Pages

Wednesday, January 1, 2020

ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ጽንብል 6ይ ጉባአ ኤዲሰሃ ተሳቲፉ

ብብጻይ ኣሰፋው በርሀ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ዝምራሕን ብጻይ ጐይተኦም መብራህቱ ሓላፊ ዜና ዞባ ኤውሮጳ ብኣባልነት ዝነበሮን ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር (ኤዲሰሃ) ብ16 ሕዳር 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝጸውዖ ጽንብል 6ይ ጉባአኡ ተሳቲፉ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ቃል ሰዲህኤ ዘስመዐ ብጻይ ኣሰፋው፡ ብስም ኣቦመንበርን መሰረታትን ሰልፉ ሰላምታ ምስ ኣቕረበ፡ ስለቲ ንሰዲህኤ ዝተገብረ ናይ ምስታፍ ዕድመ ምስጋና ኣቕሪቡ።
ብጻይ ኣሰፋው ኣብዚ ዘቕረቦ ናይ ምሕዝነት ቃል፡ ኤዲሰሃ፡ ኣብዚ ወሳኒ ግዜ፡ ኣብ 6ይ ጉባአኡ ሓድሽ ፖሊሲ ሒዙ ከም ዝወጸ ብምሕባር፡ ንቐንዲቀንዲ ካብቲ ጉባአኦም ዝወሰኖ ውሳነታት ብምጣስ “ዩሃና” ኢልዎም። ኣተሓሒዙ ከኣ ሰልፍናን ሰልፎም ናይ ነዊሕ ግዜ ርክብ ከም ዝጸንሖም ኣመልኪቱ ንመጻኢ እውን ብሓደ ከስረሓና ዝኽእል ተመሳሳልነት ከም ዘለና ጠቕቒሱ ናይ ሰዲህኤ ብሓባር ናይ ምስራሕ ቅሩብነት ኣቃሊሑ።
ነዚ ዝያዳ ንምብራህ ከኣ ሰዲህኤ ኣብቲ ቅድሚ 4ተ ኣዋርሕ ዘሰላሰሎ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ምስ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብሓባር የስረሓኒ ኢሉ ንዘሕደሶ እማመ ብዝርዝር ኣስፊሩ። (ክቡራት ኣንበብቲ ናይቲ ኣብቲ ጽንብል ዝቐረብ ቃል ምሉእ ትሕዝቶ እዚ ዝስዕብ እዩ)
ቃል ሰዲህኤ ኣብ ጽንብል 6ይ ጉባአ ኤዲሰሃ
ዝኸብርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር
ዝኸበርኩም ናይዚ ጽምብል በዓል ተሳተፍቲ
ብቐዳምነት ካብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋን መላእ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ምዉቕ ናይ ቃልሲ ሰላምታ ተቐበሉ።
ብምቕጻል ኣብዚ ነጥበ-መቐይሮ ንጉዕዞ ቃልስኹም ክኸውን ዝኽእል ውሳኒታት ሒዙ ዝወጸ ጽንብል ዕዉት 6ይ ጉባአኹም ክንሳተፍ ስለ ዝዓደምኩምና ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)  ልባዊ ምስጋና ነቕርበልኩም።
ጉባኤኹም ኣብዚ ብደረጃ ሃገር ኮነ ከባቢና ክምዘን እንከሎ፡ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ተጋቢኡ ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ዘእተወ ሓድሽ ፖሊሲ ብምትእትታው ብዓወት ስለ ዝተጸንበለ ዝተሰመዓና ሓጐስ ልዑል ምዃኑ እንዳገልጽና፡ ዩሃና ንብለኩም። ውሳኔታት ጉባኤኹም ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ዝተማህረ፡ ንመድረኻዊ ብድሆታት ዝገጥም ኮይኑ ረኺብናዮ። ካብቶም ኣገደስቲ ኮይኖም ዝመሰጡና ድማ፡
1 ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምሕላው
2 ንኹሎም ኤርትራውያን ክፉት ናብ ዝኾነ ሰልፊ ምስግጋር
3 ዕላማታቱ ንምርግጋጽ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ምጥቃም
4 ከም ሰልፊ ሒዝክሞ ዝነበርኩም ስም፡ ናብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር ዝብል ምቕያር። ዝብሉ ውሳኔታትኩም ኢዮም።
