Pages

Wednesday, November 11, 2020

ኣስተምህሮ ንኣባላት ሰዲህኤ

 ብጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተወደበ ን“ህዝባዊ ምልዕዓል” ዝምልከት ኣስተምህሮ ብ4 ጥቅምቲ 2020 ተዋሂቡ። ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ ያሲን ዑስማን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት እዩ።

ነዚ ኣስተምህሮኣዊ ኣኼባ ዝመረሐ ብጻይ መንግስተኣብ ስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ፡ ቅድም’ቲ ኣስተምህሮ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ ንተሳትፎኦም ምስ ኣመስገነ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን በዚ ጥምረት ዝተዳለወ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ብብጻይ ኣማኑኤል በራኺ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኣስተምህሮ ከም ዝተዋህበ ሓቢሩ፡ ንመጻኢ እውን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ቀጻሊ ኣስተምህሮ ከም ዝወሃብ ገሊጹ።

ብጻይ ያሲን ዕዑስማን ኣብዚ ኣስተምህሮኡ ህዝባዊ ምልዕዓል ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምብራህ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ “ተመሳሳሊ ድሌትን ሓሳብን  እንዳሃለዎ ፋሕ ዝበለ ዓቕሚ ምጥርናፍ፡ ብመጽናዕትን ተቐባሊ ባይታ ብዘለዎን ክውደብ ከም ዝግባእ፡ ናይ ቁጠዐን ሲቪላዊ እምቢታን ባህሪ ዘለዎ ምዃኑ፡ ኣብ ምሕያሉ ግደ ጸለውቲ ኣካላት…ወዘተ” ዝብሉ ኣምራት ኣስፊሑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ናይ ህዝባዊ ምልዕዓል ናይ ለውጢ ሓያልነት ንምብራህ ብሓፈሻ  ንናይ ዓረብ ምልዕዓል፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ከባቢና ካብ ቱኒዝያ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝተራእዩ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣብ ኤርትራውያን ዝተጋህደ “ይኣክልን” ካለኦት ተበግሶታትን ከም ኣብነት ጠቒሱ። ብፍላይ ከኣ ንግደ መንእሰይ ኣብ ምዕዋት ህዝባዊ ምልዕዓል ኣዕዚዙ ገሊጹ።

ድሕሪ እዚ መበገሲ ሓሳባት ብተሳተፍቲ እቲ ኣስተምህሮ፡ “ግደና ኣብ ምሕያል ይኣክል ክሳብ ክንደይ እዩ?፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ንክዕወት ዝግበር መጽናዕቲ ከመይ ይትግበር? ህዝባዊ ምልዕዓልን ነብሰ-ምክልኻል ዘውሓሰ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልስን ብኸመይ ይመጋገቡ? ህልዊ ናይ ኤርትራውያን ምልዕዓል ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ናይ ካለኦት ተመክሮ ብኸመይ ይዛመድ?” ዝብሉ ዝርከብዎም ሕቶታት ቀሪቦም።

“ኣብዚ ልኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ እንሰግኣሉ ዘለና እዋን ግደ ናይቲ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝውርወር ዘሎ ህዝባዊ ምዕዓል ኤርትራውያን ዕዙዝ እዩ” ዝበለ ብጻይ ያሲን ዑስማን፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ ሕቶ ንምምላስ ብኣብነት እናሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ እዚ ተሳተፍቲ መድረኽ ሕቶን መልስን ምስተወደአ፡ ዝተፈላለዩ ምስቲ ኣርእስቲ ዝዛመድ እዋናዊ ጉዳያትን ንመጻኢ ናይ ለውጢ ዓቕሚ የሕይሉ ኣብ ዝበልዎምን ዛዕባታትን ርኢቶታት ሂቦም። ዝያዳ ከኣ ሰዲህኤ ኣብቲ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓቢርካ ንምቅላስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣድማዒ ግደ ንክጻወት ንምሕያል ሰልፋዊ ዓቕሚ ዕዙዝ ቆላሕታ ምሃብ ዘይስገር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ምእንቲ ከብቀዓና እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ  ዓቕሚ ናይ ምድላብ ኣስተምህሮ ቀጻሊ ንክኸውን ተላብዮም።

