ብጻይ  ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብ19 ነሃሰ 2019 ምስ ኣብ መልበርን ኣወስትራልያ ዝመደበራ “ኣገልግሎት ድምጺ ኤርትራ” ብዛዕባ መስርሕን ውጽኢትን ጉባአ ሰዲህኤን ከባብያውን ዓለም ለኻውን ምዕባለታት ዘተኮረ ቀጥታዊ ቃለ-ምሓትት ኣካይዱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ፡  ብጸይቲ ፈቨን ጊደዎውን ምስ ብጾት፡ ሃይለ ወልደሚካኤል፡ ዶር ኣክሊሉ ግርማይ፡ ገረዝጊሄር ተወልደን  ኣድያም ተፈራን  ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ፡ ኣብ ፈይስቡክ ዝዘርገሓቶ ውጽኢት ጉባአ ኣብ ምቅላሕ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ ኣኼባኡ፡ በቲ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ሰላም ንምምጻእ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝተስመዖ ሓጎስ ንምግላጽ ናብ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ናይ ዮሃና መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብኣመንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐን ሓያሎ ኣባላት ባይቶን መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳን ብኣባልነት ዝነበርዎ ልኡኽ ሰልፊ፡ ብ17 ነሃሰ 2019 ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳቲፉ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዑ።

Tuesday, October 1, 2019

መንግስቲ ኖርወይ 47 ኤርትራውያንን 31 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ጠሪዙ

መንግስቲ ኖርወይ ካብ ጥሪ 1 ክሳብ 31 ነሓሰ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 47 ኤርትራውያን 31 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ከም ዝሰጎገ ሓቢሩ።
ካብዞም 47 ኤርትራውያን እቶም ክልተ ናብ ኤርትራ ክስጎጉ እንከለዉ፡ እቶም 47 ናብ ካልኦት ክቅበለኦም ፍቓደኛታት ዝኾና ሃገራት ከም ዝተሰጎጉ ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ 96 ገበን ገይሮም ዝበሎም ዝርከብዎም 338 ብሓይሊ ካብ ኖርወይ ከምዝሶጎገ እዩ ዝሕብር።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ዳንኤል ድራገሰት ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ነሓሰ 2018 ጸብጻቡ 2,710 ስደተኛታት ካብ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉን ብምሕባር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 3,402 ክብ ከም ዝበለ ይሕብር።
ካብዞም 3,402 ካብ ኖርወይ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት፡ 2 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 10 ኣብ ዝተፋላላያ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 35 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነበሩ ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ናብ ቢቢሲ ዝተልኣከ ጸብጻብ ይሕብር።
ብተመሳሳሊ 7 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 9 ኣብ ዝተፈላለይ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 15 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነብሩ ዝጸንሑ ብጠቕላላ 31 ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገረ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