ምስ ውድብኩም ተቐራሪብካ ኣብ ምስራሕ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ከም ዘለና ንኹላትና ፍሉጥ እዩ። ተመኩሮና ኣብ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ነዚ ዘመልክት እዩ። ኣብቲ መስርሕ ክልቴና ካብ መስረቲ ናይቲ ከምቲ ዝተጸበናዮ ዘይተዓወተ ግንባራት ከም ዝነበርናን ግደታትና ውን ዕዙዝ ምንባሩ  ዝሰሓት ኣይኮነን። ኣብቲ  ብሓባር ንዋሳኣሉ ዝነበርና መስርሕ ግን፡ ብፍላይ ኣብ ኣተሓሕዛ ዝምድና ሃይማኖትን መንግስትን ፍልልይ እንዳሃለወና እዩ ነይሩ። እንተኾነ ብክልቴና ወገናት እዚ ፍልልያት ኣብ መጻኢ ምዕባለ ክረአ ዝግበኦ ከምዝኾነ ብምርዳእ ኣብቲ  ዘሰማመዕና ናይ እዋኑ ስራሓት ካብ ምስራሕ ኣይክልክለናን ኢዩ ዝብል እምነት ኔሩና። ግን ክንድቲ ክንከዶ ዝነበረና ርሕቀት ክንከይድ ኣይከኣልናን።
ሎሚ ግና እነሆ 6ይ ጉባኹም ብዘተኣታተዎ ሓድሽ ፖሊሲ እሞ ድማ በቲ ክሳብ ሕጂ ዝተመኮርናዮ ብሓባር ከይንሰርሕ ዝነበረ ዕንቅፋት ተጸሪጉ እዩ ኢልና ንኣምን።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ኣካል ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ ካልእ እንዕወተሉ መንግዲ ከምዘየለ ኣሚኑን ብፖሊሲ ኣሰንዩን ካብ ዝሰርሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ተግባራዊ መግለጺ ናይዚ እዩ ከኣ  ብ2017 4ተ ነጥብታት ዝሓዘ ብሓባር ናይ ምስራሕ እማመ ሒዙ ዝቐረበ። ዋላኳ ብትብዓት እንተዘይቀጸልናዮ ካብቶም ንእማመና ከም ኣገዳሲ ጉዳይ ወሲዶም ዝመለሱልና ሰልፍኹም ሓደ ምንባሩ ኣብዚ ኣጋጣሚ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ።
እቶም ኣብ መዳያት ዜና፡ ህዝባዊ ስራሓት፡ ከምኡ ውን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብሓባር የስሩሑና ኢልና ኣብ እማመና ዘስፈርናዮም ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአና ድማ፡ዲስና ንሰርሓሎም ዘለና እዞም ዝስዕቡ እዮም።
  1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤
  2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤
  3. ድሕሪ ውድት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤
  4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤
እዞም ነጥብታት ናይ ሰልፍና ርኢቶ እነንጸባርቐሎም ኮይኖም፡ ካብዚኣቶም ዝያዳ ብሓባር ከቃልሱ ዝኽእሉ ብኻልእ ወገን ዝቐርብ ርኢቶታት ክንሰምዕ እውን ቅሩባት ምዃና ኣብዚ ኣጋጣሚ ከነነጽር ንፈቱ።
ብመሰረትዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እማመ ኣብ ዝገብርናዮ ምንቅስቓስ ክንድቲ ትጽቢትናን ህርፋናን’ኳ እንተዘይኮነ ዓወት ሓፊስናሉ ኢና። ንመጻኢ ክዕወቱ ዓብይ እምነት ዘንበርናሎም ብሓባ  ንምስራሕ ኣብ ሓይሎ ናይ ዘተ ጽምዶታት እውን ኣብ መስርሕ ኣለና።
ዕዉት 6ይ ጉባአኹም፡ ምስቲ ቅድሚ 4ተ ኣዋርሕ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ  ምስ መላእ ደምበ ተቓዉሞ ኤርትራ ብሓባር ዘስርሕ ዝሓንጸጽናዮ ፖሊሲ ንምትግባሩ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ እነመቻቻኣሉን ብሓድሽ መንፈስን ስምዒትን ኣብ ዝተበገስናሉ ምምጻኡ ከኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ።