Friday, October 2, 2020

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብመስረት ቅዋም ሰልፊ፡ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዘካይዶ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብ15ን 16ን ነሃሰ 2020 ኣሰላሲሉ።  ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ምልኣተ ኣኼባ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ። ኣስዒቡ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዛ ዝሓለፈት ናይ ስራሕ ሓላፍነት ዓመት ብደረጃ ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢናን ዓለምን ዝተራእዩ ዓበይቲ ምዕባለታት ብምጥቃስ ቃል ኣስሚዑ።


ኣቦመንበር ሰልፊ፡ ብጻይ ተስፋይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብዚ ሕማም ኮረና ኣሻቓሊ ዝኾነሉ ዘሎ ግዜ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዘቃልሶም መድረኽ ንምፍጣር ዝለዓለ ጻዕሪ የካይዱ ኣብ ዘለውሉ እዋን ምግብኡ ጠቒሱ።


ኣስዒቡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ዝተፈልየ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ ብምዃኑ  ኣገዳስነት ናይቲ ስሩዕ ኣኼባ ዕዙዝ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ዝሓለፈ ዓመት  ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓባር ተጠራኒፍካ  ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ዘቃልስ ኩነታት ንምፍጣር፡ ዝተኻየደ ጻዕሪ ዕዉት ምንባሩ ድሕር ምሕባር፡ ኣብ መንጎ ሰዲህኤን ህዲምሓኤን ንዝተፈጽመ ምሉእ ሓድነት ከኣ ከም ኣውንታዊ ኣብነታዊ ተረኽቦ  ጠቒሱ።


ድሕሪ መኽፈቲ ቃል ኣቦመንበርን ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ምጽዳቕን ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ምይይጥ ኣካይዱን ኣድላይ ዝበሎ ምትዕርራያትን መእረምታታትን ገይሩ። ድሕሪዚ ነቲ ኣኼባ እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡ ጸብጻብ ጠቕላላ ተቖጻጻሪ ሰሚዑን ተመያይጡን። ኣብቲ ጸብጻብ ካብዝጠቅሱ ኣገደስቲ ለበዋታት ኣብ ግምት ብምእታው መጻኢ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ቤት ጽሕፈት ዝያዳ ከሐይል ዝኽእል ሓይሊ ሰብን መሳሒትትን ክሰርዕ ርእዩ። ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝቐረቡ ጸብጻባት ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ተቆጻጻርን ኣብ ትሕቲ ሰክረታርያ ኣኼባ ኣጽዲቑ፡ ኣገደስቲ ውሳነታት እውን ኣመሓላሊፉ። ብዘይካዚ ኣብ ከባቢና ይረአ ንዘሎ ምዕባለን ነዚ ዝምልከት ፖሊስን ኣተሓሕዛ ሰዲህኤን ኣብ ዝምልከት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱን ውሳኔታት ወሲዱን።


ቀጺሉ፡ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብምዝዛም ኣኼባኡ 9 ዝኣባላቱ ፈጻሚ ሽማግለን ጠቕላላ ተቆጻጻርን ብዲሞክራስያዊ መንገዲ መሪጹ። ድሕሪኡ ከኣ ተሳተፍቲ ኣካል ናይ መጻኢ ዓመት ትልሚ ክኾኑ ዝበልዎም ኣገደስቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣብ መዕጸዊ ነዚ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባዚ፡ ብስም ፈጻሚ ሽማግለ ከም ትካል መደባት ሰዲህኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ንምዕዋት ኩሉ ዝከኣሎ ከም ዝገብር ጠቒሱ፡ ኣባላት ባይቶን መላእ ኣባላት ሰልፍን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ፡ ኣብ መጻኢ እውን ተወፋይነቶም ዝያዳ ከሕይሉ ኣዘኻኺሩ። መግለጺ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድማ ስዒቡ ክቀርብ እዩ።

Tuesday, September 8, 2020

ናይ ምጽንባር ጽምብል

ኣብ ሆላንድ እንርከብ ኣባላት ክልቲኡ ሰልፍታት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን፥ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ብመራኸቢ ብዙሃን ብዕለት 24-06-2020 ናይ ሌላ ኣኼባ ተፈጺሙ። እቲ ኣኼባ ብናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይ ምልላይ መደብ ተኻይዱ።