Saturday, September 14, 2019

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ መጻኢ ዕማማት ሰልፊ ኣብሪሁ

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብ1 መስከረም 2019 ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣገደስቲ መጻኢ ዕማማት ሰዲህኤ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ዕማማት ቤት ጽሕፈቱ  ንኣባላት ሰልፊ፡ መብርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊኡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ” እንኳዕ ደሓን መጻእኩም”  መልእክቲ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ  ከኣ ንታሪኻውነት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ  ጠቒሱ “እንኳዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት ኣብጸሓና” ኣሉ። ብጻይ ተስፋይ ብሓፈሻ ኣብ መጻኢ 4ተ ዓመታት ብፍላይ ከኣ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዕማማት ሰልፊ ቀዳምነታት ብዝምልከት መብሪሂ ሂቡ።  ኣተሓሒዙ ከኣ መስርሕ  3ይን ሓድነታውን ጉባአ፡  ክሳብ መወዳእታ ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።
 እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብቅዋም ሰልፊ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ መስርሕ ምርኽካብ ሓለፍነት  ኣብ መንጎቲ ክመርሕ ዝጸንሐን ሓድሽ ዝተመርጸን  መሪሕነታት ዕዉት ምንባሩ ኣብሪሁ።   ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምቛም ምሕዳራተን ዳርጋ  ወዲአን ኣብ ተግባር ይኣትዋ ከም ዘለዋን ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ሓድሽ መሪሕነት ወግዓዊ ስሩሑ ከም ዝጀመረን  ኣበሲሩ። ኣብዚ መብርሂኡ እቲ ዝተጠቕሰ ዓወታት ንክብጻሕ ግደ መሰረታት ኣዝዩ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ብምጥቃሲ እዚ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ብዝሓየለ ከም ዝቕጽል እምንተኡ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ እውን፡  ምምሕዳራቶም  ከም ዝመስረቱ ብምጥቃስን እቲ መስርሕ ቀጻሉ ምዃኑ ብምሕባርን፡ ካብቲ ኣብ መጻኢ ሓደ ዓመት ክሰርሕዎ መዲበምዎ ዘለዉ ትልምታት ኣገዳሲ ዝብልዎም ዛዕባታት ተቒሶም መብርህታት ሂቦም። በቲ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ዝሃብዎ መብርሂ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዓመታዊ ትልምታት ንድፊ ይዳሎ ከም ዘሎን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝጸድቕን ሓቢሮም።
ተሳተፍቲ ናይዚ ኣኼባ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ስረሓት በቲ ዝተገልጸሎም ኣገባብ  ተሰላሲሉ  ንኣባላት መብርሂ ምቕራቡ ግሉጽነት ናይ  ኣሰራርሓ ከም ዘመልክት  ገሊጾም።   ብዘካዚ ዘይበርሁሎም ጉዳያት ሓቲቶም መብርሂ ተዋሂብዎም። ድሕሪ እዚ ከኣ መጻኢ መደባት ሰልፊ ንምዕዋት ኣበርክተኦም ዝያዳ ከም ዘበርኹ ቃል ኣትዮም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣብላት ሰልፊ ንኢዱ ኣብ መጻኢ እውን ኣባላት ሰልፊ ይኹኑ ደገፍቲ መደባት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ኣበርክተኦም ከኻዕብቱ ብምጽዋዕ ኣኼባ ተፈጺሙ።

Saturday, August 10, 2019

ብሓው ባህታ ሃይለማርያም፣ ተጠባባቒ ኣባል ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ ኣብ ፈስቲቫል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ ቃል