Tuesday, December 3, 2019

ኤርትራዊ ስብእነት

ቀደምሲ መፈለጥታ ኤርትራዊ ስብእነት ኢዩ ነይሩ።  ዘርኣይ ደረስ ጠላይን ኣብ ኣደባባይ ሮማ ንባንዴራ ኢትዮጵያ ክረግጽዋ ምስ ርኣየ ኢዩ (በቲ ናይ ሽዑ ኣተሓሳስባ ኢዩ ክምዘን ዘሎዎ)  ጉራዴ መዚዙ ንጠላይን ዝመልዓሰ። ኣብራሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምን ዝብሃሉ ጀጋኑ ከኣ ጥልያን ንኢትዮጵያ ወሪሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ `ፌስታ` ኣብዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ ተረኺቦም ነቲ ጀነራል ግራስያኒ ዝተባህለ ኣዛዚ ሰራዊት ነታጕ ደርብዮም ናይ ቅትለት ፈተነ ብምግባር ኤርትራዊ ጅግንነቶም ዘመስከሩ። ቅድሚኡውን እንተዀነ ንውግእ ዓድዋ ዘዐወተ ኣውዓሎም ዝተባህለ ኤርትራዊ ከምዝነበረ ይእመነሉ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እቶም ብልዑል ጅግንነቶም ዝፍለጡ ኤርትራውያን ብምንባሮም ንኹሉ ኤርትራዊ ልዑል ፍናን ኢዩ ዝህብ ነይሩ። ብናቶም ጅግንነትን ብህርኩትንኡን ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራዊ ተኸቢሩን ተሓፊሩን ኢዩ ዝነብር ነይሩ።
ብስነ ሞገተ አንተዀነውን ኤርትራ ሰብ ስረ ደቂ ሃገር ኣፍርያ ኢያ። ከም ብዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፣ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ርእሲ ተሰማ ኣስበሮም፣ ሸኽ ዕብደልቃድር ከቢረ፣ ዶ/ር ሎሬንዞ ትእዛዝ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ ኣብ ዓለም ተዛሪቦም ዘስምዑ ዓበይቲ ተማጐቲ ኤርትራውያን ነይሮምና ኢዮም። (ኣብ መርበብ ናይ ሓው አምነቱ ተስፋይ  - emnetu.com - ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ biographies ዝብል ኣረእስቲ ኣቲኹም ከተንብቡ ትኽእሉ)።
ስብእነት ኤርትራዊ ብሰብኡት ጥራይ ኣይኰነን ዝንጸባረቕ ዝነበረ። ኣንስቲውን ኣብ ናይ ጥንቲ ታሪኽ ዓቢ ተራ ተጻዊተን ኢየን። ብጊዜ ቁልዕነተይ፥ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝብሃል ብደርፊ ኢዩ ዝግለጽ ነይሩ። ብሸነኽ ምዕራብ ናይቲ ተወሊደ ዝዓበኹሉ ዓዲ ሓርማዞ ዝብሃል ብዓበይቲ ኣኽራናት ዝተኸበ ቦታ ኣሎ። ሓደ እዋን ዕንጨይቲ ከምጽእ ወፊረስ  ለምለም ትብሃል ጓል ዓደይ ብስግር ሽንጭሮ ኰይና ክትደርፍ ሰሚዐያ። ደርፋ ስለዝሰሓበኒ ከኣ ጽን ኢለ ክሰምዓ ጀሚረ። ዳሕረይሞ ኣብቲ መኒኻ ዝብለካ ዘይነበሮ ሞሮር ዓደይ ኣነውን ናይ ለምለም ደርፊ ብዓውታ እደርፋ ነይረ ኢየ። ገለ ሕጂ ድዝክሮ ክፋል ናይታ ደርፊ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ፥ 