ቀጺሉ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሆላንድ ሓው መሓሪ ተስፋማርያም እናተመርሐ፡ ብዛዕባ ኣተሃላልዋን ስራሓትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ ተገሊጹ። ብድሕሪ እዚ እቲ ንቕድሚት ዝጽበየና ዘሎ  ምልካውን ጨቋንን ስርዓት ናይ ምልጋሱ ዕማምን፥ ንህላዌ  ሃገርና እነድሕነሉ ኣብ ክሊ ጨንፈር ሆላንድ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓቢርና ንምስራሕ ብዕቱም ከምንዋሳእ ኣስሚርናሉ። ነዚ ናይ ምትግባሩን መደብ ምሕንጻጽን ድማ ብኣካል ተራኺብና ክንዛተየሉ ኣኼባና ብቆጸራ ተደምዲሙ። እዚ ናይ ሌላ ኣኼባ እዚ ምስቲ ሃገርና ኣብ ክትህሉን ዘይክትህሉን ተሸኺላትሉ ዘላ ህሞት ዝተኻየደ ብምዃኑ ብዝያዳ ንሓያልን ዕቱብ ቃልስን ይጽበየና ከምዘሎ ዘዘኻር እዩ። በዚ መሰረት እተን ብፖልቲካዊ መደብ ዕዮ ዝሰመሳሰላ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ካብ ናይ ስልጣን ሕቶ ወጺኤን፥ ናይ ምጽንባር መስርሕ ከዕዝዛ ዝያዳ እንጥለበሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና።

ሎሚ ዕለት 08-08-2020  መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ናይ ሌላ ኣኼባ ከምኡ  ንጨንፈርና ዝምልከት ኣብ ግብራዊ  ስራሓት ንምእታውን፡ መደባትና ክንሕንጽጽን  ምስ ሰልፍና ዝደጋገፉን ዝደናገጹን ኣብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ  ሓባራዊ ኣኬባ ኣካይድና። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ሓው ብርሃነ ወልዳይ  ንቃልሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ ተበግሶን ብዝካየዶ መጽናዕትን ኣባል ክኽውን ዓጊቡ ተጸንቢሩና። ካልኦት መእሰያት ውን ነዚ ሰልፊ ክሳተፍዎ ምዃኖም ዕግበቶም ገሊጾም። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ብሓው ብርሃነ ዘውደ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ናይ ምጽንባር መስርሕ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ገሊጹ። በዚ መሰረት እውን ኩለን ሰልፍታት ይኹና ውድባት ከምዚ ሰልፊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዲሞራሲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንኽወስዱ ተማሕጺኑ። ቀጺሉ ብዛዕባ ሃለዋት ሰልፊ ኣብ ሆላንድን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ብሓው ድራር መንታይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ዘቕርቦ መደረ ንዘን  ሓቢረን ንምስራሕ ተሰማሚዔን ዘለዋ ሓሙሽተ ውድባት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ምፍልላይ ምስ ዝርከብ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይዘን ዝተሰማማዓ ውድባት ካብ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ጸጊዒነት ወጺኡ ብሓደ ኮይኑ ኣይፋልኩምን ክብለን ከምዘለዎ ኣሚቱ። ከሙ እውን ኤርትራዊ መንእሰይ ንሃገርና ኤርትራ ዘንጸላልዋ ዘሎ ሓደጋታት ከስተብህለሉን ንሃገራዊ መንነትና ዘህስስ ወስታታት ክነቕሓሉን ተማሕጺኑ። ቀጺሉ ሓው መሓሪ ተስፋማርያም ኣቦ መንበር ጨንፈር ሽማግለ ብዛዕባ ዝነበረ ዝምድናታት ኣስፊሑ መብርሂ ሂቡ። ብድሕሪ እዚ ንርእይቶታትን ሕቶታትን ዝምልከት ድረኽ ንተሳተፍቲ ተዋሂቡ።