ዝኸበርኩም ኣዳላውቲ ሽማግለ ፈስቲቫል።
ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ናይዚ ፈስቲቫል።
ብስመይን ብስም መሪሕነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞራስያዊ ለወጢ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ  ናይ ደገፍመልእክቲ ከቕረብ ክብሪ ይስማዓኒ።
ፈስቲቫልኩም ምስ  ምዕዋት ሳልሳይን ሓድነታውን  ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝብኒ ኤትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን  ምትእስሳሩ፡ ታሪኻዊ  ኣጋጣሚ ኢዩ። እንቛዕ ካኣ ደስ በለኩም።
ኣዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፣ ህዝብና ተወዲቡ፡ ቃልሱ ኣስሚሩ ነዚ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾነ  ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ዝሰፈና ሃገር ንክትከውንን፡ ብሕግን፡ ብልጽግቲን ብፍትሕን እትመሓደርን ሃገርንክትከውን፣ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። 
ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ናይ ምሁራት ውዳቤታትን፡ ቃልሶም   ከወሃህዱ  ተግባራዊ ተበጉሶታትተጀሚሩ ምህላዉ ብጣዕሚ ዘሖጉስ ኢዩ።
ንኣብነት፡ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ወከልቲ ማሕበረ ኮማትን ግዱሳት ደቂ ሃገርንዝጠርነፈ፡ ብኤሪትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲምክራስዊ ለውጢ ዝፍለጥ ሰፊሕ ጽላል፡ ቅድሚ  4 ወርሒ ዕዉት ካልኣይጉባኤ ምክያዱ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል።
ዕላማን ጻዕርን ናይ ኤሃብደል ቡዙሑነት ህዝቢ ኤርትራ ማኣከሉ ዝገበረ፡ ውሑስ ሓድነት ዝተፈላለየ ሕብረተሰብናንምፍጣር ኢዩ። ውዳባኡ ካኣ ንዕኡ የንጸባርቕ። ኣብዚ ሓጽር ጊዜ ምስ ዝተፈላለያ ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ምስ ናይህዝቢ ውዳቤታትን ርኽኽባት የካይድ ኣሎ።ንሰልፊ ዲሞክራኢ ህዝቢ ኤሪትራ፡ ንሃገራዊ ግንባር ኤሪትራ ( 4 ውድባትዝሓቖፈ ግንባር) ሓቢርካ ንምስራሕ ዝዓለመ ዘተ ክካይድ መልእኽቲ ኣቅሪቡ ኣሎ። ንሓበሬታ ዝኣክለ  ብዕለት 22-6-2019  ብመኣዲ ዘተ ሚንሶታ ብምትሕብባር ምስ ቲቪ ተምፖ ኣፍሪክ (tempo afric tv eritrea) ኣብ ዝተዳለወ መኣዲ ዘተ ሚኒሶታ፤ ኤሃባደለ፡ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት ተረኺቡ 9 ነጥብታት  ዝሓዘለ ስምምዕ ሰነድፈርሞም። ቀጻሊ ርኽክባት ከካይዱ ካኣ ተሰማሚዖም ምህላዎም ብጣዕሚ ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ።
እዚ ሎሚ ነጸምብሎ ዘሎና ሓድነት ናይዘን ክልተ መሓዙት ውድባት፡   ናይ ምውህሃድን፡ ናይ ሓቢርካ ምስራሕንዝውሰድ ዘሎ ተበግሶታት ፍረ ውጻኢት ኢዩ ክበኣል ይኽእል። ስለዚ እዚ ብፖሊቲካዊ ውድባት ዝግበር  ዘሎምቅርራባትን፡ እዚ ብህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ውዳቤታት ዝወሃደሉ መስርሕ ክግበር ኣሎዎ። ነንሕድሕዱ ተማላላኢ ብሽርክነት ክቃለስ ህጹጽ መድራኻዊ ዕማም ምዃኑ ንሕና ከም ኤሃባዲለ ጽኑዕ እምነትና ምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ከምኡ እንተገርና ኢዩ፡ ዓወትና ክቃላጠፍ ዝኽእል። ኤሃባደል ደምበ ተቓውሞ ቃልሱ ከወሃህድ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነትተበጊሶ፡ ኣብ ፈጻሚት ቤትጽሕፈቱ ነዚ ዝከታተልን፡ ዘተግብርን ፍሉይ ቤትጽሕፈት እቂሙይርከብ። ሓድነታዊጉባኤኹም ብምዕዋቱ፣ ሰልፍኹም ክሕይልን፡ ክድልድልን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ልሉይ ተራ ክህልዎን፣ ካብ ዘለናምንዮትን ብምብጋስ፡ ደጊመ ብስም መሪሕነት ኤሃባደለ እንቛዕ ናብዚ ኣብቃዓኩም ክብል ደስ ይብለኒ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና።

Tuesday, April 23, 2019

ርክብ ጀነቫ ብምንቁልቋል ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ስኽፍታ ኣሕዲሩ

መበል 11 ርክብ ጀነቫ፡ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ብ26 መጋቢት 2019 ኣብ ጀነቫ  ተጋቢኡ።ኣብዚ ኣኼባ ኣስታት 800 ዝኾኑ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ተሓለቕቲ፡ ፖለቲካዊ ተቓወምትን ግዳያት ወጻዕቲ መንግስታትን ተሳቲፎም። ኣብዚ ኣኼባ ኣብቲ ደሓን ዝበሃል ዝነበረ ማሕበረሰባት ከይተረፈ ብዛዕባ መሊሱ እንዳጠጠዐ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆና ዝሓደረ ስኽፍታ ተንጸባሪቑ።
ኣብዚ ርክብ ብዛዕባቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ምንቁልቋል ብናይ ሕቡራት ሃገራት ሓለዋ ዲረክተር ኣቶ ሂለል ኑር ኣገዳሲ መብርሂ ተዋሂቡ። ንሶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብዚ ከም በዓል ኤርትራን ሳዑዲ ዓረብን ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝኣተዋሉ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ምምሕያሽ ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኸውን ጠቒሶም።
ብሩንዳዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል ወይዘሮ ከቲ ኒቪባንዲ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገረን ዝፍጸም ግህሰት ሰብእዊ መሰል መግለጺ ሂበን። መብዛሕትኡ ዝገለጸኦ ከኣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ግህሰታት ዝመሳሰል ነይሩ። ንሰን ኣተሓሒዘን ኩሎም ምእንቲ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን ዝነጥፉ ወገናት ንድሕሪት ከይብሉ ጸዊዐን። ኣብዚ ዝሃበኦ መግለጺ “ዋላ ለይታዊ ናይ ጸልማት ሰዓታት እንተነውሐ፡ ብርግጽ ጸሓይ በሪቓ ብርሃና ክትልግስ እያ” ዝብል ናይ ብሩንዲ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ጠቒሰን።
ኣንጻር ጾታዊ ወጽዓ ዝነጥፋ ገጣሚት ብሪታንያዊ ሶማልያዊት ኒምኮ ዓሊ ብወገነን ቃል ኣስሚዐን። ንሰን ከም ዝበለኦ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መላእ ዓለምና 200 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ጾታዊ ጸቕጢ ኣብ ጸገም ይነብራ።