Friday, October 18, 2019

መሪሕነት ሰዲህኤ መስርሕ ምርኽኻብ የጻፍፍ ኣሎ

ሓድሽ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ፡  ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ብምእታው፡ መስርሕ ምርኽኻብ ሓላፍነት የቀላጥፍ ኣሎ። ናይ ሰልፊ ቅዋም መሰረት፡ መስርሕ ምርኻኻብ ሓላፍነት ኣብ መንጉ’ቲ ዝነበረን ሓድሽ ዝተመርጸን መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ  እዩ ዝትግበር። በዚ መሰረት እቲ ብ2 ነሃሰ 2019 ዝተመርጸ ፈጻሚ ሽማገል ሰዲህኤ መስርሕ ምርኽኻብ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ ንምምዛንን ቀጻሊ ስረሓት ንምትላምን ብኣቦመንበሩ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ተመሪሑ፡ ብ18 ነሃሰ 2019 ናይ መጀመርያ ኣኼባኡ ኣካይዱ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ኣኼባኡ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምምሕዳር ኣቚሙ፡ ብዛዕባ ምድላው ዓመታዊ ትልሚ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት፡  ምጽፋፍን ምዝርጋሕን ኣብ ጉባአ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን፡ ዝኣመሰሉን ዛዕባታትን ተመያይጡ ውሳነታት ወሲኑ። በቲ ዝገምገሞ መሰረት መስርሕ ምርኽኻብ ሓላፍነት ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከም ዝፍጻም  ኣረጋጊጹ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃቦ፡ ብመሰረት ውሳነ ጉባአ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ኣቐዲሙ ተጀሚሩ ኣብ መስርሕ ዘሎ ብምቕጻልን ካልእ ተበግሶ ብምውሳድን፡ ምስ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ዘስርሕ  ጽላል ምፍጣር ዝምልከት ኣብ ሓጺር ግዜ ዝትግበር ኣቕጣጫ ቀይሱ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዝተፈላለዩ ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ፡ ውጽኢት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንምግላጽን ካልእ ህልዊ ኤርትራዊ  ዛዕባታት ንምድህሳስን ምስ መደበር ተለቪዥን ኣሰና ዝተኻየዱ ቃለ መጠይቓት ኣገደስቲ ምንባሮም መዚኑ። ጌና ክሳብ ሕጂ ዘይተዘርግሑ ተመሳሰልቲ መደባት ከም ዘለዉ’ውን ተገንዚቡ። ካብቶም ነቲ ቃለ-መሓትት ዘካየዱ፡ ብጾት ኣባላት መሪሕነት፡ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ክፍለዝጊ ገ/መድህን፡ ብርሃነ ደበሱ፡ ኣድያም ተፈራን ወልደየሱስ ዓማርን ይርከብዎም።  ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ማዕከናት ዜና ሰፋሕቲ ቃለ-መሓትታት ናይ ምክያድ መደባት ከም ዘሎን፡ ከም ኣካል ናይዚ፡ ብጻይ  ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብ19 ነሃሰ 2019 ምስ ኣብ መልበርን ኣወስትራልያ ዝመደበራ “ኣገልግሎት ድምጺ ኤርትራ” ብዛዕባ መስርሕን ውጽኢትን ጉባአ ሰዲህኤን ከባብያውን ዓለም ለኻውን ምዕባለታት ዘተኮረ ቀጥታዊ ቃለ-ምሓትት ኣካይዱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ፡  ብጸይቲ ፈቨን ጊደዎውን ምስ ብጾት፡ ሃይለ ወልደሚካኤል፡ ዶር ኣክሊሉ ግርማይ፡ ገረዝጊሄር ተወልደን  ኣድያም ተፈራን  ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ፡ ኣብ ፈይስቡክ ዝዘርገሓቶ ውጽኢት ጉባአ ኣብ ምቅላሕ ኣገዳሲ ግደ ነይርዎ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መወዳእታ ኣኼባኡ፡ በቲ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ሰላም ንምምጻእ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ዝተስመዖ ሓጎስ ንምግላጽ ናብ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ናይ ዮሃና መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብኣመንበር ሰዲህኤ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተመርሐን ሓያሎ ኣባላት ባይቶን መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳን ብኣባልነት ዝነበርዎ ልኡኽ ሰልፊ፡ ብ17 ነሃሰ 2019 ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳቲፉ ናይ ምሕዝነት ቃል ኣስሚዑ።

Tuesday, October 1, 2019

መንግስቲ ኖርወይ 47 ኤርትራውያንን 31 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ጠሪዙ