ኣብ ምዝዛም ኣኼባ ጨንፈር ሆላንድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክልቲኡ ኣባላት ሰልፊ ናይ ምትሕንፋጽ መስርሕ ብዕሊ ከምዝተዛዘመ ንኹሉ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ  ደላይ ለውጢ  ነበስር።  ብተወሳኺ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ምድሓን  መንእሰይ ወለዶ፥  ተካኢ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ኣብ ንሱ ዝመረጾ ሰልፊ  ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ሃገራዊ ጻውዒትና ነቕርብ።

Wednesday, July 22, 2020

ሓድሽ መቈጻጸሪ ሰራዊት፡ ኣብ ኤርትራ

ሓድሽ መቈጻጸሪ ሰራዊት፡ ኣብ ኤርትራ
ጉጅለ ህግዲፍ ካብ 23 ሰነ 2020 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ቀጥዒ መቆጻጸሪ ሓይልታት ምክልኻል ከም ዘውጸአ ተፈሊጡ። ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ብዝምልከት ከምዝሓበርዎ፡ በቲ ሓድሽ ቀጥዒ መሰረት፡ ሓደ ኣባል ሰራዊት ካብ ኣሃዱኡ ወጺኡ ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ ኣይፍቀደሉን። ብዘይ ፈቓድ ክንቀሳቐስ ዝፈተነ ኣባል ከኣ ተግባሩ ከም ክድዓት ተወሲዱ ስጉምቲ ይውሰዶ።
እቶም ምንጭታት ሰዲህኤ፡ በቲ ሓድሽ ውሳነ መሰረት ንኣባላት ምክልኻል ዕረፍቲ ከምዘይፍቀድ ጠቒሶም፡ ኣብ ውልቃዊ ጉዳይካ ዝኾነ ሕቶ ምሕታት እውን ቅቡል ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ኣዘዝቲ ብሪገዳት ንታሕቲ ዘለዉ መራሕቲ ሰራዊት ምእንቲ ኣብ ኣባላቶም ጽኑዕ ምቁጽጻር ክገብሩ ካብቲ ዝመርሕዎ ኣሃዱ ወጻኢ ክንቀሳቐሱ ኣይፍቀዶም። እቶም ምንጭታት ነዚ ሓድሽ ቀጥዒ ጠቒሶም ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ክፍሊ ምክልኻል ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ክኸውን እዩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኩሎም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምቁጽጻር ውሻጣዊ ጉዳይ ህግደፍ ክምዝገቡ ክግደዱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣዘዝቲ ሓይልታት መካናይዝድ፡ ፍሉይ ኮማንዶን ሓይሊ ባሕርን ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ስታፍ ምምሕዳር ምክልኻል ክኾኑ ክግደዱ እዮም። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ህጹጽ ኩነታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጠቕሊሉ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ክኸውን እቲ ቀጥዒ ከም ዘገድድ እውን እዞም ምንጭታት ሓቢሮም።

Wednesday, June 24, 2020

ኣብ ኤርትራ ቅትለትን ማእሰርትን ቀጻሊ’ሎ

ኣብ ኤርትራ ቅትለትን ማእሰርትን ቀጻሊ’ሎ
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ስሙ ዝዓቀብናዮ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣባል 3ይ ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተቐቲሉ፡ ንቡር ሓመድ ኣዳም ንኸይለብስ ድማ ኣብ ከባቢ ሆስፒታል ግራር ኣብ ባሕሪ ከም ዝተደርበየ ተገሊጹ። ምንጭታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከም ዝገለጽዎ እዚ መንእሰይ ኣብ ወደብዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ህግዲፍ ነቲ መንእሰይ ባዕላቶም ቀቲለም ክንሶም፡ ገበኖም ናብ ካልእ ንምልጋብ ምስቲ ቅትለት ብዝተተሓሓዘ ገበን ንዘየብሎም ነበርቲ፡ ከባቢ ግራር፡ ርእሲ ምድርን ሆስፒታልን “ቀታሊ ኣምጽኡ” እንዳበሉ ከምዘከላበትዎም እቲ ዝበጻሓና ዜና ሓቢሩ።  ምንጭና ከም ዝጠቐሶ ዝተቐትለ መንእሰይ፡ ብዘይካ ብሓንቲ ጓለ-ኣንስተይቲ ዝተላዕለ ምስ ሓላፊኡ ዝነበሮ ንኡስ ውልቃዊ ምስሕሓብ ካልእ ዝፈጸሞ ገበን ከምዘይነበሮ ኣመልኪቶም።