Saturday, March 30, 2019

ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል

ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኵሉ ብስርዓት ኢሳያስ ዝወረዶ ሓሳረ-መከራ ተጻዊሩ፡ ሓንቲ መዓልቲ ግዲ ትወግሕ ትኸውን ብዝብል ተስፋ እናተጸበየ እንከሎ፡ ብስም ውዕል ሰላም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣባ ጓይላ ኰይኑ ኣብ ዝመርሖ ናይ ምድማር ጭፈራ ኣይከሰርናን፡ ጕዳይ ዶብ ካልኣዊ ኢዩ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ክመርሓና ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ …ወዘተ እናበለ ተዓጢቑ ከዅድድን ብሓጐስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ ክሃርምን ተራእየ። 
ብድሕር’ዚ ኢዩ እምበኣር ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርክብ ህዝብና “ደጊም ይኣክል” ኢሉ ዕምሪ ስልጣኑ ንምሕጻር ተላዒሉ ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ሎሚ ጭርሖና “ይኣክል ተኣለ” ዝብል ደኣ’ምበር፡ ንኢሳያስን መጋበርያታቱን ቅዋም ክትግብሩልና፡ እሱራት ክፍትሑልና፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩልና ምልማን ወይ ምምሕጻን ኣይኰነን። ለባማት ኣቦታትናን ኣደታትናን ከም’ዚ ምስ ረኸቡ ኢዮም “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝበሉ።
ኣብ ክፍለ-ዓለምና ኣፍሪቃ እኹል ዘይጕዱል ተመኵሮ ምስ ዲክታቶርያውን ስርዓታት ኣሎና ኢዩ። ዲክታቶራውያን መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብቅዋም ዝግዝኡን ንቕዋም ዝምእዘዙን ኣይኰኑን። ስለዝዀኑ ድማ ኢዮም፡ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ ቅዋም ከም ቍሪ ዝፈርሕዎን ተወዳደርቲ ሰልፍታት ክህልዉዎም ዘይደልዩን።
ህዝብና 'ይኣክል፡ ቅዋም ይተግበር' ክብል ከሎ: ገለ ክፋል ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኰነ ገለ ካብ ትካላት ንመስርሕ "ተኣዘዝ-ፈጽም''ምንጻግ ክጅምር እንከሎ: ሃገር ብመላኡ ድማ (ዋላ'ውን ካብ ሰዓቢ ምልኪ ዝነበረ ከይተረፈ) 'ልዑላውነትና ልዕሊ ኩሉ' ብምባል ከድምጽ እንከሎ: ስልጣን ናብ ዋንኡ ህዝቢ ንክምለስን ቅዋም ንክትግበርን ምልካዊ ስርዓት የልግስ ማለት እምበር: እቲ ስርዓት ይቐጽል ማለት ኣይኰነን።  ደጊም ኤርትራ ብግዝኣተ ሕጊ'ምበር ብዊንታ ውልቀሰብ እይትመሓደርን ዝብል እምንቶ ህዝብን ሰዲህኤን እዩ።