መንግስቲ ኖርወይ ካብ ጥሪ 1 ክሳብ 31 ነሓሰ 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 47 ኤርትራውያን 31 ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ከም ዝሰጎገ ሓቢሩ።
ካብዞም 47 ኤርትራውያን እቶም ክልተ ናብ ኤርትራ ክስጎጉ እንከለዉ፡ እቶም 47 ናብ ካልኦት ክቅበለኦም ፍቓደኛታት ዝኾና ሃገራት ከም ዝተሰጎጉ ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ጥራይ 96 ገበን ገይሮም ዝበሎም ዝርከብዎም 338 ብሓይሊ ካብ ኖርወይ ከምዝሶጎገ እዩ ዝሕብር።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ፖሊስን ስደተኛታትን ኖርወይ ዳንኤል ድራገሰት ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ነሓሰ 2018 ጸብጻቡ 2,710 ስደተኛታት ካብ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉን ብምሕባር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 3,402 ክብ ከም ዝበለ ይሕብር።
ካብዞም 3,402 ካብ ኖርወይ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት፡ 2 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 10 ኣብ ዝተፋላላያ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 35 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነበሩ ዝጸንሑ ምዃኖም እቲ ናብ ቢቢሲ ዝተልኣከ ጸብጻብ ይሕብር።
ብተመሳሳሊ 7 ሓተትቲ ዑቕባ፡ 9 ኣብ ዝተፈላለይ ሃገራት ዑቕባ ዝሓተቱ ከምኡ እውን 15 ናብ ኖርወይ ከይኣትዉ ተኸልኪሎም ዝነበሩን፡ ብዘይዑቕባ ኣብ ኖርወይ ክነብሩ ዝጸንሑ ብጠቕላላ 31 ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገረ ኖርወይ ከም ዝተሰጎጉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

Saturday, September 14, 2019

ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ መጻኢ ዕማማት ሰልፊ ኣብሪሁ

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብ1 መስከረም 2019 ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣገደስቲ መጻኢ ዕማማት ሰዲህኤ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ዕማማት ቤት ጽሕፈቱ  ንኣባላት ሰልፊ፡ መብርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊኡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ” እንኳዕ ደሓን መጻእኩም”  መልእክቲ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ  ከኣ ንታሪኻውነት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ  ጠቒሱ “እንኳዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት ኣብጸሓና” ኣሉ። ብጻይ ተስፋይ ብሓፈሻ ኣብ መጻኢ 4ተ ዓመታት ብፍላይ ከኣ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዕማማት ሰልፊ ቀዳምነታት ብዝምልከት መብሪሂ ሂቡ።  ኣተሓሒዙ ከኣ መስርሕ  3ይን ሓድነታውን ጉባአ፡  ክሳብ መወዳእታ ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።
 እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብቅዋም ሰልፊ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ መስርሕ ምርኽካብ ሓለፍነት  ኣብ መንጎቲ ክመርሕ ዝጸንሐን ሓድሽ ዝተመርጸን  መሪሕነታት ዕዉት ምንባሩ ኣብሪሁ።   ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምቛም ምሕዳራተን ዳርጋ  ወዲአን ኣብ ተግባር ይኣትዋ ከም ዘለዋን ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ሓድሽ መሪሕነት ወግዓዊ ስሩሑ ከም ዝጀመረን  ኣበሲሩ። ኣብዚ መብርሂኡ እቲ ዝተጠቕሰ ዓወታት ንክብጻሕ ግደ መሰረታት ኣዝዩ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ብምጥቃሲ እዚ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ብዝሓየለ ከም ዝቕጽል እምንተኡ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ እውን፡  ምምሕዳራቶም  ከም ዝመስረቱ ብምጥቃስን እቲ መስርሕ ቀጻሉ ምዃኑ ብምሕባርን፡ ካብቲ ኣብ መጻኢ ሓደ ዓመት ክሰርሕዎ መዲበምዎ ዘለዉ ትልምታት ኣገዳሲ ዝብልዎም ዛዕባታት ተቒሶም መብርህታት ሂቦም። በቲ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ዝሃብዎ መብርሂ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዓመታዊ ትልምታት ንድፊ ይዳሎ ከም ዘሎን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝጸድቕን ሓቢሮም።
ተሳተፍቲ ናይዚ ኣኼባ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ስረሓት በቲ ዝተገልጸሎም ኣገባብ  ተሰላሲሉ  ንኣባላት መብርሂ ምቕራቡ ግሉጽነት ናይ  ኣሰራርሓ ከም ዘመልክት  ገሊጾም።   ብዘካዚ ዘይበርሁሎም ጉዳያት ሓቲቶም መብርሂ ተዋሂብዎም። ድሕሪ እዚ ከኣ መጻኢ መደባት ሰልፊ ንምዕዋት ኣበርክተኦም ዝያዳ ከም ዘበርኹ ቃል ኣትዮም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣብላት ሰልፊ ንኢዱ ኣብ መጻኢ እውን ኣባላት ሰልፊ ይኹኑ ደገፍቲ መደባት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ኣበርክተኦም ከኻዕብቱ ብምጽዋዕ ኣኼባ ተፈጺሙ።