Wednesday, May 20, 2020

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰል ህይወት ህዝቢ ከውሕስ’የ ኢሉ

ልኡኽ ኤርትራ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ሚቸለ ባቸለት መልሲ ሂቡ። ንሱ ኣብቲ ብ27 ለካቲት 2020 ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዘተኣማምን ክብሪ ህዝቢ ከም ዝሰርሐ ገሊጹ።
ንሱ ኣተሓሒዙ እተን ላዕለወይቲ ሓላፊት ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማዕረ መሰልን ዕድልን ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሓሶት ቅልውላው ብቕራበን ከሲሱወን።
እዚ ኣብዚ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብዙሓት ወሃብቲ ርኢቶ፡ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ብዘይምርኣያ፡ ሻቕሎቶም ዝገለጽሉ ን2ይ መዓልቲ ዝተኻየደ ምይይጥ እዩ። እዚ ናይ 2ይ መዓልቲ ምይይጥ በቲ ወይዘሮ ባቸለት ንኤርትራ፡ ሶርያ፡ ኢራን፡ የመን፡ ቨንዙዋላን ካለኦትን ብዝምልከት ጸገማት ብምዝርዛር ብዘቕረበኦ ጸብጻብዩ ጀሚሩ።
እተን ወይዘሮ ኣብቲ ጸብጻበን፡ ዋላኳ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እንተተኸፈተ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ግና፡ ሲቪላዊ ኩነታት ካብ ምቁጽጽጻር መንግስቲ ኣይተላቐቐን፡ ካብዚ ሓሊፉ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ምእካብን መሰል እምነትን፡ ከምኡ እውን መሰል ናጻ ሚድያ ፍቑድ ኣይኮነን ኢለን። ኣስዒበን ከኣ ቤት ጽሕፈተን ፍርዳዊ መስርሕ ንምምሕሽን ጽጉማት ንምሕጋዝን ከምኡ እውን ኣብ ቀረብ ማይን ጽሬትን ንምስራሕ ንዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ዘይምርካቡ ከም ዘሻቕለን ገሊጸን። እተን ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስዒበን ከምዚ ዝስዕብ እውን ኢለን።

Saturday, April 11, 2020

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰል ህይወት ህዝቢ ከውሕስ’የ ኢሉ

ልኡኽ ኤርትራ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ሚቸለ ባቸለት መልሲ ሂቡ። ንሱ ኣብቲ ብ27 ለካቲት 2020 ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዘተኣማምን ክብሪ ህዝቢ ከም ዝሰርሐ ገሊጹ።
ንሱ ኣተሓሒዙ እተን ላዕለወይቲ ሓላፊት ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማዕረ መሰልን ዕድልን ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሓሶት ቅልውላው ብቕራበን ከሲሱወን።
እዚ ኣብዚ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብዙሓት ወሃብቲ ርኢቶ፡ ኤርትራ ዝኾነ ምምሕያሽ ብዘይምርኣያ፡ ሻቕሎቶም ዝገለጽሉ ን2ይ መዓልቲ ዝተኻየደ ምይይጥ እዩ። እዚ ናይ 2ይ መዓልቲ ምይይጥ በቲ ወይዘሮ ባቸለት ንኤርትራ፡ ሶርያ፡ ኢራን፡ የመን፡ ቨንዙዋላን ካለኦትን ብዝምልከት ጸገማት ብምዝርዛር ብዘቕረበኦ ጸብጻብዩ ጀሚሩ።
እተን ወይዘሮ ኣብቲ ጸብጻበን፡ ዋላኳ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እንተተኸፈተ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ግና፡ ሲቪላዊ ኩነታት ካብ ምቁጽጽጻር መንግስቲ ኣይተላቐቐን፡ ካብዚ ሓሊፉ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ሰላማዊ ምእካብን መሰል እምነትን፡ ከምኡ እውን መሰል ናጻ ሚድያ ፍቑድ ኣይኮነን ኢለን።