Pages

Friday, November 30, 2012

breaking news

http://assenna.com
ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሓያለ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ብምኽንያት እምነተን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጕኑ የሳቕዮም ከምዘሎ ካብ ቤት ማእሰርቲ ስለያ ስርሒት ዞባ 2 ን ኣደርሰርን ዝበጽሓና ናይ 51 እሱራት ሰነዳት ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ስለያ ስርሒት ዞባ 2 ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት 372 ኤርትራውያን ተኣሲሮም ይሳቐዩ ኣለዉ።
ኣተሓሕዛ ናይቶም እሱራት ኢሰብኣዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ፡ እተን እሱራት ደቀንስትዮ ብኣባላት ሓለዋ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ተዓሚጸን ጥንሲ ከምዘጋጥመን እቲ ሰነድ ይገልጽ።

ሓንቲ ስተል መሓመድ ዓሊ ዝተባህለት ጓል 27 ዓመት እስርቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ጥንሲ ኣጋጢሙዋ፡ ሓደ እዋን ንሕክምና ባረንቱ በጺሓ ምስ ተመልሰት ብ 16 መጋቢት 2011 ኣብ ውሽጢ ሸላ ቤትማእሰርቲ ሞይታ ከምዝጸንሐት እቲ ሰነድ ይሕብር። ነቲ ዘጋጠማ ጥንሲ ሓላፍነት ዝወስደሉ ኸኣ ኣይተረኽበን።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ 2011 ዓመተ ምህረት ጥራይ፡ ሰኣን ግቡእ ሕክምና፡ ኣሮን በራኺ ተኽለብርሃን ወዲ 30 ዓመት፡ ኣድም ኣረይ፡ ከምኡ ‘ውን ሳሮን መሓሪ ጊላይ ጓል 19 ዓመት፡ ብጠቕላላ 4 መንእሰያት ሞይቶም።
ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ ቤትማእሰርቲ ኣደርሰር ተሓይሮም ዘለዉ ብኸፊል ዝበጽሓና ሰነድ ዝርዝር ኣስማት ትሕቲ ዕድመ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
http://assenna.com

No comments:

Post a Comment