Saturday, August 10, 2019

ብሓው ባህታ ሃይለማርያም፣ ተጠባባቒ ኣባል ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ ኣብ ፈስቲቫል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ ቃል

ዝኸበርኩም ኣዳላውቲ ሽማግለ ፈስቲቫል።
ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ናይዚ ፈስቲቫል።
ብስመይን ብስም መሪሕነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞራስያዊ ለወጢ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ  ናይ ደገፍመልእክቲ ከቕረብ ክብሪ ይስማዓኒ።
ፈስቲቫልኩም ምስ  ምዕዋት ሳልሳይን ሓድነታውን  ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝብኒ ኤትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን  ምትእስሳሩ፡ ታሪኻዊ  ኣጋጣሚ ኢዩ። እንቛዕ ካኣ ደስ በለኩም።
ኣዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት፣ ህዝብና ተወዲቡ፡ ቃልሱ ኣስሚሩ ነዚ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾነ  ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ዝሰፈና ሃገር ንክትከውንን፡ ብሕግን፡ ብልጽግቲን ብፍትሕን እትመሓደርን ሃገርክትከውን፣ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። 
ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ናይ ምሁራት ውዳቤታትን፡ ቃልሶም   ከወሃህዱ  ተግባራዊ ተበጉሶታትተጀሚሩ ምህላዉ ብጣዕሚ ዘሖጉስ ኢዩ።
ንኣብነት፡ ብዙሓት ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ወከልቲ ማሕበረ ኮማትን ግዱሳት ደቂ ሃገርንዝጠርነፈ፡ ብኤሪትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲምክራስዊ ለውጢ ዝፍለጥ ሰፊሕ ጽላል፡ ቅድሚ  4 ወርሒ ዕዉት ካልኣይጉባኤ ምክያዱ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል።
ዕላማን ጻዕርን ናይ ኤሃብደል ቡዙሑነት ህዝቢ ኤርትራ ማኣከሉ ዝገበረ፡ ውሑስ ሓድነት ዝተፈላለየ ሕብረተሰብናንምፍጣር ኢዩ። ውዳባኡ ካኣ ንዕኡ የንጸባርቕ። ኣብዚ ሓጽር ጊዜ ምስ ዝተፈላለያ ፖሊቲካዊ ውድባትን፡ ምስ ናይህዝቢ ውዳቤታትን ርኽኽባት የካይድ ኣሎ።ንሰልፊ ዲሞክራኢ ህዝቢ ኤሪትራ፡ ንሃገራዊ ግንባር ኤሪትራ ( 4 ውድባትዝሓቖፈ ግንባርሓቢርካ ንምስራሕ ዝዓለመ ዘተ ክካይድ መልእኽቲ ኣቅሪቡ ኣሎ። ንሓበሬታ ዝኣክለ  ብዕለት 22-6-2019  ብመኣዲ ዘተ ሚንሶታ ብምትሕብባር ምስ ቲቪ ተምፖ ኣፍሪክ (tempo afric tv eritrea) ኣብ ዝተዳለወ መኣዲ ዘተ ሚኒሶታ፤ ኤሃባደለ፡ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት ተረኺቡ 9 ነጥብታት  ዝሓዘለ ስምምዕ ሰነድፈርሞም። ቀጻሊ ርኽክባት ከካይዱ ካኣ ተሰማሚዖም ምህላዎም ብጣዕሚ ኣገዳሲ ፍጻመ ኢዩ።
እዚ ሎሚ ነጸምብሎ ዘሎና ሓድነት ናይዘን ክልተ መሓዙት ውድባት፡   ናይ ምውህሃድን፡ ናይ ሓቢርካ ምስራሕንዝውሰድ ዘሎ ተበግሶታት ፍረ ውጻኢት ኢዩ ክበኣል ይኽእል። ስለዚ እዚ ብፖሊቲካዊ ውድባት ዝግበር  ዘሎምቅርራባትን፡ እዚ ብህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ውዳቤታት ዝወሃደሉ መስርሕ ክግበር ኣሎዎ። ነንሕድሕዱ ተማላላኢ ብሽርክነት ክቃለስ ህጹጽ መድራኻዊ ዕማም ምዃኑ ንሕና ከም ኤሃባዲለ ጽኑዕ እምነትና ምዃኑ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ከምኡ እንተገርና ኢዩ፡ ዓወትና ክቃላጠፍ ዝኽእል። ኤሃባደል ደምበ ተቓውሞ ቃልሱ ከወሃህድ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነትተበጊሶ፡ ኣብ ፈጻሚት ቤትጽሕፈቱ ነዚ ዝከታተልን፡ ዘተግብርን ፍሉይ ቤትጽሕፈት እቂሙይርከብ። ሓድነታዊጉባኤኹም ብምዕዋቱ፣ ሰልፍኹም ክሕይልን፡ ክድልድልን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ልሉይ ተራ ክህልዎን፣ ካብ ዘለናምንዮትን ብምብጋስ፡ ደጊመ ብስም መሪሕነት ኤሃባደለ እንቛዕ ናብዚ ኣብቃዓኩም ክብል ደስ ይብለኒ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና።