Thursday, February 28, 2019

ንባብ ሰዲህኤ ንሓድሽ ክስተታት ከባቢናን መጸዋዕታኡን

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ሓድሽ ምዕባለታት ብሓፈሻ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ምቅርራብ ድማ ብፍላይ፡ ብሓደ ሸነኽ ተስፋን መጐስን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሻቕሎትን ምጥርጣራትን ፈጢሩ ከምዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ምፍትሑ፡ ተቓወምቲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩ ምፍቃዱ፡ ናይ ህጹጽ ኣዋጅ ኵነት ምልዓሉ፡ ንብይን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምቕባሉን ዶባት ተኸፊቶም ህዝብታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ክራኸቡ ምኽኣሎምን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹን ንህዝብታትን መንግስታትን ዓለምና ዓቢ ተስፋ ዘሕደረ ጥራይ ዘይኰነስ ሕጂ ግርም ኰነ ዝተባህለሉ ወቕቲ ኢዩ ነይሩ።
ህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ’ዚ ተስፋ’ዚ ተበጊሱ፡ ልክዕ ከም ኢትዮጵያ፡ እሱራቱ ክፍትሑ፡፣ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርክቡ ደቁ ናብ ትምህርቶም፡ ናብ ስርሖም፡ ናብ ወለዶም ክምለሱ፣ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል፣ ተቓወምቲ ስርዓት ኢሳያስ ናብ ሃገሮም ክምለሱ፣ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ክዀነሉ ኢዩ ነይሩ ትጽቢቱ። ስለ’ዚ ድማ ኢዩ ደገፉ ንመስርሕ ሰላም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝገለጸ። እንተዀነ ግን፡ ትጽቢታቱ ስለዘይተፈጸመሉ ወይ ክፍጸም ምዃኑ ዝእምት ምልክት ስለዝሰኣነሉ፡ እቲ ኣሕዲርዎ ዝነበረ ተስፋ ብእንብኡ ክበንንን ክሃፍፍን ናይ ግድን ኰይኑ።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ደጋጊሙ ዘቃልሖ “ምድማር” ዝብል ዘይብሩሁን ዘይንጹርን ክለሳ-ሓሳብ፡ ሰባት ከከም ድላዮም ንኽትርጕምዎ ዕድል ዝህብ ኢዩ ኰይኑ ተረኺቡ። ገለ synergy ወይ ምውህሃድ ኢሎም ተርጕሞሞ፣ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከኣ፡ ኤርትራ ናብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ትምለስ ኣላ ዝብል ትርጕም ክህብዎ ከለዉ፣ ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ንኢትዮጵያውያን እምበር ንኤርትራ ኣይምልከትን ኢዩ ዝብል ትርጉም ክህብዎ ተራእዮም ኢዮም። ነዚ ኵሉ መዕረፊ ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ምዃናን እቲ “ምድማር” ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ ከምዘይኰነን ከብርህዎ ሓላፍነቶምን ግዴታኦምን ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ብግርህነት ድዩ ወይስ ብሸርሒ ኣይገበርዎን።
ዶር ኣብዪ ብኣንጻሩ፡ ደቅና፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ጅቡትን ኣርባዕተ ዘይኰኑስ፡ ሓደ መራሒ፡ ሓደ ሰራዊት፡ ሓደ ኣርማ፡ …ወዘተ ዘለዋ ሃገር ክርእዩ ኢዩ ትምኒተይ ብምባል፡ ነቲ ድንግርግር ዝያዳ ከምዝዓሙቕ ኢዩ ገይርዎ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ጅቡትን 3 ኤምባሲታት ክህልወን መባኸኒ ገንዘብን ጕልበትን ኢዩ ክብል ተሰሚዑ። ኣብ ርእሲ’ቲ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክገብር ኢየ ኢላ መደባት ምስርዓ፡ ንወደብ ዓሰብ ብሽርክነት ክጥቀምሉ ምዃኖም፤ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ዓሰብን ኣዲስ ኣበባን ናይ ጋዝ ቱቦ ክስራሕ ኢትዮጵያን ናይ ዓረብ ዓማራትን ንኤርትራ ዘይሓወሰ ስምምዕ ከም ዝገበራ ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ናይ ኢትዮጵያ ኢና ሰሚዕናዮ።