Tuesday, April 23, 2019

ርክብ ጀነቫ ብምንቁልቋል ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ስኽፍታ ኣሕዲሩ

መበል 11 ርክብ ጀነቫ፡ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ብ26 መጋቢት 2019 ኣብ ጀነቫ  ተጋቢኡ።ኣብዚ ኣኼባ ኣስታት 800 ዝኾኑ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ፡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ተሓለቕቲ፡ ፖለቲካዊ ተቓወምትን ግዳያት ወጻዕቲ መንግስታትን ተሳቲፎም። ኣብዚ ኣኼባ ኣብቲ ደሓን ዝበሃል ዝነበረ ማሕበረሰባት ከይተረፈ ብዛዕባ መሊሱ እንዳጠጠዐ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆና ዝሓደረ ስኽፍታ ተንጸባሪቑ።
ኣብዚ ርክብ ብዛዕባቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ምንቁልቋል ብናይ ሕቡራት ሃገራት ሓለዋ ዲረክተር ኣቶ ሂለል ኑር ኣገዳሲ መብርሂ ተዋሂቡ። ንሶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ኣብዚ ከም በዓል ኤርትራን ሳዑዲ ዓረብን ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝኣተዋሉ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ምምሕያሽ ኣዝዩ ውሑድ ከምዝኸውን ጠቒሶም።
ብሩንዳዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል ወይዘሮ ከቲ ኒቪባንዲ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገረን ዝፍጸም ግህሰት ሰብእዊ መሰል መግለጺ ሂበን። መብዛሕትኡ ዝገለጸኦ ከኣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ግህሰታት ዝመሳሰል ነይሩ። ንሰን ኣተሓሒዘን ኩሎም ምእንቲ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን ዝነጥፉ ወገናት ንድሕሪት ከይብሉ ጸዊዐን። ኣብዚ ዝሃበኦ መግለጺ “ዋላ ለይታዊ ናይ ጸልማት ሰዓታት እንተነውሐ፡ ብርግጽ ጸሓይ በሪቓ ብርሃና ክትልግስ እያ” ዝብል ናይ ብሩንዲ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ጠቒሰን።
ኣንጻር ጾታዊ ወጽዓ ዝነጥፋ ገጣሚት ብሪታንያዊ ሶማልያዊት ኒምኮ ዓሊ ብወገነን ቃል ኣስሚዐን። ንሰን ከም ዝበለኦ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መላእ ዓለምና 200 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ጾታዊ ጸቕጢ ኣብ ጸገም ይነብራ።